ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ

(ቃለ-ጉባኤ፡ ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)

መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ

ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ

ጫፉ ኣብጽሓኒ፡

ልበይ ተተርኢሱ ኣብ ተስፋን ኣብ ሕልምን

ዝናብ ናይ ወጋሕታ ጕዕዞ ኣይክልክለንን

(…)

ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ

ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ

ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ

መገዲ ዓድና፡ ሰደና ሰደና

ቀለም ዘይሓለፎ፡ ብርዒ ዘይተንከፎ

ብኢድና ክንጽሕፎ።

(…)

ዓደየ ዓደየ ዓደይ ብምልእታ

ምዕርዕር ዝበለት ወለላ ወለላ

 ሃገረይ ወለላ …

 

እዘን ከም መእተዊ ተጠቒመለን ዘለኹ መስመራት ካብታ ብስሙይ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም ዝተደርሰት: “መገዲ ዓድና” ዘርእስታ ግጥሚ ዝተወስዳ ኰይነን: ኣብ ግንቦት 2009 በቲ ህቡብ ድምጻዊ ተመስገን ያረድ ብዝምስጥ ዜማን ወኒ ብዘላዓዕል ሙዚቃን ተሰንየን ዝተደርፋ ኢየን። ኣርእስታን መልእኽታን ከም ዝእምቶ: ቀንዲ ሓይሊ ናይታ ግጥሚ: ነቲ ዘሎ ኵነታት ሃገርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕድሕድ ምርሕሓቓቕን ኣብ ስደት ምንባርን ከም ውሁብ ብምውሳድ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሰሪጹ ዝርከብ ዓሚቚ ናይ ናፍቖት ስምዒት ተንኪፋ ወይ ኣለዓዒላ ናብ ዓዱ ንኽምለስ ንዘለዎ ናይ ወትሩ ድልየት ስለእተተባብዕን ተስፋ እትህብን ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ነተን “መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ/ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ” ዝብላ መስመራት ብምሳሌያዊ ዓይኒ ምስእተንብበን ወይ ምስእተስተማቕረን: እቲ መገዲ ክኽየድ ዝከኣል ምዃኑ ዝሕብራ ጥራሕ ዘይኰናስ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ሽግራትን ቃልሲን ዝተራእየሉ፡ ኣሽሓት ሓርበኛታት ዝሓለፉሉ፡ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ መገዲ ክሓጽር እውን ከምዝኽል የተስፍዋ።  እታ ግጥሚ እተሰከመቶ ካልእ ረቂቕ መልእኽቲ እውን ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብተን “ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ/ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ/ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ገዛእቱ ከምዋዛ ንእግረ-መገዶም ከማሓድሩዎ ዘየፍቅድ: ወይ’ውን ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ወሰናስን ኰይኑ ከም ተራ ሓላፍ-መገዲ ዝዕዘብ ከምዘይኰነ፣ የግዳስ ባዕሉ ወናኒን ተጓዓዚን ናይቲ መገዲ ምዃኑ ዝሕብራ ሓያላት መስመራት ተቐሊሙ ይርከብ።

Ghirmai Negash Festival 2016 15

ኣብ ናይ ሎሚ፡ “መገዲ ዓዲና፡ ብኸመይ ንኸዶ?” ዘርእስቱ ቃለ-ጉባኤ:  ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ብብሉጽ ቋንቋ ዝተቐለመ ናይ ገጣማይ ብሩህ ስእሊ ከም መእተዊ ብምውሳድ: እቲ ኩላትና ክንከዶ እንሓልሞ  ‘ናብ ኤርትራ ዝወስድ መገዲ መዓስን ብኸመይን ወይ’ውን እንታይ ምስ እንገብር ኢና ክንከዶ እንኽእል?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ሓደ-ሓደ ሓሳባት ምሳኻትኩም ክካፈል ክፍትን’የ። ከምዝፍለጥ: ኣብዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ብፖለቲካዊ ጸቕጢ: ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰል: ድኽነትን ስደትን ዝልለ ዘመን: እቲ ነታ ሃገር ካብቶም ዘጋጥሙዋ ዘሎዉ ሽግራትን ብድሆታትን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ክውንነት ንምምላሳ ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ክኽውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ግድላት ዓበይትን ጽንኩራትን ብምዃኖም: እቲ ነቲ ኵነታት ንምቕያርን ንምዕራይን ዝግበር ናይ ቃልሲ ጒዕዞ እውን ብኡ መጠን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦ ክኽውን ግድን’ዩ። ይዅን’ምበር: ነቲ ናብ ዓዲና ዘምልስ መገዲ ዓወት: ነቲ ንህዝቢና ተሓሪሙዎ ዘሎ መሰልን ክብርን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ናይ ቃልሲ መገዲ: ብሓጺሩ ከምቲ ገጣማይ ዝበሎ “ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ምዃንና ኣሚንና: ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ብሄርን ወገንን ኵላትና ብሓባር ንምጽራጉ ምስእንጽዕር: እቲ መገዲ ክምዕረ እቲ ጕዕዞ’ውን ክሓጽር ይኽእል’ዩ። እዚ ኰይኑ: እቶም ኣብዚ ሰዓት’ዚ ነቲ ናይ ዓወት መገዲ ዝሓልኵዎ መስናኽላት እንታይ-እንታይ ኢዮም? እቶም ክግጠሙን ክፍትሑን ዘሎዎም ቀንዲ ሽግራት ኤርትራን ህዝባን ኣየኖት’ዮም ዝብሉ? ሕቶታት ምልዓል ኣገዳሲ ኢዩ።

Ghirmai Negash Festival 2016 7

 

       ብርእይቶይ: ህዝቢ ኤርትራ ናብ ንቡር መነባብሮ መታን ክምለስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ስራሕ ዕዉት ኣስተዋጽኦ ክህሉዎ እንተድኣኰይኑ: እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ጉዳያት ከም ቀንዲ ኣተኵሮ ናይቲ ቃልሲ ተወሲዶም ንምፍታሖም ቀጻሊን ሓባራዊ ጻዕሪን ምስዝግበረሎምን ኢዩ እብል።    

1. ጉዳይ ናጻ ፕረስ፤ ከምቲ ኣብ 1992 ኣብ ከተማ ኣስመራ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” ኣብ ትሕቲ ዘርእስቱ ዘቕረብኩዎ መደረ ኣልዒለዮን ተላብየዮን ዝነበርኩ: ህላወ ናጻ ፕረስን ድርሰታዊ ናጽነት ብሓፈሻኡን ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ሃገር መሰረታዊ ኢዩ። ዝሓለፈ ናይ 25 ዓመት ተመኵሮ ኤርትራ ብፍላይ ንጋዜጠኛታትን ደረስቲን ጥጡሕ ኣይነበረን። እቲ PEN-Eritrea ዝብሃል ንመሰል ጋዜጠኛታትን ደረስቲን ንምክልኻል ዝነጥፍ ማሕበር ሰኒዱዎ ከም ዘሎ: ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ማዕረ 17 ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ተቐይዶም ይርከቡ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባኦም ክዛረብ ድሉዊ እኳ እንተዘይኰነ: ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝሕብሩዎ ግን መብዛሕቶም ብህይወት ከምዘየለዉ ይዝረብ። ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ተስዓታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ፍቓድ ምስ ተኣወጀ ክነጥፉ ዝጀመሩ ኢዮም ነይሮም። ኣብ 2001:  እቲ ብጕጅለ-15 ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተጀመረ: እቲ ብእንኮ መንግስታዊ ልሳን ጥራይ ምዝራብ ዝለመደ ፖለቲካዊ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ: ነተን ናጻ ጋዜጣታት ዓጽዩ ነቶም ጋዜጠኛታት ብዘይ ግሉጽ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕ ቤት-ፍርድን ኣሲሩዎም። እዚን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ተኣኻኺቦም ንኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍአ ምሕደራ ናጻ ፕረስ ዘለዋ፡ ወይ’ውን ብሳንሱርን ብምእሳር ጋዜጠኛታታን እትልለ ዝሓሰመት ሃገር ኰይና ከምትፍለጥ ገይሩዋ ኣሎ።  ክንዮ ሕማቕ ስም ምርካብን እቲ ኣብ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ስቅያትን ጥፍኣትን ግና: ኣድላይነት ናጻ ፕረስ ንሓዋሩ: ንናይ ፕሮፓጋንዳን: ድንቍርና ዘበግሶ ናይ ሕሱር ቤላ-በለው ልምዲን ስዒርካ: ኣብ ጭቡጥን ግሉጽነት ዘለዎን ሓበሬታ ተመርኲስካ ደሞክራስያዊን ጥዑይን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ብምዃኑ: ህዝቢን ናይ ፖለቲካ ሓይልታትን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ብዘይ ወዓል-ሕደር ክቃለስሉ ይግባእ።

Ghirmai Negash Festival 2016 14

2. ጉዳይ ሃገራዊ ቅዋም፤ ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ-መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ተዘሪቡ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ መሪሕነታቱን ብዛዕባኡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታትን መርገጺታትን ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ: “ባዕላ መውጽኢት ደርፊ: ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”ከምዝብሃል: ነቲ ባዕሉ ዘበገሶ: ህዝቢን ምሁራትን ተጋደልቲ ካድረታትን ከኣ ዝደኸምሉ ሕገ-መንግስቲ:  ኣብ መወዳእታ ብግብሪ ኣየድልን’ዩ ኢሉ ደርብዩዎ። ብወገን ሓይልታት ተቓውሞ ሰለስተ ርእይቶታት ኣሎ። ገሊኦም እቲ ቅዋም ፍጹም ስለዝዀነ ከምዘለዎ ይተግበር ይብሉ። ገሊኦም ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተቐለሰ ዝንቡዕ ሰነድ ስለዝዀነ ኣይንቕበሎን ኢና ይብሉ። ገሊኦም ከኣ: ዕቃበታት እኳ እንተሃለዎም: ነቲ ሕጽረታቱ ኣመሓዪሽካ ከም መበገሲ ምውሳዱ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለዎም። ብወገነይ ምስዚ ዳሕረዋይ ርእይቶ እሰማማዕ።  እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ጽሑፍ ብሰፊሑ ከምዝገለጽኩዎ: እቲ ቅዋም ምምሕያሻት ክግበረሉ እንከሎ ሕመረት ናይቶም ዝትግበሩ መአረምታታት ኣብቶም ንታሪኽን እምነታትን ልቦናን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ሕግታት እንዳባ ዝተመርኰሱ ክዀኑ የድሊ እብል።

3.ብዛዕባ ምትሕብባር በርጌሳውያን ማሕበራት፤ ብፍላይ ኣብዝሓለፉዓሰርተዓመታትበብዅርናዑዝፈለቓ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝጣብቓን ንጣበቕ ኢና ዝብላን በርጌሳውያን ማሕበራትኤርትራብዙሓትየን።ኣበርክቶናይመብዛሕተን ኣመና ዕዙዝ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ንኽፍኣታት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምቅላዕን ብኣህጉራዊ ደረጃ ዕቃቤታት ንኽግበረሉን ተገይሩ ዘሎ ስራሓት፡ ድምር ውጽኢት ናይ ኵላተን ጻዕሪ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እተን ማሕበራት ምእኩል ምትሕብባርን ናይ ብሓባር ምስራሕ ቅሩብነትን ከምቲ ዝድለ ኣይርአን። ሓሓሊፉ’ውን ብተናጽል ምስራሕ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣብ መንጎ ውልቀሰባት መራሕቲ ናይተን ማሕበራት ጥራሕ ዘይኰነስ: እቲ ኣሉታውነቱ ናብ ህዝቢ ዘሪቝ: ነቲ ዕቝር ሓይሊ ዜጋታት ብምድኻም፡ እምነት ምጕዳልን ተስፋ ምቝራጽን ክፈጥር ይርአ። ብደገ ንዝዕዘብ: ኣብ መንጎ መብዛሕተን እተን በርጌሳውያን ማሕበራት ጐሊሑ ዝርአ መሰረታዊ ናይ ዕላማ ፍልልያት የለን። እንተሃልዩ: ንኣሽቱ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባባት ዝፈጠሮ ፍልልይ ይመስል። ሰኣን ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕን ግን ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ይኸስራ ከም ዘለዋ ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ፍልልያት እንተቐጺሉ ድምራቱ ንዕድመ ስርዓት ኣስመራ ናይ ምንዋሑ ዕድል ዘስፍሕ ክኽውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ እቲ መገዲ ዓወት መታን ክሓጽር ኲላተን እተን ማሕበራት ፍልልያተን ኣጽቢበን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማታት ብምትኳር ተሓባቢረን ክሰርሓ የድልየን። እዚ ክውን ንምግባር ከኣ ኲሎም ኣብ ውሽጠን ኰይኖም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣባላት እተን ማሕበራትን: ብሓፈሻኡ ኣባላት ሕብረተሰብን ነተን ማሕበራት ከተባብዕወን: ኣድላዪ ምስዝኸውን እውን: ተጽዕኖ ክገብሩለን ከድሊ ኢዩ።  

