ሰደህኤ ኣብ 9ይ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ጀነቫ ተሳቲፉ

2017-02-23 08:26:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2528 times

ብ25 ፍሉጣት ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ዝተዳለወ 9ይ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ብ21 ለካቲት 2017 ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 500 ተሳተፍቲ ተረኺቦም። እዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝነጥፉ ኣኼባ ጀነቫ ብቓል ናይ 2017 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላዊ ሰብኣዊ መሰል ዲረክቶር ምኽፋቱ፡ ኣብዛ ዓለም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል የሻቕል ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

መለኽቲ ምስ ኩሉ መላኺ ሓደጋታቶም ናብ መድረኽ ይምለሱ ምህላዎም፡ ሰብኣዊ መሰል ናብ ንቡር ቦታኡ ናይ ምምላስ ሓደጋ፡ ከምኡ እውን ምእንቲ ናጽነትን ደሞክራስን ዝግበር ቃልሲ ኣብዚ እዋንዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብዚ ኣኼባ ብክኢላታት ቀሪቦም ካብ ዝተዘርበሎም ቀንዲ ዛዕባታት ነይሮም። ብዘይካዚ 16 መደርቲ፡ ደረፍትን ቀባእትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኣብ መድረኽ ቀሪቦም ምስክርነቶም ሂቦም። እዞም ኣብ መድረኽ ዝተዛረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ሃገራቶም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ቀረቦምን ዝተፈጸመ ዘሰንብድ ዛንታታት ኣቕሪቦም። እቲ ዘሕዝን ካብታ ሜላዊ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸመላ ኤርትራ ቀሪቡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ካለኦት ወገናቱን ዝተፈጸመ ገበናት ዝገልጽ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣይነበረን።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዘቕረብዎ ዛንታታት ንተሳተፍቲ ዘብኪ ትሕዝቶ ነይርዎ። ካለኦት (ከም ማውርታንያዊ ብርሃን ኣበይድ) ዝኣመሰሉ፡ ብዛዕባ ቀጻልነት ባርነትን ክትኣምኖ ዘጸግም ግሉጽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን መብርሂ ሂቦም። ካብዚ ብተወሳኺ (ከም ናይ ቅድም ናይ ማልዲቭስ ፕረሲደንት) ሓድሽ ትውልዲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ተባዕ ቃልሲ ንከካይድን ኣብዚ መዳይዚ በብኹርናዑ ይፍጠሩ ንዘአልዉ ውልቃውያን ዓመጽኛታት ከይንብርከኽን ምዒዶም።

ኣኼባ ጀነቫ ንሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን፡ ቅድሚ ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ምግብኡ፡ ሒደት መዓልታት ዝካየድ እዩ። ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣብዚ ናይ ጀነቫ ኣኼባ ብተኸታታሊ ን2ይ ዓመት እዩ ተሳቲፉ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ምስሎምን ኣስማቶምን ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ዘቕረቡ፡ ኣብዚ ኣኼባ ጀነቫ 2017 ዝመርሑን ምእንቲ ሰብኣዊ መሰል ብዝገብዎ ኣበርክቶ ብልጫ ዝረኸቡን እዮም።

1EPDP attends 22.02
ኣናስታሲያ ዞቶቫ በዓልቲ ቤት ሩስያዊ እሱር ኢልዳር ዳዲን፡ ኣንቶንቶንያታ ለደዝማ ጓል እሱር ከንቲባ ካራካስ፡ ኣንቶኒዮ ለደዝማ፡ ኣስትሪድ ቶርስ ፊንላንዳዊ ፖለቲከኛን ናይ ቅድም ኮሚሽነር ውሑዳትን፡ ቢራም ዳህ ኣበይድ መራሒ ቃልሲ ኣንጻር ባርነት ኣብ ማውሪታኒያ።

2EPDP attends 22.02

ካን ዱርዳር ፍሉጥ ቱርካዊ ጋዜጠኛን ናይ ቅድም ሓላፊ ጋዜጣን፡ ቺቶ ጋስኮን ድሕሪ 6 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ፡ ዳኒሎ “ኢል ሰክቶ” ማልዶናዶ ኩባዊ ኣርቲስትን ንጡፍ ተሳታፍን ንካስትሮ ብምንቃፉ ተኣሲሩ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተፈትሐ።

3EPDP attends 22.02

ኣርዊን ኮትለር ናይ ካናዳ ናይ ፍትሒ ሚኒስተርን ኣባል ፓርላማን ዝነበረ፡ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ እሱራት ተሓላቒ፡ ጀምስ ጆነስ ዕዉት ደኮመንታሪ ዘዳለወ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ሳዑዲ ዓአቢያ ሕቡእ ዘቃለዐ፡ ምክትል ፕረሲደንት ኣፍሪቃዊ ሓርነታዊ መርበብ፡ ሞሓመድ ናሺፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ማልዲቨስ፡

4EPDP attends 22.02

ኒማ ለሃሞ ቲበታዊት ንጥፍትን ጓል ሓው ሃይማኖታዊ መራሒ ተንዚን ደለክ ሪንፖቸን፡ ሽሪን ፍሪድ ያዚድ ብእስላዊ ኣይሲ ጾታዊ ባርነት ዘጋጠማን ደራሲት “ጓል ብርሃን ኮይነ ክቕጽል እየ”ን፡ ታሂ ራህማኒ ኢራንዊ ጋዜጠኛን ናይ ፖለቲካ እሱር ዝነበረትን ከምኡ እውን በዓልቲ ቤት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ናርገስ
ሞሓማዲ፡ ዛህና ነምትሶቫ ጋዜጠኛ, መስራቲት ቦሪስ ነምትሶቭ ፋውንደሽን ንናጽነትን ካብ ደቡብ ኮርያ ዝሃደመን (ንድሕነቱ ስእሉ ዘይወጸ)።

Last modified on Thursday, 23 February 2017 09:53