ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር

2017-02-21 11:24:57 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ Published in EPDP News Read 2308 times

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብዕለት 18.02.2017ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ። ኣኼባ  ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝተረኽበ መስዋእቲ ኣባልማሕበር ኣካለ ጽጉማንን፤ ነባራት ተጋደልትን ዝኽሪእዩ ተጀሚሩ።                                                            

ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ኣብዝሓለፈ ዓመት 2016 ዘካየዶም ንጥፈታትን ተሳትፎ ግዱሳት ዜጋታትን ሓበሬታ ብምቕራብ እዩ፣ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ዝኸፈቶ። ኣኼበኛ ማሕበር ኣብቲ ዓመት ዝኸደ ንጥፈታትን ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኣብሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2017 ዝግበር መደባትን ሓዲሽ ናይ ስራሕ ኣገባብ ምትእትታውን ንኽህሉ ሰፊሕ ልዝብ ኣካይዱን ሓንጺጹብፍላይ ከኣ፡ ኩሉ መዳያዊ ምእላይን መነባብሮ ጽጉማን ምምሕያሽን ቅዳምነት ክዋሃቦ ክጽዕር ምዃኑ ርእዩ። ኣብ ርእሲዚ ነተን ወርትግ ዘይስልክያ ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበርን፡ ምስ ኣባላት ማሕበብምትሕብባር ዘካየድኦ ዘይሕለል ተወፋይነትን ጻዕርንኣመስጊኑ።ብዘይካዚ ነቶም ብምኽንያት ልደት ኣብ ኤርትራውያን ፓልቲካት ንመደበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ገንዘብ ዘዋጽኡን ብቀጥታ ክበጽሕ ዝገበሩን ኣሕዋትን ኣሓትን መጎሱ ገሊጹ።

18.02

እዚ ኣብ  ከተማ ፍራንክት ካብ ሰዓት 16.00  ክሳዕ ሰዓት 22.00  ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቁጠባዊ ጸብጻብ ብሓው መዓሾ ኣስራት ቀሪቡ።ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራኣብጀርመን  ነቲ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ንምቋም ሓውና ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለዝጊን ሰዓብቱን ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ብዪታሪኻውን ዕዉትን ስጉምቲ ምንባሩ ኣሞሱ። ምኽንያቱ ነቶም ኣብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ዝነብሩ ናይ ሓርነት ውጉኣት ንምንባይ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ብማሕበርን ብውልቀን ክሕግዙ ዝያዳ ሓላፍነት ወሲዶም ክጥርነፉን ክነጥፉን መንገዲ ከፊቱ እዩ።   

Last modified on Tuesday, 21 February 2017 12:33