4. ብዛዕባ ኣገዳስነት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” (Decolonization of the Mind) ኣብ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤  ብዛዕባ “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” ከም ፍልስፍናዊ ኣምር ንምብራህን ኣገዳስነቱ ኣብ ኤርትራ ንምግላጽን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ዕማም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣምር’ዚ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ክለሰ-ሓሳባዊ ምርምር እንተ ኣቲና: እዚ ፍልስፍና’ዚ ንፈለማ ግዜ ብኬንያዊ ደራሲ ንጉጊ ዋቲያንጎ ኣብታ Decolonizing the Mind (ማለት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” እትብል መጽሓፉ) ዝተበገሰ’ዩ። ቀንዲ ኣተኵሮ ትንተና ንጉጊ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣብ ኣፍሪቃን ኣገባባት መግዛእቲን ኢዩ። ብርግጽ እቲ ንኣፍሪቃውያን ቀንዲ ክግዝኡን ክንብርከኹን ዝገበረ ሓይሊ ወተሃደራዊ: ፖለቲካዊ: ምጣነ-ሃብታዊ ሓይሊ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ምዃኑ ኣጸቢቑ የብርህ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዓመጻት’ዚ: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ነቲ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዝገበሩዎ ካልኦት ረቛሒታት’ውን ነይሮም ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ንቋንቋታት ኣፍሪቃ ኣዕኒኻ ብኤውሮጳዊ ቋንቋታት ምትካእ፣ ንያታዊ ባህሊ ኣፍሪቃ ከም ድሑርን ዘይጠቅምን ጌርካ ብምንሻው: ኣፍሪቃውያን: ልዕሊ ናቶም: ንኤውሮጳዊ ባህሊ ከምዘኽብሩ ምግባር፣ ንያታዊ ፍልጠት (ንኣብነት ከም ኣብ ሕጊ እንዳባ  ኤርትራ ተዓቚሩ ዝርከብ ልቦናን ፍልጠትን) ምቍንጻቡን ምብታኑን: ነዚ ትምህርቲ’ዚ ድሕሪ ምብታን ከኣ ብሓድሽ ኤውሮጳዊ ትምህርቲ ምትካኡ ዝብሉ የጠቓልሉ። እምበኣር: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ዝተገዝአ ህዝቢ ብኽልተ ሸነኽ’ዩ ዝህሰ። ቀዳማይ ግሁድ ኣካላዊ መግዛእቲ የጋጥሞ፣ ናይ ካልእ ሃገር ግዙእ ይኸውን። ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ መግዛእቲ ናይ ዝፈጥሮ ናይ ኣተሓሳስባ ግዙእ ይኸውን፣ ብሕቡእ “ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ” ይሳቐ። ‘ናይ ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ ግዙእ ምዃን’ከ እንታይ ማለት’ዩ?’ ናይ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ግዙእ ምዃን ማለት ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእካ ናጽነት ምስ ተጐናጸፍካ እቲ ሓድሽ እትሃንጾ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብናጻን መበቈላዊ ኣተሓሳስባን ዝህነጽ: ልክዕ ከምቲ ገዛእቲ ዘመሓድሩኻ ዝነበሩ ትሕዝቶን ቅርጺን ምምሕዳሮም ብምውራስ ወይ ብምቕዳሕ ነቲ ሕብረተሰብ ከም ገዛእቲ ኴንካ ምምሕዳር ማለት’ዩ። ውጽኢት ወይ ነጸብረቕታ ናይዚ ብሓጺሩ ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ: ማለት ተርእዮ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ዝፈጥሮ ሽግር: ኣብ ክውንነት ኤርትራን ዜጋታታን ብኸመይ ይገሃድ ወይ ኣብ ምንታይን-እንታይን ይንጸባረቕ (ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ) ኢለ ክሓስብ ከለኹ ድማ: እቲ ሽግራት ብፍላይ ኣብዘን ዝስዕባ ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ ነጥብታት ዝግሃድ ዘሎ ይመስለኒ።

Ghirmai Negash Festival 2016 9

(ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ኣብ ዝግበር ክትዕ ሓደ ካብቶም ቀንዲ እዋናውያን ኣካታዕቲ ነጥብታት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ዘሎዎ ወይ ክህሉዎ ንዘሎዎ ዝምድና ዝምልከት ኢዩ። እዚ ነጥብ’ዚ ኣካታዒ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ እቲ ክህሉ ዘለዎ ዝምድና:  ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ: ብሩህ ርድኢት ብዘይምህላው ኢዩ። ብፍላይ እቲ ኣብዚ መዳይዚ ዝፍጠር ምድንጋራት ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደውላ (state) መንግስቲን (government) ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውድብን (ፖለቲካዊ ማሕበር ወይ ፓርቲ) ዘለዉ ፍልልያትን ርክባትን ብንጹር ፈላሊኻ ክትርእዮም ካብ ዘይምኽኣል ዝነቅል ኢዩ። ከም ግቡእ እቲ ደውላ (state) ዝብል ኣምር ኣርባዕተ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ማለት “ደውላ” ህዝቢ ዶባት፡ ምምሕዳርን ልዑላውነት ሃገርን ዝሓቍፍ ኣምር ኢዩ። ብኣንጻሩ: መንግስቲ ክብሃል እንከሎ ነቲ ኣካላት ናይ ደውላ (ማለት ህዝቢ፡ ትካላት፡ ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር) ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተመዘዘ ወይ’ውን ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውዳቤ ወይ መዋቕር ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ መንግስቲ ኣገልጋሊ ሃገርን ህዝቢን ደኣ’ምበር ጐይታ ህዝቢ ወይ ጐይታ ሃገር ኣይኰነን። ኣብ መንጐ ሃገርን መንግስቲን ካልኦት ፍልልያት እውን ኣለዉ። እዚ ድማ ሃገር፡ መሬትን ህዝቢን ክሳብ ዘለዉ ነባሪ’ዩ፣ እቲ ዝለዓለ ናይ ሃገር ትካል ከኣ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ኢዩ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ነባሪ ኣይኰነን፣ ዝመጽእን ዝኸይድን ኢዩ።  ቅድሚ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ናተይ ዝብሎም መንግስቲን ሃገርን ስለዘይጸንሑዎን: ተደራራቢ ሕማቕ ተመኵሮ መግዛእታዊ ሓይልታት ስለዘሰንበሮን:  ከምኡ’ውን ግቡእ ምእላይን ምንቕቓሕን ስለዘይተግብረሉን: ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ርክባትን ፍልልያትን ኣምራት ሃገርን መንግስቲን  ግቡእ ርድኢት የለን። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኴንካ ነቲ መንግስቲ ክትነቅፍ ምስ እትፍትን ገለ ሸነኻት ናይቲ ህዝቢ ንህላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ትቃወም ዘሎኻ ይመስሎም፣ ገሊኡ ሸነኻት ከኣ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራን ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ኣሚንካን ኣኽቢርካን ሕቶ ዶብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ደው እንተበልካ ንመንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ትሕለቐ ዘሎኻ ይመስሎ። እዚ ኵነታት’ዚ ኣብ ግቡእ ኣረዳድኣ ተመርኲስካ እዚ እንተበልኩ ከምዚ ክብሉኒ ኢዮም እቲ እንተበልኩ ከኣ ከምቲ ከይብሉኒ (ከይብሉና) ከይበልካ ብኽፉት ኣእሙሮ ተሓሲቡሉ ክውገድ ዝግብኦ ዓቢ ሽግር ኢዩ።

(ለ)ናይ ጸግዒ ምድላይ ባህሊ፤ ካልእ ንናጻ ነቐፌታን ኣተሓሳስባን ዓንቃፊ ኰይኑ ዘሎ ረቛሒ ኣብ ኤርትራ ናይ “ጸግዒ ምድላይ ባህሊ” ዓብላሊ ብምዃኑ ኢዩ።  ካብኡ ወጺእካ: ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዝካ ንመንግስቲ ዝግበር ነቐፌታ ብመሰረቱ በቲ መንግስቲ ቦታ ስለ ዘይወሃቦን ንመንግስቲን ሃገርን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ንቕሓት ስለዘይማዕበለን ብቕጽበት ከም ጸላኢ ሃገር የቚጽረካ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ሃዋህው ከኣ እቲ ዝነቅፍ ጸግዒ ዝሕዝ ይመስል’ሞ እቲ ርእይቶ ናጻ ኣይኰነን ተባሂሉ ይንቀፍ። ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ናጻ ኴንካ ርእይቶ ንምሃብ ዘኽእል ባይታ ጸቢብ ስለዝዀነ እምበኣር እዚ ሽግር’ዚ እውን ብሓባር ፍታሕ ክርከበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።   

(ሐ)ባህሊ ፍርሒን ዘይምትእምማንን፤ ብመሰረቱ ካብቲ ጎነጻዊ ብረታዊ ቃልሲን ጽኑሕ ዘይደሞክራሲያዊ ልምድታቱን  ዝተበገሰ: ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ናይ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ናብቲ ህዝቢ ስለ ዝዘረቘን ኣካል እቲ ዕለታዊ ህይወት እናዀነ ስለ ዝመጸን ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳያት ምጥማት እቲ ህዝቢ ንሓድሕድካ ኣብ ምቅንናእን ምትሕንዃልን የዘንብል ኣሎ። ብፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝግዛእ ሕብረተሰብ ናጻ ክወጽእ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዓቢ ሕቶ ግን ፍርሒ ከመይ ጌርካ ይሰዓር? ዘይምትእምማን ከመይ ጌርካ ይስገር? ዝብል ኢዩ። ብዝመስለኒ ንፍርሒ ክትምክቶ እንተዀንካ እቲ ፈለማ ክለዓል ዘለዎ ስለምንታይ እፈርሕ ኣለኹ ዝብል ሕቶ ንኣእምሮኻ ምሕታትን በቲ ሕቶታት ኣቢልካ ከኣ ን”ስነ-ኣእምራዊ ሓርነትካ” ወይ ናጽነትካ ክውን ንኽትገብር ብምፍታን’ዩ። ንዘይምትእምማን ንምስዓር እውን ከምኡ ተመሳሳሊ ናይ ነፍሰ-ፍተሻን ምምኻርን ባህሊ ምምዕባል የድሊ።

(መ) ኤርትራዊ ፍሉይነት (“Eritrean Exceptionalism”) ብዘይ ጥርጥር: እቲ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመኵሮኡ ንህዝቢ ኤርትራ መለለዪኡ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ኤርትራውያን ካብ ህዝቦም ዝበልጹ ንዅሉ ዝኽእሉ ኵላቶም ንፉዓት ኣበር ዘይብሎም ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ስለዚ እዚ “ንሕና እኮ ከምዚ ኢና፣ እዚ ንገብር፣ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብረና ነገር ኣሎ፣ ለመንቲ ኣይኰናን፣ መልክዕና እውን ፍሉይ’ዩ፣ ጸለምቲ ኣይኰናን ወዘተ.” ዝብል ዓሌታውን ተጃሃሪን ባህሊ ኣብ ድንቍርና ዝተመርኰስ ስለዝዀነ ኣብዚ መዳይዚ እውን ኤርትራውያን ዓቢ ናይ ነብሲኻን እንታይነትካን ምፍላጥ ስራሕ (soul searching) ከድልየና ኢዩ። ኤርትራውያን ፍሉይ ባህልን ታሪኽን ደኣምበር ካብ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ዝበልጽ ኰነ ዝኸፍእ ባህሊ ከምዘይብልና ክንፈልጦ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ሓቂ ክንኣምነሉ ይግባእ። እቲ “ንሕናኮ ፍሉያት ኢና” ዝብል ዓሌታውን ጸቢብን ኣተሓሳስባ ንሕና ከም ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ጽቡቕን ድኹምን ሸነኻት ኣለና ናብ ዝብል ብሱል ኣተሓሳስባ ክንቅይሮ ምጽዓር ይግባእ። እዚ ኣተሓሳስባኻ ናይ ምዕራይ ወይ ምትዕርራይ ፕሮጀክት’ዚ ነዚ ህልዊ ትውልዲ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን። ነቲ ሓድሽ ኤርትራዊ ትውልዲ በዚ ጥዑይ ኣተሓሳስባዚ ክንምልምሎ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጸቢብን ብዱዕን ኣተሓሳስባ ሓራ ወጺኡ፡ ጥዑይ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ዜጋ ኰይኑ ከም ዝዓቢ ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

(ሰ) እንታይነት ኤርትራውያን ብዝምልከት፤ ሃገራዊ መንነት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኽልተ ተጻረርቲ ርድኢታት ዝተዓብለለ ይመስለኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራዊ ምዃን ንዅሉ ኤትኒካውን ሃይማኖታዊን ፍልልይ ቀቢርካ “ኤርትራዊ” ዝብል ጥራይ መንነት ምሓዝ’ዩ ዘድሊ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። በቲ ኣንጻሩ ከኣ ነቲ ኤትኒካውን ሃይማኖታውን: ሓሓሊፉ እውን ኣውራጃዊ: ፍልልያት ከም መሰረታዊ ረቛሒ መንነት ገይሩ ዝርኢ ጥሩፍ ዝንባለ ኣሎ። ብርእይቶይ: እዚ ኣብ ክልተ ዝተወጠረ ርድኢት (binary thinking) ውጽኢት ናይ ሃካይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ምኽንያቱ ብሓቂ እንተመርሚርካዮ ኤትኒካዊን ሃይማኖታውን መንነት ምስ ሃገራዊ መንነት ተጋራጫዊ ክኸውን ግድን ኣይኰነን። ከም ውልቀሰብ ወይ ከም ሕብረተሰብ ግቡእ ኣተኣላልያ እንተጌርካሎም ብሓደ ዝኸዱ ወይ ክኸዱ ዝኽእሉ ኢዮም። ካብኡ ሓሊፍካ’ውን: ንኣብነት ብሄረ ትግርኛ ወይ ብሄረ ትግረ ወይ ናራ ኴንካ: ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ: ወይ ኤርትራዊ-ጀርመናዊ፡ ወይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ወዘተ. ምዃን ቅቡል መንነት ክኸውን ይግባእ። እዚ ኵሉ መታን ክከኣል ግን ናይ ወዲ ሰብ መንነት “ፍጹም” ወይ “ዕጹው” ዘይኰነስ፣ ጽንኵር ክፉት ምስ ግዜ ዝምዕበል ተርእዮ ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ። 

Ghirmai Negash Festival 2016 12

 

6. ብዛዕባ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ኣብ ትምህርቲን ስራሕን ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ገጢመሞ ዘሎዉ ዓበይቲ ግድላት ናይ (ሓደሽቲ) ስደተኛታት ዋሕዚ ናብ ኤውሮጳ: ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኢዩ። “ከመይ ጌርካ ይሕገዙ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ይርከብ። እቲ መሰረታዊ ክግበር ዝከኣልን ዝግበኦን ተግባር እቶም ስደኛታት በቶም ሃገራት ዕላዊ ዑቕባ ንኽዋሃቦም በብኽእለትካ ምጥባቕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ: እዚ እኩብን ሓያልን ዓቕሚ ሰብ’ዚ ኣብ ዘለዎ ሃገር ዘይሩ ዘይሩ እውን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምእንቲ ክህሉዎ: ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ትምህርቲ ንኽረክብ ናይ ሓባር ደገፈን ምትሕብባርን ክግበረሉ ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ቀዳሞት ዝበሉዎ “ዘይተወቕረ ነየጥሕን፣ ዘይተማህረ ነየድሕን” ስለዝዀነ ብሱልን ምሁርን ሓይሊ ከይመልመልካ ሃገር ክህነጽ ስለዘይከኣል: ነዚ ነጥቢ’ዚ ኵላትና ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዝግበኣና ኢዩ።

7. ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን፤ ዘረባ ኣብ ምድምዳመይ: ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን ቍሩብ ክዛረብ እደሊ።ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሲን ኣብ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሓጎጽጎጽን፡ ኣብ መንጎ ደቂ-ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝቐሓረ ልብታትን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ነዚ ቅሑር ልብታት ኣተዓሪቕካ ነቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ካብቲ ዘለዉዎ ቅልውላው ንምድሓን ዕርቂን ይቕረ ዝብል ባህሊን ይሓትት። ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣበየ ከባቢኡን ብሄራቱን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ናይ ምፍታሕ ውሽጣዊ ኣገባባት ስለ ዘለውዎ፡ ናብ ነብሲና ተመሊስና ምልላዮም ክሓተና ኢዩ። ማሕበራዊን ሃገራዊን ዕርቂ: ከም መሰረታዊ መትከል ብምውሳድ: ንሓድሕዳዊ በደላትና ይቕረ ክንበሃሃል ምስእንኽእል ጥራሕ ኢና ድማ ሓቢርና ንዘሎን ብሕጂ ክመጽእ ንዝኽእልን ናይ ደገን ውሽጢን ዓመጻትን ብድሆታትን ክንስዕር እንኽእል። እንተዀነ፡ ዕርቂን ሰላምን ብኣፍ ስለ ዝተዛረብካሉ ጥራሕ ኣይርከብን’ዩ። ናይ ዕርቂን ሰላምን መንፈስ ኣብ ሕብረተሰብ መታን ክሰፍን፡ ብመሰረቱ ኣብቲ ሕብረተሰብ (ኣብ ዘለዎ ሃልዩ) ካብ ናይ ሓድሕድ ምክብባር ዝምንጩ፡ ምትእምማንን ምትሕልላይን ዝመሰረቱ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባር ድሌት ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ዕርቂን ይቕረ-ምብህሃልን መስርሓት ንበዳሊ ጌጋኡ ዘእርም፡ ንዝገፍዐ ብሕጊ ዘቕጽዕ፡ ንተበዳሊ ድማ መሰሉ ዘርክብ ክኸውን ኣለዎ። ብፖለቲካዊ ደረጃ፡ እቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ሓይልታት ደሞክራሲን ዘሎ መሰረታዊ ግርጭት ብዝተኻእለ መጠን፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ደማዊ ኣገባብ ክዛዘም ይምረጽ። እዚ መታን ክኸውን ግን እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ክሕይሉን ነቲ ዝጽበዮም ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ካብ ሕጂ ብሓላፍነት ክዳለዉሉን ከድሊ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምሕያል ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ማለት፡ ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንንኣሽቱ ፍልልያትካ ወጊድካ ወይ ሕድገታት ጌርካ ኣብ መሰረታዊ ስትራተጃዊ ጉዳያት ምትኳር ማለት ኢዩ። ነዚ ሃገራዊ ጻውዒት’ዚ ንምትግባር ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ንረብሓታቶም ዝውክልን፡ ኵለ-ሓቈፋዊ ፖለቲካዊ መዋቕር ምምዕባል ይሓትት። ነዚ ንብሎ ዘለና መገዲ ዓድና ብሰላም ክንከዶን ብኣጋኡ ክንበጽሖን መታን ግና፡ ብመሰረቱ፡ ኵላትና ተጸበይቲ ፍታሕ ዘይኰን’ናስ ‘ንሕና ቀየስቲ መገዲ፡ ንሕና ባዕልና እቲ መገዲ’ ምዃንና ኣሚንና ብሓባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ክድልየና ኢዩ።

About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ

(ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)

ኣርእስቲ ናይ ሎሚ ሓተታይ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ኢዩ። እቶም ነቲ ኣብ 2014 “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ኢለ ዝሰየምኩዎ ጽሑፍ ዝተኻታተሉ ግዱሳት ኣንበብቲ: ንኣመት ናይ ሎሚ ሓተታይ ብቐሊሉ ክግምቱዎ ዝኽእሉ ይመስለኒ። ብዝዀነ: እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ስለዝዀነ: ወይ’ውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብኡ ዝቐረበ ቊምነገር ክርአ ስለዝደልዮ: ብዛዕባኡ ቊሩብ ገለጻን መዘኻኸርን ብምሃብ ክጅምር’የ። ሽዑ: ኣብቲ መቕድም ጽሑፈይ ከምዝተገልጸ: “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” እቲ ኣብ 2014: ብኣርባዕተ ተባዓት ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወጸ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ኣገዳሲ ነቐፌታዊ ትንተና ዘንቀሎ ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እቶም ኣቡናት ቅድሚኦም ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ብዘይፈልጥ ተበግሶን ኣቀራርባን ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ምሕደራ እታ ሃገርን ሰፊሕን ዓሚቝን ትንተናን ሚዛንን የቕርቡ። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከም ጽሑፍ ብልዝቡን ብሩህን ቋንቋ፣ ሕመረት ትሕዝቶኡ ድማ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣተሓሳስባታት ብዘዋሃህድ ፍልስፍናዊ ጣቋ ዝተነድቀ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ: ጽማቝ ትሕዝቶን ቍምነገርን ናይ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ብቐንዱ እቲ ሰነድ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢን ጭቆናን፣ ሓፈሻዊ ምጣነ-ሃብታዊ ድኽነት፣ ስራሕ-ኣልቦነት፣ ዕስክርና፣ ስእነት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝፈጠሩዎም ናይ ስደት: ሞት: ብርሰትን ባህላዊ ሕስረትን ተርእዮታት ይዛረብ። እቲ ኵነታት ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ: ኤርትራ ጸኒታ ከይትተርፍ ንዘሎ ናይ ሓባር ስክፍታ ብምንጽብራቕ ድማ እታ ሃገር ካብ “ዘይሓወየ ቊስልታት” ኣድሒንካ፣ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፍነላ ሃገር ኰይና መታን ክትምዕብል ኵሎም ዜጋታት ብዘይ ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ኣፈላላይ ሓቢሮም ንኽጽዕሩ: “ሓወይ ኣበይ ኣሎ?/ሓፍተይ ኣበይ ኣላ?” ተባሃሂሎም ክተሓታተቱን ክደጋገፉን፣ ከምኡ ኢሉም እውን ነቲ መንግስታዊ ዓመጽ ክምክቱን: ቅየራ ከምጽኡን ይዕድም፣ ይጽውዕ፣ የማሕጽን። ብተወሳኺ፡ እቶም ደረስቲ ናይቲ ጽሑፍ: ከም መንፈሳውያን መራሕቲ ናይቲ ህዝቢ: ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ብጾቱን ዓገብ ብምባል ንፍትሓዊ መንቀሊታት ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ክዝክሩን ናብ ልቦም ተመሊሶም ንሕብረተሰቦም ዘገልገል ስርዓት ኣብ ምህናጽ ኣወንታዊ ተራ ክጻውቱን ይላበዉ። ካብዚ ሓሊፉ: ብክለሰ-ሓሳባዊ ዓይኒ ክጥመት እንከሎ: እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኣቡናት ጽሑፍ: ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ዝግበር ናይ ምርምርን ናይ ስትራተጃዊ ሓሳባት ምምዕባል ዘተታትን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣሎዎ። እቲ ጽሑፍ ነቲ ብሓርነታዊ ቲዮሎጂ (liberation theology) ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ፍልስፍና ናብ ኤርትራ ብምምጻእን ምስ ፍሉይ ኲነታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዝማድን: እቲ ራእይ ከመይ ገይሩ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኣበርክቶ ክህሉዎ ከምዝኽእል ይሕብር።

Workshop 5       እንተዀነ: ኣዕሙቝ ኣቢልና ምስ እንርእዮ: ኣገዳስነት ናይዚ ራእይ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበሰረ ወይ ከተኣታቱ ዝፈተነ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዘርእስቱ ሰነድ ካቶሊካውያን ኣቡናት: ኪንዮ እዞም ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ነጥብታት ዝኸይድ ኣመት ወይ ትምህርቲ እውን ኣሎዎ። ማለት: ብርእይቶይ: እቲ ጽሑፍ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ውሱን ፍልስፍናን እዋናዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብን ጥራሕ ዘይኰነስ: ከም ከፋት በሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ክመጹ ዘለዎም: ሓድሽቲ ኣተሓሳስባታትን ኣፈታትሓ ብድሆታትን (developing new ways of thinking and addressing challenges)፣ ከምኡ’ውን እቶም ዝፈልቁ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብና (based on indigenous knowledge and values) ዝተመርኰሱ ክዀኑ ከምዘለዎምን ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። እንተድኣ: ከምዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝጸናሕኩ: ተራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኣብ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከም ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ ኣንጻር ጭቆና ጥራሕ ዘይኰነስ: እቶም ንግድላት ኤርትራ ቅኑዕ ፍታሓት ንምርካብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመርኰሱ እውን ክዀኑ ከምዝግባእ ይምህር’ዩ ኣብ ዝብል እማመ እንተ ተሰማሚዕና: እቶም ቀጺሎም ክልዓሉ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሕቶታት (1) እሞ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ሕቶታት ወይ ሽግራት ናይ ኤርትራ ኰይኖም ዘሎዉ ኣየኖት ኢዮም? (2) እቶም ሕቶታት ኣብ ምፍታሕ’ከ ባህላዊ ያታታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ግደ ክህሉዎም ይኽእል? ዝብሉ ይመስሉኒ።

       ብርግጽ፡ እቶም ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዘሎዉ ዓበይቲ ሽግራት: ሽግራት ናይ መሪሕነት: ድኽነት: ስእነት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላትን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ካልኦት ግድላትን ብድሆታትን ኢዮም። እዚ ኩሉ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ግና: ብርእይቶይ፡ እቲ ዝዓበየን ማእከላውን ሽግር ናይ ኤርትራ ዋሕዲ ናይ መበቈላዊ ሓሳባት ምፍልፋልን: ኣብ ባህላዊ ሕመረት ናይቲ ሕብረተሰብ ተምርኲስካ: እሂን-ምሂን ተባሃሂልካ: ነቲ ግርጭታት ንምፍትሑ ዝሕግዝ ባይታን ኣኽእሎን ክፍጠር ዘይምኽኣሉ ኢዩ። እዛ ነጥብ’ዚኣ ቊሩብ ምብራህ የድልያ’ዩ። “ዋሕዲ መቦቆላዊ ኣተሓሳስባ” ክብል እንከለኹ ብድፍኑ ኣብ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ኤርትራ (ክልቲኡ ኣብ ስልጣን ዘሎን ናይ ተቓዎምን ፖለቲካዊ መሪሕነታት ማለት’ዩ) ንዘሎ ናይ ተብላሓትነትን ተዓጻጻፍነትን ሕጽረታት ዝምልከት ኢዩ። ምሁራት ኤርትራውያን እውን ካብ’ዚ ድኽመታት’ዚ ናጻ ኣይኰኑን። እዚ ገምጋም’ዚ ኣብ ገለ ኵርናዓት ዘሰሓሕብ ወይ’ውን ብሓፈሻኡ ኣከራኸሪ (controversial) ክኽውን ከምዝኽእል ይርድኣኒ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና: ነቶም ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንሽግራት ምሕደራ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተፈተኑ ዘይዕዉታት ናይ ሃገራዊ ህንጸት ስትራተጂያዊ ራእያትን ናይ ምዕባሌ መደባትን (ወይ ሞዴላት) ብኽፉት ልቦናን ብዘይጸጊዕነትን እንተርኢናዮም: ነዚ ሓቂ’ዚ ምቕባሉ ከቢድ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ: ብመንፈስን ኣቀራርባን መሰረታዊ ፍልልያት ይሃሉዎም እምበር: ኣጥቢቕካ ክትምርምሮም እንከሎኻ፡ ኣምራዊ መበገሲታት ናይቶም ብመንግስቲ ኤርትራን ብናይ ደንበ ተቓዎምን ክቐርቡ ዝጸንሑ ቅዋማዊ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊን ምጣነ-ሃብታዊን ፕሮግራማት ኣዝዮም ተመሳስለቲ ኢዮም። ክልቲኦም: ማለት ናይ መንግስቲ ኰኑ ናይ ደምበ ተቓውሞ መደባት፡ ንምዕራባዊ ወይ (ሓውሲ-)ማርክሳዊ ኣገባብ ምሕደራን ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌን ዝቐድሑን ዝደጋግሙን ደኣ’ምበር፡ ነቶም ካብቲ ያታዊ ባህልን ልቦናን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝፍልፍሉ ፍልስፍናታትን ኣፈታትሓ ማሕበራዊ ግድላትን ኣብ ጸብጻብ ዘእትዉ ኰይኖም ኣይትረኽቦምን። ንኣብነት: ብመንጽር ናይቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝምራሕ ስርዓት ኣስመራ ዝቐረቡን ዝተወስዱን መደባት እንተርኢናዮ: እቲ መንግስቲን ወከልቱ ምሁራትን ብዓንተቦኡ “ንሕና ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና”፣ ጸኒሑ: ንምዕራባዊ ፓርላማዊ ኣገባብ ብምኽታል ብዘመናዊ ቅዲ ደሞክራሲያ ክንምራሕ ኢና፣ ጸኒሑ’ውን ደሞክራሲ ኣይሰርሕን’ዩ ኣብ ዓድና: ምኽንያቱ ህዝቢና ድሉዊ ኣይኰነን: ወዘተ. …” ካብ ዝብሉ ተጋራጨውቲ እማመታት ሓሊፎም ነቲ ህዝቢን ሃገርን ካብ ጭቆናን ድኽነትን ከውጽኡ ዝኽእሉ መሰረታዊ ሓሳባት ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ብሸነኽ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት እንተርኢናዮ’ውን ከምኡ፡ “ነቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣልጊስና ብሕጋዊ ደሞክራሲያ እትማሓደር ሃገር ክንሃንጽ ኢና” ዝብል ጭርሖታትን መደብ ዕዮታትን ካብ ምድግጋም ሓሊፉ: ክሳብ ለይተ-ሎሚ ነቶም ሽግራት ናይቲ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ወይ ባህላዊ ኣተሓሳስባን ልቦናን (indigenous knowledge systems and values) ናይቲ ሕብረተሰብ ተመርኲሱ ወይ ምስኡ ኣዛሚዱ ኲለንታናዊ ፍታሕ ኣብ ምቕራብ ወይ’ውን ኣብ ምእማት ዝተገብረ ትኵር ፈተነታት ኣይተራእየን። እዚ ክብሃል እንከሎ ነቶም ኵሎም ኣብ ኤርትራ ሕጋዊን ደሞክራስያዊን ለውጢ ንምምጻእ ብደንበ ተቓውሞ ዝቐረቡ ኣገደስቲን ኣረምትን ሓሳባትን እማመታትን ብጃምላ ንምንቃፍ ወይ ንኣገዳስነት ናይቶም ካብ ምዕራባዊ ስልጣኔ እንልቅሖም ጠቐምቲ ኣምራትን ሓሳባትን ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ንምንእኣስ ኣይኰነን። የግዳስ: እቶም ክቐርቡ ዝጸንሑ ስትራተጂያዊ ጠመተታት: ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ዓበይቲ እዋናውያን ሕቶታት ዘተኰሩ (ከም’ኒ ጉዳያት ዋንነትን ምሕደራ መሬትን፣ ሲቪላዊ ሕጊን ቤት ፍርድን፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣተኻኽላ ባይቶን ህዝባዊ መሪሕትን) ከምቲ ዝድለ ኣብ ባህላዊ ስርዓተ-ምሕደራን ሕግን እምነታትን እንዳባ ክምርኰሱ ወይ ንዕኡ ምስቲ ዘመናዊ ቅድታት ኣዛሚዶም ሓድሽ ሓሳባት ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ወይ ነጥቢ ንምብራህ ኢዩ።

Ghirmai Negash in Festival 2016 2እንተዀነ፡ ከምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ: ነቶም ሽግራትና ክሳብ ሕጂ ብቑዕ ፍታሓት ክንገብረሎም ዘይምኽኣልና: ብመሰረቱ ንዝጸንሐ ዕቑር ፍልጠትን ሕጊን ስርዓትን ህዝቢና ፈቲሽና ስለዘይተጠቐምናሉ ኢዩ ኣብ ዝብል ሚዛን ምብጻሕ ጥራሕ ንባዕሉ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ካብኡ ሓሊፍካ ነቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ወይ ክልለዩ ዝኽእሉ: ካብ ዝሓለፉ ትውልድታት ዝተወርሱ: ያታዊ ሕግታት: ስርዓታትን እምነታትን: ንድሕሪት ተመሊስካ ምፍትሾምን ካብቲ ቊምነገሮም ተማሂርካ፡ ኣብኡ ዝተመስረተ ናይ “ራእያዊ መቐይሮ” (paradigm shift) ዝፍጠርሉ መገዲ ምእላሽ ከድሊ ኢዩ።ካብዚ ድርኺት’ዚ ተበጊሰ እምበኣር: ኣብዚ ናይ ሎሚ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ቀሪበዮ ዘሎኹ ጽሑፍ: ንትሕዝቶ ሕጊ እንዳባን ኣብ ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ ከም ያታዊ ትካላት ዝነበሮም ግደን ብምዝርዛር: ነቶም ሕግታትን ዘሰንዩዎም ስነ-መጎታትን ተረዲእና እንተርዒምናዮም: ከም ራእያዊ መቐይሮ: ንሽግራት ሃገር መፍትሒ ምዀኑና’ዶ ዝብለ ሕቶ ክምልሽ ክፍትን እየ።

       ታሪኽ ሕጊ እንዳባ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ነዊሕን ኣዝዩ ኣገዳሲን ምዃኑ ዘከራኽር የብሉን። ብእኡ መጠን ድማ ብሓያሎ ሃገራውያንን ወጻእተኛታታን ተመራመርቲን ጸሓፍቲን ኣገዳሲ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ስራሓት ናይቶም ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዕትበት ሒዞም: ንዕምቈትን ጥንታውነትን ሰነዳት ሕጊ እንዳባ ብሰፊሕ ኣገባብ መርሚሮም ዝጸሓፉ ደረስቲ ምስ እነተኵር ድማ፡ ንኣብነት: እቲ ቀንዲን ውሩይን ተመራማሪ ሕግታት እንዳባ ዝዀነ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ብዛዕባ ታሪኻውነት ስርዓታት ዝሃቦ ንጹር ስእሊ ክንርኢ ንኽእል። ሓው ሰሎሞን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ተመርኲሱ: እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብህዝቢን ሽማግለታትን መራሕቲ ዓዲን ከም ሕግታትን መትከላትን እንዳባ ዝቘሙ ያታዊ ሰነዳት፡ ገሊኦም ካብ መበል 15 ክፍለ-ዘመን፡ ገሊኣቶም ከኣ ድሕር ኢሎም ካብ ከበቢ 18 ክፍለ-ዘመን ጀሚሮም ኣብ ሕብረተሰብ ይስርሓሎም ከምዝነበረ የረጋግጽ።[i] ነቶም ሰነዳት ብደቂቑ ብምምርማር: ብግእዝ ዝተጻሕፉ ጥንታውያን ሰነዳት ብምውካስን ዓበይቲ ዓዲ ብምዝርራብን ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ ከኣ፡ እቶም ሰነዳት፡ ኣብ ሓድሕዶም ብዙሕ ናይ ትሕዝቶ ተመሳሳልነት ከምዘለዎም ይግምግም።[ii] ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ምእታዉ መብዛሕቶም እዞም ቅድሚኡ ብቓል ክሰጋገሩ ወይ ኢድ ተጻሒፎም ኣብ ደብተራትን ብራናን ተዓቂቦም ዝጸንሑ ሕግታት’ዚኣቶም ብዘመናዊ ማሕተም ተሓቲሞም ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ እዋን ተዘርጊሖም ኢዮም። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ዝማሓደራሉ ነናተን ሕጊ እንዳባ ከምዝነበረን ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ርዱእ ኰይኑ፡ ኣብ ስርዓታት እንዳባ ናይ ህዝቢ ከበሳን መንሳዕን እንተ ኣተኲርና: እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንኽእል፤ 1) ስርዓት ኣድግና ተገለባ 2) ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ 3) ስርዓት ሎጎጭዋ 4) ሕጊ ናይ ሎጎን ጭዋን (እተሓደሰ ኣብ ዋዕላ ማይላሓም) 5) ሕጊ ሰሓርቲን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን 6) ስርዓት ናይ ሀብስሉስ: ናይ ገብረክርስቶስ: ናይ ደቀተሽም 7) ስርዓት ካርንሽም 8) ዋዕላ ሾብዓተ ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ 9) ክልኤ መንሳዕ 10) ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ[iii]ሕግታትን ስርዓታትን እንዳባ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ መልክዓቶም ንምብጻሕ ብዝተፈላለዩ ጽንኵራት መስርሓት ሓሊፎም’ዮም። ነዚ ኣገዳሲ መስርሕን ታሪኽ ኣተዓቓቕባኦምን ኣመልኪቱ: ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ከምዚ ይብል፤

ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ደብተር (ደፍተር) ተደብቲሮም ወይ ተጻሒፎም ኣብ ማሕተም ክሕተሙ ካብ ዝጅመሩ ብዙሕ እዋናት ኣይሓለፉን። ብዝበዝሕ ኣብ መባእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ክፍለ-ዘመን ነዞም ልምዳውያን ሕግታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ተጻሒፎምን ተጸኒዖምን እዮም ክሕተሙ ዝጀመሩ። እዚ ርእይቶ እዙይ ብላዕሊ ላዕሊ እኳ ቅኑዕ እንተኾነ፡ ኣዕሚቕና እንተረኣናዮ ግና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ስርዓታት እንዳባ ኣብ ደብተር ተጻሒፎም ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኢድ ገዛኢ ሃገር ተዓቒቦም ወይ ከኣ ዓበይቲ ዓድታት ኣብ ዝመረጽዎም ሰባትን ዝወሰንዎም ዓድታትን ከይጠፍኡ ከይበላሸዉ ክሕልዉዎም ሓለፍትን ተሓዝትን ንሳቶም ክኾኑ ብዓደቦ ውሱን እዩ ዝነበረ። (…) ሽሕመፈለምታት ስርዓታት እንዳባ ብርግጽ ዕለታቶምን ኣዋርሖምን ዓመታቶምን ፈርፊርካ ፈራፊርካ ክፍለጡ እንተዘይተኻእሉ፡ ክቡራን ሊቃውንቲ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒን ፈሊቸ ኦስቲን[] ከም ዘረጋግጽዎ ቀዳሞት ስርዓታት እንዳባስርዓት ኣድከመ ምልጋእ፡ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ስርዓት ምዔም ምሓዛ” (ካብ 15 ክፍለዘመን ክሳብ 18 ክፍለ እያቶም። ብዛንታ ከምዚዝንቶ ንብቋንቋ ትግርኛ እተጻሕፉ ካልኦት ምንጭታት ከምዝገልጽዎ ግና (ንኣብነት ብዛዕባ ምምስራት ሕጊ ሎጎጭዋ --- 1484 ..) ምስ ሓሳባቶም ዝገራጨውን ዘደናግሩን መባእታ ዓመታት የብራህርሁልና።እቶም ብኣጋ እንረኽቦም ስርዓታት እንዳባ ግና መብዛሕትኦም ኣብ መጠረሽታ 19 ክፍለዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘመንን ዝተሓገጉን ዝተሰርዑን ዝተሓደሱን እያቶም።ብተወሳኺ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝንን ዝሓገግዎም ሕግታት ከምዓንጎዞርዛሮ ሓሓሉፎም ሱር ሰዲዶም ይርከቡ እዮም። ብዝበለጸ ግና ብዛዕባ ግፍዐይታትን፡ ነገድትን፡ኣነባባር ፍትሕን ኢዮም ዝምልከቱ። ቅድሚ ምስ ሕግታት መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝን ግና ስርዓታት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ ካብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳንን፡ካብ መጻሕፍቲ ሕገቀኖናን፡ ካብ ድርሳን ኣበውን (ሲኖዶስ ዲዳስቅሊያን)ካብ ሕጋጋት ነገስታትን ካብ ስርዓት መንግስትን ምስ እተወጻጽኡን ንስጋውን መንፈሳውን ብፍትሒ ዘነባብሩ ፈውሰ መንፈስውን ፍትሒ ነገስትን ዝተባህሉ መጻሕፍቲ ፍርዲ ብዙሕ ርክብ ኣለዎም።[iv]

Ghirmai Negash in Festival 2016 3       ብዛዕባ ስርዓታት እንዳባ ከም ኣገዳስቲ ሰነዳት ክንሓስብ እንከለና እንረኽቦ ረብሓ ወይ ብልጫታት ግን፡ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና: ነዊሕ ታሪኾም ወይ ጥንታውነቶም ንባዕሉ ዘሐብን ባህላዊ ተርእዮ ስለዝዀነ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣገዳስነቶም ብብዙሕ ሸነኻት ክርእ ዝከኣልን ዘሎዎን ኢዩ። ብቛንቋዊ ዓይኒ እንተጠሚትናዮ፡ እቲ ሃብቲ ቃላት፡ ኣወዳድቓ ሓሳባትን ምሳሌታትን ንሕመረት ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ኢዮም። ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ምስዝርኣዩ፡ ንናይቲ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ኣተሓሳስባን ራእይን ዘንጸባርቑ ኰይኖም ንረኽቦም። ብዓይኒ ሕጊ ምስ እትርዮም ከኣ እቲ ሕብረተሰብ፡ ብዓንተቦኡ፡ ካብ ውሽጡ ፈልፊሎም ብገዛእ ርእሱ ከማሕድሩዎ ዝኽእሉ ሕግታት ከማዕብልን ክሕንጽጽን ዘኽእል ስልጣኔ ኣጥርዩ ከምዝነበረ የመልክቱ። ብርእይቶይ ግን፡ ልዕሊ ኵሉ እዚ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ብልጫታት፡ ንሕግታት እንዳባ ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሎም ዝድርኽ ካልእ ቀንዲ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ እቶም ስርዓታት እንዳባ “ካብ ላዕሊ ወሪዶም ንህዝቢ ዝተዋህቡ” ወይ ብገለ መራሕቲ ሕብረተሰብ ጥቕሚ ውሑዳት ንኽውክሉ፡ ንይስሙላ፡ ዝተሓገጉ ዘይኰኑስ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ድሌትን ረብሓን ሓፈሻዊ ኣቃውማን ልምድታትን ሕብረተሰብ ኣብ ጸብጻብ ኣእትዮም፣ ፍትሒን ሰላምን ኣብ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክነግስ ብንጹህ ሕልና ዝተሓገጉ ምዃኖም ኢዮም። እቲ መስርሕ ኣቃውማ ናይቶም ሕግታት ደሞክራስያዊን ግሉጽን መሰረት ነይሩዎ ምባል ዘረባ ምጽብባቕ ወይ ምግናን ኣይኰነን። እቲ መስርሕ ካብ ባይቶ ዓዲ ተበጊሱ፡ በቶም ናይቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ብሉጻት ክኢላታት ሕጊን ዓበይቲ ዓድን ተማጻርዩ ይጸድቕ ከምዝነበረ፡ ብቐንዶም እቶም ኣብ መቕድማት ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ መግለጺታትን ኣብ መዛዘሚ ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲን ይምስክሩዎ ኢዮም። ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን: ንሕጊ እንጋንኣ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መቕድም: ንመሰራታዊ ሓቅነት ናይዚ ትዕዝብቲ’ዚ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ብሰፊሑ ኣስፊሮሞ ኣሎዉ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 4       ስርዓት እንዳባ ሕዝብና : ብሕዝቢ ኪዝውተር ጸኒሑ : ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ብዚስመዩ ብኣኼባ ዓበይቲ ዓዲ ተመርሚሩ ተመጺዩ ተጻሪዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ከም ሕጊ ምዃኑ ተፈሊጡ ተኣዊጁ ሕዝቢ ዚምርሓሉ ሕጊ ኢዩ። እዞም ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ዚፍለጡ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ሽማግለታት ብሓቂ ዘይተጻሕፈ መዝገብ ፍልጠት ዝኾኑ ውሩያት ሰባት ኢያቶም።

       ሓቂ ከኣ መዛግብ ታሪኽን መዛግብ ትውፊትን ብምዃኖም (. . . ) ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ መልክዕ ምድርን ደረስቲ ታሪኽን ደረስቲ ልምዲ ሕዝብን ዝተጠቐሙሎም እረ’ኳ ደኣ ዝተበለጹሎም ዝቐድሑሎም ዘይነጽፍ ዔላታት ታሪኽ ሃገር ኢያቶም። (ኣብ መቅድም ሕጊ እንጋንኣ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ተመልከት።)

ተመራማሪ ስነ-ሕብረተሰብ ዮውሃንስ ገብረመድህን ድማ ብወገኑ: The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea (2004) ኣብ ዝብል ዕቱብን ዝርዝርውን ምርምራዊ መጽሓፉ: ነቲ ‘ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ እውን ንሕጊ እንዳባ ፈሊጦሞን ተደኒቖምሉን ኢዮም ዝብል እማመ’ ናይ ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን ብጭብጥታት ብምስናይ ከምዚ ክብል ምስክርነቱ ይህብ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 5       ናይ ኤርትራ ስርዓታት እንዳባ እንተወሓደ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዞም ከምዝነበሩ ዝምስክሩ ታሪኻዊ መርትዖታት (ጽሑፋት) ኣለዉ። ሉዶልፍ ዝተባህለ ደራሲ: ኣብ 1683 ኣብ ዘሕተሞ “ታሪኽ ኢትዮፒካ” ዝብል መጽሓፉ: ደቀባት ሓማሴን ኣብ ኤርትራ መራሕቶም ባዕላቶም ይመርጹ ከምዝነበሩን ከም ምስ ምሕደራ ሓንቲ “ንእሽቶ ረፓብሊክ” ብዝመሳሰል ኣገባብ ንሕግታቶም ኣብ ግብሪ የውዕሉ ከምዝነበሩን ይምስክር። (…) ክዝከር ዘለዎ ካልእ ነገር ከኣ: ሕግታት እንዳባ ናይቶም ብማሕረስ ዝናበሩ ክርስትያን ደቂ-ከበሳ ምስ ሮማዊ ሕጊ፡ ፈለማዊ ናይ ኣንግሎ-ሳክሰን ሕጊ: ከምኡ’ውን ምስቶም ከም “ጀርመናዊ”: “ሓፈሻዊ”: ሕጊ ተባሂሎም ዝፍለጡ ያታዊ ሕግታት ናይ ቀረባ ተመሳሰልነት ከም ዘለዎ ኢዩ። (ገጻት 32: 36 ተመልከት[v])

ብዛዕባ ሕግታት እንዳባ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፉ ካልኦት ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ተመራመርቲ’ውን ከምኡ ንታሪኻውነትን ኣገዳስነትን እቶም ስርዓታት ብዝተፈላልዩ መገድታት ተንቲኖሞን መዚኖሞን ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ከም ኣብነት: ናይ ደኒስ ዳንከንሰን (Dennis Duncanson 1949): ናይ ራሰል (F.F. Russel 1959): ናይ ሉካ ካስተላኒ (Castellani 2000): ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ (Tesfagiorgis 2008): ከምኡ’ውን ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን (Ogubazghi and Andemariam 2013) ዓንቀጻት ክጥቀሱ ይከኣሉ[vi]። ናይ ዳንከንሰን ኣብ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ዘተኰረ ገላጺ ዓንቀጽ ኢዩ። ናይ ራሰል ንትውፊታዊ ሕግታት እንዳባ ብሓፍሻኡ ምስ ናይ ኣመሪካ ወረዳዊ ሕጋጌታት ኣመሳሲሉ ሓታት ዘቕርብ ሓጺር ጽሑፍ ኢዩ። ካስተላኒ ብወገኑ: ኣብ ትሕዝቶ መሬት ኣተኲሩ ብሩህን ሓጺርን ጽማቕ ብዛዕባ ያታዊ ምሕደራ መሬት ይህብ። ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን ኣብ ምሕደራ ዳንነት ወንጀል ዘተኰረ ዓሚቚ ትንተና ኰይኑ: ሕግታት እንዳባ ከመይ ጌሮም ምስ ዘመናዊ ቅዲ ዳንነት ክወሃሃዱ ከምዝኽእሉ ይእምት። ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ ኣበርክቶ ብሩህን ዝርዝራውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ስርዓታት እንዳባ ከም “ሃገራዊ ውርሻ” ተቖጺሮም ነቲ ካብኦም ክውረስ ዝከኣል ኣወንታዊ ሸነኻት መሚኻ: ምስ “ሕብረ-ምጣነ-ሃብታዊ ክውነንት ናይቲ ሕብረተሰብ” ብዝሰማማዕ ኣገባብ ኣብ ምንዳፍ ዘመናዊ ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ግደ ክህሉዎም ከምዝኽእል የረድእ።[vii] እቲ ኣቐድም ኣቢለ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ ናይ ዮውህንስ ገብረመድህን ሰፊሕ ምርምራዊ ስራሕ እውን ምስ ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ መደምደምታታት ይሰማማዕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍ ግን ዮውሃንስ ገብረመድህን ብመሰረቱ ንሓይሊን ኣገዳስነትን ሕጊ እንዳባ ከም መመላእታ ዘይኰነስ ከም መሰረታዊ መበገሲ ብምውሳድ: ብፍላይ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ኤርትራ ክህሉዎም ዝኽእል ተራ ኣጕሊሑ የርኢ። ብቐንዱ ኣብ ምምስራት ርግኣትን ሰላምን ክጻወቱዎ ዝኽእሉ ግደ ብንጹር ብምምትንታን: እቶም ሕግታት ከስርሑ ክሳብ ዝኸኣሉሉ ግዜን ኵነታትን ክርዓሙ ከምዝግባእ: ነቶም ያታዊ ሕግታት ብኸፊል ብዘመናዊ ኣገባባት ንምትካእ ምስ ዝድለ እውን ዘገምታዊ ብዝዀነ ሜላ ደኣ’ምበር ምስ ድልየትን ደገፍን ሕብረተሰብ ብዘይቃዶ መስርሕ: ብምስሉይ ዘመናውነት ኣማኻኒኻ: ብጐንጽ ክድርበዩ ከምዘይብሎም የገንዝብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ዘይምግንዛብ ክመጽኡ ካብ ዝኽእሉ ሓደጋታት ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ብምስማር ድማ እዚ ዝስዕብ ተሪር ትምህርታዊ ገምጋም የቕርብ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 6

ብዙሓት ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻ ሃገራትን ካልኦት ኣብ ምስግጋር ዝርከቡ ሕብረተሰባትን ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ለውጢ ንኽጥቀምሉ ፈቲኖም ኢዮም። ወጻእተኛታት ናይ ሕጊ ሚስዮናውያንን ኣብ ናይ ምዕባሌ ስራሓት ዝነጥፉ ትካላትን ኣብ ምምዕባል ጥንታውያን ሕግታት ተሓባቢሮም ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ እቲ ነቶም ጥንታዊ ሕግታት ዘመናዊ ንምግባር ዝተገብረ መስርሕ ንምዕራባውያን ሕግታት ብምቕዳሕ ወይ ካብኦም ብምውሳድ’ዩ ተኻይዱ። እንተዀነ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት: እቲ ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራዊን ምጣነ-ሃብታዊን ለውጢ ንምጥቃም ዝተገብረ ፈተነ: ንማሕበራዊ: ታሪኻዊ: ትካላዊን ባህላዊን ክውንነት ናይቶም ሕብረተሰባት ግቡእ ቆላሕታ ዘይህብ ብምንባሩ: ከም ዝፈሸለ’ዩ ዝምዘን። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግታት ንምምዕባል ኣብ ዝግበሩ ፈተናታት ወሳኒ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ገጽ 228 ተመልከት)[viii]

ብወገነይ: ምስ ገምጋም ዮውሃንስ ገብረመድህን ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ። እንተዀነ: እቶም ስርዓታት እንዳባ ከም መምርሒ ሕግታት ክንርእዮም ጥራሕ ዘይኰኑስ: ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘሎዎምን ተራ ከም ሓፈሻዊ ፍልስፍና ወይ ኵለንተናዊ ዓለመ-ርእይቶ (Total worldview) ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክንርድኦም ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ከምዚ ንዘብለኒ ምኽንያት ክዝርዝር ኣድላዪ’ዩ`ሞ ካብቲ ብዙሕ ቊሩብ ነጥብታት መሪጸ ከም መብርሂ ኣስዒበ ከቕርብ።  

       ቀዳማይ፤ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕና: እዞም ሕግታት እንዳባ ካብ ደገ ዝመጹ ዘይኰኑስ ካብ ባህሊን ልቦናን እቲ ህዝቢ ፈልፊሎም: ንነዊሕ እዋን ንሕብረተሰብ ከም ሓደ ጥሙር ኣካል ብምትእስሳርን ብምርኻብን ኣብ ግዜ ሽግሩን ራህዋኡን መምርሒ ኰይኖሞ ጸኒሖም ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ጽንኵራት ታሪኻዊ መድረኻት ቃልሲ ኤርትራ: ህዝቢ መምርሒ ስኢኑ ከይሰናበድ: ከይደናገር: ንሓድሕዱ ከይነዓዓቕ: ተነዓዓቑዑ ከይጻላእ: ንሓድሕዱ ተጻላሊኡ ብመንፈስን ኣካልን ከይተዓማመጽ፣ ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት: ስስዐ: ብደዐ: ቅንኢን ኣነነትን ኣንጊሱ ኣብ ደልሃመት ሕንፍሽፍሽን ስርዓተ ኣልቦነትን ኣትዩ ከይበታተን፣ ከም ሞራላዊ ጥዋፍ ኰይኖም እቲ ክመርጾ ዘሎዎ ናይ ፍትሒን ሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ምድግጋፍን መገዲ ክሕብሩሉ ጸኒሖም ኢዮም። ሕብረተሰብ ኤርትራ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ: እሞ ከኣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣተሓሳስባኡን ስነ-ኣእምሮኡን ዝሰረጹ: ብሉጻት ስርዓታት እንዳባን ምስኦም ዝኸዱ ሞራላዊ ትካላትን እንተዘይህልዉዎ: ብርግጽ: ነቶም ዘሕለፎምን ዝገጥሙዎ ዘለዉ ሓደሽቲ ብድሆታትን ከም ህዝቢ ጥሙር ኰይኑ ህላዌኡ ከረጋግጽን ክቕጽልን ኣይምኸኣለን። ካልኣይ፤ ከም ዝፍለጥ: ዝዀነ ሕብረተሰብ ኣብ ጕዕዞኦ ንዘጋጥምዎ ግድላት ዝፈትሓሎም ኣተሓሕዛን ኣወግናን ግርጭታት ኣለውዎ። ዘይሩ-ዘይሩ ግን እቲ ወሳኒ ሕቶ “እንተድኣ ንስርዓታት እንዳባ ከም ኵለንታዊ ዓለመ-ርእይቶ ሕብተሰብ ኤርትራ ንረድኣዮም ኢልና: እቲ ስፍሓትን ዓይነትን ናይቶም ሕግታት’ከ ብዝርዝር ከመይ ይመስል? ንሕብረተሰብ ዘጋጥሙዎ ግድላት ምሉእ ብምሉእ ንምፍታሕ ወይ መልሲ ንምሃብ’ከ እቶም ሕግታት ብቕዓት ኣሎዎም’ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብኣቋራጭ: ማለት ብናይ “እወ/ኣይኰነን”: መልሲ ክምለሽ ዝከኣል ኣይኰነን። ነቶም ስርዓታት እንዳባ ብዝርዝር ኣወዳዲርካ እንተመርሚካዮም ግን: ብዘይጥርጥር ንብዙሓት ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርከቡ ወይ ይርከቡ ኢዮም ዝብሃሉ ዓበይቲ ሕቶታት ዝምልሱ ይመስሉ። እቶም ሕግታት እንዳባ ኣልዒሎም ዝዛረብሎምን መፍትሒ ዝረኸብሎምን ጉዳያት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ብዛዕባ ምውላድ ቈልዓን መሰልን ግዴታን ወለድን፣ ብዛዕባ ሓላፍነት ውሉድ ንወለዲ፣ ብዛዕባ ሞት: ጉዳያት ውርሻ መሬትን ንብረት ስድራ-ቤትን፣ ብዛዕባ ዘኽታማት ቆልዑን ኣተዓባብዮኦምን፣ ጉዳያት ሕጸ: ገዝሚ መርዓን ፍትሕን፣ መሰላት ጓል ኣብ ግዜ መርዓ: ሓዳርን ፍትሕን፣ ብዛዕባ ግብረስጋዊ ዓመጽ ደቀንስትዮን መቕጻዕቱን፣ መሰላት ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ: መሰላት ሓያም፣ ብዛዕባ ውሉድ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ብዛዕባ ብናይ ኣእምሮ ሕማም ዝሳቐዩ ዜጋታት፣ ብዛዕባ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን (“ማእከላይ ዓሌት” ዝብሃሉ)፣ ብዛዕባ ኣብ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት ዝዋፈሩ ዜጋታት (artisans)፣ ብዛዕባ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያንን ትምህርትን፣ ብዛዕባ ኣቀባብላ ዜጋታት ኣመንቲ ምስልምና ከም ኣጋይሽ ኣብ ግዜ ውራይ፣ ብዛዕባ ዋንነትን ኣተዓዳድላ መሬት ርስቲን ዴሳን ዓዲ፣ ብዛዕባ ናይ ስርቂ: ክትረት: ሞትን ገበንን ዝውሃብ መቕጻቲን ጋር ነብሲን፣ ብዛዕባ ጸርፊ ንዓሌት ወይ ውልቀሰብ፣ ብዛዕባ ኣመራርጻ ጭቃ ዓድን ሽማግለታትን፣ ብዛዕባ ምስክርን ማሕላን ንምስክር ዘይበቕዑ ውልቀሰባትን (ውጂ)፣ ኣተሓሕዛ መሬት: ማይ: ገረብ: ሳዕሪን ዘራእቲን ዓዲ፣ መሰላትን ግቡእን ጓሳ ከብቲ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መሰል ከብቲን ብሓፈሻኡ እንስሳ ዘቤትን።

       ካብዚ ክንርእዮ ከም እንኽእል እምበኣር፡ እዞም ሕጊታት እንዳባ ኣጠቓሊለሞም ዘሎዉ ቴማታትን ዝትንክፎዎም ዛዕባታትን ንሕሉፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብዚ ግዜና ኣካታዕቲ ኰይኖም ንዘለዉ ጉዳያት ከምእኒ መሰል ደቀንስትዮ፡ ባህርያዊ ኣከባቢ ምሕደራን ከምኡ’ውን ንመሰል እንሳስታትን ካልእን ከርእዩን ከፍርዱን ዝኽእሉ’ዮም። እቲ ኣገዳስነትን ደሞክራሲያዊን ባህርያት ናይቶም ሕግታት ብደቂቑ እንተርኢናዮ ከኣ፡ ንኣብነት ኣብ ሕጊ ኣድገነ-ተገለባ ዓንቀጽ 28.224 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ንረክብ፤ “ኣብ፡ ዓዲ፡ ዘሎ፡ ጓሳ፤ ከብቲ አጥፊኡ፡ ንዕለቱ፡ ንዋና፡ እንተነገረ፡ ዕዳ፡ የብሉን፤ ንዕለቱ፡ እንተዘይነገረ፡ አምሲሉ፡ ይዕደ። ዋናታቱ፡ ገይሾም፡ እንተጸንሕዎ፤ ንዳኛን፡ ንመቕድምን፡ ይንግር።”[ix] እንተዀነ፡ እቲ ሕጊ ንመሰል ጓሳ ዝጣበቕ ደኣ ይዂን’ምበር፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን ሚዛን ብምሕላው ነቲ ማሉ ዝጠፍአኦ ዋና’ውን፡ ምናልባት እቲ ጓሳ ኣታሊሉ ምስ ዝኸውን ኣብ ሕጊ ኣቕሪቡ ከቕጽዖ መሰሉ ይሕልወሉ’ዩ። እቲ ነዚ ዝምልከት ዓንቀጽ 28.227፡ እቲ ጓሳ፡ “ብውሳይ፡ ከምዝገበሮ፡ እንተተረትዔ፡ ከም፡ ሰራቂ፡ ኮይኑ፡ ይተሓዝ። ንሰራቂ፡ ዝተወሰነ፡ ሕጊ፡ ይብጽሓዮ:” ይብል። ኪንዮ’ዚ: እቲ ኣዛዊሩ ዝርኢ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ስርዓታት ኣድገነ-ተገለባን ኣድከመ-ምልጋእን ንመሰል እንሳታት’ውን ኣትሪሩ ይጣበቕ’ዩ። ስርዓት ኣደከመ-ምልጋእ ንመሰል እንስሳ-ዘቤት ኣመልኪቱ፤ “ጕዱእ፡ ብዕራይ፡ አልዒሉ፡ ዝሐረሰ፡ ጕድእቲ፡ በቅልን፡ ጕድእቲ፡ አድግን፡ አልዒሉ፡ ዝጸዓነ፡ ሕልቂ፡ ይዕደ” (173) ክብል እንከሎ፡ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ብወገኑ ኣብ ዓንቀጽ 35.297-298: ናይ ዝዀነ እንስሳ መልሓስ ዝቖረጸ ወይ ዘይከልቡ ወቒዑ ዘሰንበረ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮ የምልክት (86)። ብተመሳሳሊ: ሕጊ ክልኤ መንሳዕ ቦታን መሰልን እንስሳ ዘቤት፡ ሓላፍነት ዋናታትን ግቡኣት ሓለፍቲ-መገድን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣነጺሩ የቕርብ (557-558)።

       ሕጊ እንዳባ ንጉዳያት ደቀንስትዮን ጀንደራዊ መሰላትን ብዝምልከት ኣዝዮም ዝርዝራውያን ዓንቀጻት የቕርብ። ሽሕ እኳ እቶም ሕግታት ኣብ ጽኑሕ ኣባታዊ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመስረቱ ይዂኑ’ምበር፡ ብዘይ ቀለ-ዓለም ንመሰል ደቀንስትዮ ዝሕልዉን ዝጣበቑን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ኣለዉዎም። እቶም ስርዓታት: ከከም ከባቢኦም: ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ዘለዎም ጠመተ ብመጠኑ ዝፈላለን ደኣ ይዅን’ምበር፡ ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ ንመሰል ከይወለደት ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣመልኪቱ ብኸምዚ ይጣበቕ፤

ዘይወለደት፡ ሰበይቲ፡ እንተተፈትሔት፡ ጽግእን፡ ነግፍን፡ ትሕረስ፡ እከይድ፡ እንተበለት፡ ግን፡ ነታ፡ ዝሰርሐታ፡ ቤት፡ ብ3 ግቡኣት፡ ሽማግለ፡ ዳኛ፡ ዝሐረዮም፡ ተሸኒና፡ ፍርቂ፡ ተቀቢላ፡ ትኪድ፤ ይቅመጥ፡ ቈሪበ፡ እንተበለት፡ ድማ፡ ክሳብ፡ ትመውት፡ ትቀመጥ፡ ድሕሪ፡ ሞት፡ ግን፡ ኣዝማዳ፡ ዋርሳ፡ ኣይግበኦምንዩ፡ እታ፡ ቤት፡ ንሰብኣያ፡ ትዅን። (291)

ዘወር ኢልና ንናብ ሕጊ: ሰሐርትን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን ምስ እንምልከት’ውን ንመሰል ደቀንስትዮ፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ሎሚ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኰይኑ ንዘሎ ዘቤታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ’ውን ከይተረፈ ጠቒሱ፡ ኣብ መበል 25 ዓንቀጹ ከምዚ ይብል፤

ስለ ሰብኣያ ዝሃረማ

ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ [ንፍትሕ]፡ ምስ፡ ተቋጸረት፡ እንተ፡ ሃረማ፡ ክልተ ዝሸረፈት፡ ኣርሒ፡ ይኽሐሳ። ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ፡ እንተ ፈግአ፡ ኣንስተይቲ፡ ጤል፡ ይሕረደላ፡ ሓደ፡ ሕልቂ፡ ከኣ፡ ይኽሐሳ። ርእሳ፡ ድማ፡ እንተ፡ ነጸያ፡ ሐዴ፡ ሕልቂ፡ ይኽሕሳ። (361)

ሓዳራ ገዲፋ ንዝኸደት ሰበይቲ’ኸ? ሕጊ ሰሓርቲ ነዚ’ውን መልሲ ኣለዎ። ዓንቀጽ 26 ናይቲ ሰነድ ከምዚ ይብል፤

ስለ ቤታ ሓዲጋ ዝኸደት ሰበይቲ

ሰበይቲ፡ ቤት፡ ብስልሙን፡ ብምሉኡን፡ ሐዲጋ፡ ዝጸለቈት፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ካብ፡ ገንዘብ፡ ብርኮም፡ ብላዕሊ፡ ሰላሳ ቅርሺ፡ ትኽሐሶ። ካልእ፡ ገንዘባ፡ ግን፡ ትመቐል፡ አይትወረስ። ንሐሙታ፡ ተቋጸረለይ፡ ኢላ፡ እንተኣብይዋ፡ ከኣ፡ ንዳኛውን፡ ነጊራ፡ እንተኸደት፡ ንሰባ፡ ክትጽውዕ። ኣይትኽሐስ፡ ገንዘባውን፡ ትመቐል። (361)

ኵላቶም እቶም ኣብ ስርዓታት እንዳባ ዝርከቡ ሕግታት ንመሰል ደቀንስትዮ ኣጥቢቖም ዝከላኸሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ብዓቢኡ ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከም ክፉእን ኣነዋርን ተግባር ኣትሪሮም ይዅንኑ። እዚ ዘየከራኽር ሓቂ’ዚ: ከም ኣብነት: ኣብ ሕግታት ኣድከመ-ምልጋእን ኣድገነ-ተገለባን ብተሪር ቋንቋ ተሰኒዱ ይርከብ (ስርዓት ኣድከመ-ምልጋእ ገጽ 166-167፣ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ገጻት 40-41 ተመልከት)።[x]

       ካብ ጉዳያት ጀንደርን ደቀንስትዮን ሓሊፍና፡ ብዛዕባ ምሕደራ መሬትን ባህርያዊ ኣከባቢን ምስ እንምልከት ድማ፡ ኵሎም እቶም ሕግታት፡ ወይ’ውን ዳርጋ ኵላቶም እቶም ሕግታት፡ ኵለነታዊን ዝተራቐቐን ኣቀራርባ ዘለዎም ኰይኖም ንረኽቦም። ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገረብ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ብዘመናዊ መምዘኒ እንተ ተራእዩ’ውን ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ። እቲ ዓንቀጽ ኣግራብ ዓዲ ብግቡእ ክቝረጹ ጥራሕ ዘይኰነስ ከመይን ኣበየናይ ወርሓትን ክቝረጹ ከም ዘለዎም’ውን ከምዚ ዝስዕብ ብዝርዝር የብርህ፤

ኣገባብ ቁርጻ ኦም

ብፋስ፡ ብመጋዝ፡ ይቈረጽ፡ ብሐዊ፡ ከይቍረጽ፡ ክልኩል፡ እዩ፡ ነዙይ፡ ዝገሃሰ፡ 30 ፈ. ይዕደ፡ ንትምህርቲ፡ ቤት።

       ንዓንደ፡ ገመል፡ ዝኸውን፡ ኦም፡ ካብ፡ ኪዳነ፡ ምሕረት፡ ሰኔ፡ ክሳብ፡ መወዳእታ፡ ንሐሴ፡ ኪብተኽ፡ ይግባእ፡ ከመይ፡ በዚ፡ ጊዜ፡ ተቈርጸ፡ ኦም፡ ኪነቅጽ፡ ኣይክእልን፡ እቲ፡ ኦም፡ ድማ፡ ይጭጭብ፡ አይበርስን። ዳዕሮ፡ ኣውሒ፡ ናብ፡ እንዳ፡ ኣቡነ፡ እከሌ፡ ተባሂሉ፡ ዝስሜ፡ ክልኩል፡ ኣግራብ፡ ጽላል፡ ማያት፡ ንዑኡ፡ ዝመስል፡ ካልእውን፡ ዝበተኸ፡ 30 ፈ. ንቤተ፡ ትምህርቲ፡ ይዕደ፡ እታ፡ ዝበተኻ፡ ኦም፡ ከኣ ንቤተ፡ ክርስቲያን፡ ትኹን።

       ኣታኽልቲ፡ ዝቈረጸ፡ ወይ፡ ዝመሓወ፡ 60 ፈርጊ ይክሕሶ፡ ንዋና፡ ኣትክልቲ። (268)

መደምደምታ

እዚ ሓተታ’ዚ፡ ካብቲ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ከብቅዕ፡ ከምቲ ዝተጸበናዮ መፍትሒ ከምጽእ ዘይከኣለ፡ ካብ ምዕራባዊ ሞዴላት ዝተቕድሐ ኣገባብ፡ ክሳብ ሕጂ ንግድላትን ሽግራትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ክፈትሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ምናልባት ናብ ነብሲና ተመሊስና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምምዕርራይን ምቕያርን (paradigm shift) ብምግባር፡ ንስርዓታት እንዳባ ከም መወከሲ እንተ ወሰድናዮም ይሕግዙ’ዶ ይዀኑ ካብ ዝብል መንፈስን ሓሳብን ዝነቐለ’ዩ። ኣብ ትንተና ከም ዝረኣናዮ፡ ብርግጽ እቶም ስርዓታት እንዳባ ካብ ባህልን መሬትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነቐሉ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ግርጭታት ብግቡእ ኣንጸባሪቖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘስርሑ መፍትሒታት ዘቕርቡ ኰይኖም ይረኣዩ። እቲ ሕቶ ግን ብቐንዱ እዞም ስርዓታት’ዚኣቶም ከም ሕግታት ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ኵሉንተናዊ ዓለም-ርእይቶን ፍልስፍናን ተቘጺሮም ክውሰዱ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ “ነቶም ዘመናዊ ብድሆታትን ማሕንቖታትን ምሉእ ወይ እኹል መፍትሒታት ክቕርቡልና ይኽእሉ’ዶ?” ዝብል’ዩ። ብእምነተይ እዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት ከም ቀንዲን መበገሲን ብምውሳድ፡ ነቶም እዋናውያን ግድላት ንምፍታሕ መታን ክሕግዙ ፍሉይ ኣድህቦ ክግበረሎም ኣድላዪ ኢዩ እብል። እቲ ዝግበር መስርሕ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ግን ስርዓታት እንዳባ ከም መመላእታ ናይ ዘመናውያን ሕግታት ዘይኰኑስ፡ ብኣንጻሩ፡ ከም ቀንዲ መበገስቲ ናይ ዝዀነ ይዅን ዘመናዊ ምኽላስ ክዀኑ ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምቲ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ንምሳሌታት እንዳባ ጠቒሱ ዘመልከቶ፡ ሕጊይነብርተተኺሉ፡ስርዓትይነብርተዛዊሩ” ኢዩ’ሞ እዚ ሃብታም ያታዊ ስርዓታት ክህብን ክቕበልን ክፉት ኰይኑ፡ ናትና’ዩ ኢልና ከም መሰረታዊ ፍልስፍና እንተ ርዒምናዮ ናብ ነብሲና ክመልሰናን ከስርሓናን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

መወከሲ

 


[i] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ: ሓርጋት ትግርይና፤ ኣስመራ: 1993: ገጽ 19 ተወከስ።

[ii] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ፣ ቤት ማህተም ፍራንቸስካና:  ኣስመራ፣ 1993፣ ገጽ 37-51 ርአ።

[iii]ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣብ 1993 ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ካብ ብኢድ ተጻሒፍ ዝተርኸበ ደብተር ተቐዲሑ ንመጀመርታ ዝተሓትመ ኢዩ።

[iv]http://www.eritreanarchives.org/. እዚ ጥቕሲ’ዚ ካብዚ ተዋሂቡ ዘሎ መርበብ-ሓበሬታ’ዩ ተወሲዱ። ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላት ምእራማት ተገይሩሉ ኣሎ።

[v] መበቆላዊ ጥቕሲ ብእንግሊዘኛ እዚ ዝስዕብ’ዩ፤ “There are historical accounts indicating that Eritrean customary laws came into being at least three centuries back. In his Historia Aethiopica, written in 1683, Ludolf witness that the inhabitnants of Hamasien, an Eritrean region, elected their own leaders and applied their own indigenous laws “like a small republic.” (….) Worthnoting is that the customary laws of the sendentary Chrisitian tribes of the highlands disclose “interesting paralles to Roman Law, early Angolo-Saxon, Germanic and the Common Law.” (32; 36) (See: Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004.)

[vi] F. F Russell. “Eritrean Customary Law.” Journal of African Law. Vol 3 (02) pp. 99-104; Habteab Y. Ogubazghi and Senai W. Andemariam. “Eritrean Customary Laws: ‘Old-Modern’ Treasures for Introducing an Effective Sentencing Regime-the ‘Just Desert System’.” African Journal of Criminology and Justice Studies. Vol. 7 (1&2) pp. 47-84.; Luca G. Castellani. “Recent Development in Land Tenure Law, Horn of Africa.” Working paper, No. 37. Land Tenure Center, University of Wisconsin-Madson, 2000, p. 2; Gherebhiwet Tesfagiorgis. “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremdhin & Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008, pp-4-36.

[vii] Ghebre H. Tesfagiorgis “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremedhin and Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008: pp. 1-36.

[viii]Many postcolonial and other transitional societies have attempted to use law as a vehicle for social and economic reform. Foreign legal missionaries and development agencies collaborated in the reconstruction of pre-existing laws. Often times, western laws were transplanted or borrowed in pursuit of legal modernization. However, in many countries, the use of law as a tool for social and economic reform without due regard to social, historical, institutioinal, and cultural context is assessed as having failed. This lesson is crucial to Eritrea’s law development efforts. (228) (Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004)

[ix]ሕግን ሥርዓትን ናይ መሬት ዓደቦ ብዘርአ-ያዕቆብ እስጢፋኖስ፡ ወልደማርያም ኣብርሃ፡ ኢንዥ. ገሪማ ገብረመስቀል ተጠርኒፉ ኣብ 1990 ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝተሓትመ መጽሓፍገጽ 71 ተመልከት። ኵላቶም ብቐጥታ ዝተቕሱ ጥቕስታት ካብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝተወስዱ ኢዮም።

[x]ኣብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ብዛዕባ ዓመጽ ግብረ-ስጋ ዝወሃብ ተሪር መቕጻዕቲ ንምርዳእ: ነቲ ብምሉእብርሃን በርሀ ሓጎስ ዝተገብረ ንኡድ ምርምራዊ መጽሓፍ፡ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ኣስመራ፤ ቤት-ማሕተም ኣማን፡ 2009 ካብ ገጻት 262-272 ምውካስ ይከኣል።

About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

እቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ነሃሰ 2016 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ካልእ ዓዋት ናይቶም ኣብዛ ህዝባ ን25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘየብሉ መላኺ ዝማስን ዘሎ ሃገር ኤርትራ ንኣውንታዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ደሞክራስያዊ ሓይልታት ውጽኢት ቃልሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

 

እዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ፍሉጣት ኤርትራውያን ፖለቲካውያን፡ ምሁራትን ናይ ሚድያ ክኢላታት ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ዘምጸአ እዩ። ከምኡ እውን ተወከልቲ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ንጡፋትን ናይዚ መድረኽ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ ነይሮም። ካብቶም ዝተሳተፉ ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣንበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ ካብ በልጅም፡ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣልማ ዘርኣይ ካብ ጀርመን፡ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ርእሶም መስፍን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ሳልሕ ጁሃር (ቃዲ) ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ካብ ኤውሮጳ፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ገ/እግዚኣብሄር ተወልደን መንእሰይ በረኸተኣብ ዮሃንስን ካብ ካናዳ ይርከብዎም።

ኩሎም እዞም ኣስማቶም ዝተዘርዘረ ኤርትራውያን ኣብቲ መድረኽ ፈስቲቫል ናብ ተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ እዋናዊ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም እዮም። ጀርመናውያንን ስዊድናውያንን ተወከልቲ ሰልፍታት እውን ኣብቲ አድረኽ ፈስቲቫል ዓሚቕ ናይ ምድግጋፍን ምሕዝነትን ምስቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘለዎም ዘመልክት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተሳቲፎም ነይሮም።

Ghirmai Negashኣብቲ ናይ 12 ነሃሰ ናይ እንኳ ደሓን መጻእኩም ስነስርዓት ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ መግለጺ ቀሪቡ። ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ካድራት ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር እዩ። ንሱ ኣብቲ ዘቕረቦ ፈላሚ መደረ፡ ኤርትራውያን ብኸመይ ነቲ “ናብ ሃገርና ኤርትራ ዝመርሕ መንገዲ” ከም ዝረኽብዎ ዝእምት ቃል ኣስሚዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብኸመይ ኤርትራዊ ባህልን ክብርን ክሕለውን ክቕጽልን ከም ዝኽእል ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ’ዚ ዘቕረቦ መሳጢ መግለጺ ካብቲ ካልእ ኣጀንዳታት’ውን ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይዱ።

Taddesse Asmelashእቲ ንጽባሒቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምይይጥ ብናይ ኣቶ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር መደረ እዩ ተጀሚሩ። ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ፈስቲቫል ዝወደበ ማሕበር እዩ።

German and Swedish Representativesካብኡ ቀጺሉ ዝቐረበ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን መልእኽቲ፡ ተወከልቲ ናይ ጀርመን ሓምላይ ሰልፍን ናጻ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ነይሩ። ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝገዝእ ዘሎ ክርስቲያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ ልኡኽ ሀሪ ቶማስ ኪርችነር ግና ኣብ መወዳእታ ሰዓት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ዘይምቹእነት ኣጋጢምዎም። እቶም ናይ ጀርመን ሰልፍታት ተወከልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ክተሓጋገዙ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ሕብረሰብ ጀርመን ንምውህሃድ ዝለዓለ ጻዕሪ ክገብሩ ጸዊዖም።

እቲ ካልእ ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተመሓላለፈ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብኣቶ ቶማስ ማግንኑሶም ስዊድናዊ በርገሳዊ ንጡፍን ኣባል ስዊድናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ዝቐረበ ነይሩ። ንሱ ኣብ ሃገሩ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት መደባት ዘወሃህድ እዩ።

Menghesteab Asmeeromኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰደህኤ ድሕሪ እቲ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝቐረበ መልእኽትታት ኣገዳሲ መደርኡ ኣቕሪቡ። መደርኡ ብትግርኛን ዓረብን እዩ ቀሪቡ። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብ’ዚ መደርኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታትን፡ ኣብ ተቓውሞ ዘገምታዊ ግና ድማ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ንምምስራት ክብደት ዘለዎን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቅልጡፍ ለውጢ ዘምጽእን ናይ ሓባር ጽልላ ክፍጠር ዘለዎ ተስፋ ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

Suleiman and Degigaኣባላት ናይታ ቀጻሊ ዋዕላ ናይሮቢ ንሃገራዊ ምምኽኻር ተሰናድእ ዘላ ኣካል ኣብዚ ፈስቲቫል፡ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናብ ሓደ መድረኽ ንምምጻእ ዝዓመምዎ ስረሓት ዝምልከት መርሂ ሂቦም። ነቲ ነዚ ዛዕባ ዝምልከት ምይይጥ ናይታ ኣወሃሃዲት ኣካል ኣቦመንበር ኣቶ ሱለይማን ኣደምን ናይታ ኣካል ኣባል ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሐምዎ።

Round Table Generationsኣብዚ ኣጋጣሚ ን1ይ፡ 2ይን 3ይን ትውልዲ ዝምልከት ምይይጥ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰደህኤ ተዳልዩ ነይሩ። እዚ ምይይጥ ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን እዩ ተማእኪሉ። ኣብዚ ክፋል ምይይጥ’ዚ ዝተላዕሉ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ መንእሰይ ወለዶን እቲ ገዲምን ዘሎ ፍልልይን፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ዝምልከቱ እዮም ነይሮም። ኣብዚ እውን ንብዙሓት ተጋባእቲ ዘሳተፈ ውዑይ ምይይጥ ተኻይዱ።

Round table Conference participantsእቲ ካልእ ምይይጥ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ፍሉጣት ኤርትራውያን ኣጋይሽ ዝተሳተፍዎ ስፊሕ መድረኽ ነይሩ። እዞም ኣጋይሽ ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ፈስቲቫል ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተቓነዐ ንምህናጽ ምትእምማን ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝምልከት ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ’ውን ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ እዮም። ነቲ መድረኽ ዝመርሕዎ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ: ኣባል ማ/ባይቶ ሰደህኤን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን እዮም። ድሕሪኡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ክሳብ ሰዓት 11 ናይ ወጋሕታ ናይ ሙዚቃን ጓይላን ግዜ እዩ ነይሩ።

ካብቶም ኣብዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ቃሎም ዘስምዑን መልእኽታቶም ዘቕረቡን፡ ኤርትራዊ ውድባት፡ መልእኽቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ብኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቒ ዝተነበበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብኣቶ ፍሰሃጼን ገብረ ዝቐረበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቶ መንሱር ዓብደልሃዲ ዝቐረበ፡ ማሕበር ተበግሶ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ ዝቐረበ፡ ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ብኣቶ ክብረኣብ ምስግና ዝቐረበ፡ ምሕዝነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ብኣቶ ዓ/ቃድር ሽፋ ዝቐረበን ስምረት ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣቶ ገ/ህይወት ኪፍለ ዝቐረበን ይርከቦ።

The annual Eritrea Festival in Frankfurt, held between 12 an 14 August 2016, was another success story this year for Eritrean democratic forces struggling for positive change in a country and people who suffered for the past 25 years under the most repressive regime in Africa.

 

This year's festival brought together some of Eritrea's topmost political figures, intellectuals, and influential media people in addition to representatives of Eritrean political organizations and civic activists. These included well known names like Ambassador Adhanom Ghebremariam (USA); Dr/Ambassador Andebrhan Weldegiorgis (Belgium); Professor Ghirmay Negash (USA); Dr. Almaz Zerai (Germany); Mrs. Asghedet Mehreteab (USA); Dr. Russom Mesfin (Eri-Vision - USA); Mr. Saleh (Gadi) Johar (Awate.com - USA); Mr. Abdurahman Said (Europe); Mr. Tzegai Negash (USA); Mr. Gherezgeher Tewelde (Canada), and young Bereketeab Yohannes (Canada).

All of them could successfully convey timely messages to their audience and the Eritrean people at large. Representatives of German and Swedish parties were also at hand to express their deepest solidarity and sympathies with distressed Eritrea and its people.

Ghirmai NegashThe Friday, 12 August, events of the Festival included a well-received presentation by Professor Ghirmai Negash, who was a leading cadre in the days of the liberation struggle and currently a university professor in the United States. Professor Ghirmay talked about how Eritreans should search for "the road leading back to home" and the importance of reviving and incorporating in modern jurisprudence the spirit of Eritrean customary laws and social values. The presentation was followed by a lively discussion that stole time from other events.

Taddesse AsmelashThe main Festival Panel on Saturday was opened by a welcoming address of Mr. Taddesse Asmelash, chairman of the Eritrean Democratic Association (EDA) which annual organizes the Frankfurt festivals in cooperation with the Europe branches of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP).

German and Swedish RepresentativesThis was followed by solidarity speeches by representatives of the German Green Party and Free Democratic Party while the ruling Christian Democratic Party (CDU) delegate, Herr Thomas Kirchner, had last minute inconvenience from appearing at the Festival podium. The German parties expressed full commitment to support forces of change in Eritrea and encouraged Eritrean refugees also to do their utmost to be integrated in the German society.

Another moving speech-cum-solidarity message was presented by Mr. Thomas Magnuson, a Swedish civil society activist and member of the Swedish Social Democratic Party, who coordinates refugee programs in his country (full text of his speech as well as of the other panelists are being posted in www.harnnet.org).

Menghesteab AsmeeromMr. Menghesteab Asmerom, chairman of the EPDP, presented the keynote speech at the Festival following solidarity messages that included statements made by Eritrean political organizations, and civil society movements of youth and women. In his speech, presented both in Tigrinia and Arabic, the EPDP chairman explained the worsening situation in Eritrea and the status of the gradually but surely growing opposition camp and the hope of creating a viable umbrella organization for effective work in the struggle for speedy change in Eritrea.

Suleiman and DegigaRepresentatives of the Ad Hoc Committee preparing the second part of the Nairobi conference on National Consultation made an illustrated explanation of the work so far achieved in the effort to bring together all Eritrean justice seekers under a working umbrella. Ad Hoc Committee chairman, Mr. Suleiman Adem, and his colleague, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga) led the discussion on the subject of unity and the prospects ahead.

Round Table GenerationsA round-table discussion for first, second and third generation Eritreans (elders and youths) was organized by the EPDP Youth Affairs Office. The event was well moderated by Ms Feven Ghideon. The issues for discussion included the differences between the old and young generation of Eritreans and the problems the post-independence generation is facing. A heated debate involved by many members of the audience.

Round table Conference participants

Another important round-table discussion involved all the prominent Festival guests mentioned in paragraph two in this article. These were the leading Festival guests who also made rich presentations at a three-day conference on Trust Building among Eritreans which preceded the Eritrea Festival 2016. The round-table discussion, moderated both by Ms Eritrea Alazar, head of the EPDP Office for Women's Affairs, and Ms. Adiam Tefera, EPDP Central Council member, tried to provoke the panelists to summarize in a few words the various papers they presented at the Trust Building Conference.

Musicians Festival 2016The rest of the night as of 11pm was left for musicians and folkloric singers who engaged everybody in dancing till the morning.

It is to be noted that among the Eritrean organizations that made or submitted solidarity messages at the Eritrea Festival 2016 included Eritrean Democratic Party (EDP- message read by Mr. Menghesteab Afewerki); Eritrean National Salvation Front, ENSF-Hidri (message presented by Mr. Fessehazion Ghebre); ENSF (submitted by Mr. Mensour Abdulhadi); Eritrean Women's Initiative Association (presented by Mrs. Alganesh Ghebre); Eritrean Revolutionary Democratic Front - Sedege'e (presented by Mr. Kibreab Mesghina); Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC - presented by Mr. Wedeb Tedros); Eritrean Youth Movement for Democratic Change (EYMDC - presented by Abdulkadir Shifa), and Eritrean Unity for Democratic Change (submitted by Mr. Ghebrehiwet Kifle).

ዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ዝኸበኩም መራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን፡ ዝኸበርኩም ኣጋይሽ፡ ዕዱማት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2016

 

ኣቐዲመ ብስመይን ብስም ወኪለዮ ዝመጻኹ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC) ዕዙዝ ሰላምታ ከቕርበልኩም ኣፍቅዱለይ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ ከምዚ ዝኣመሰለ ባይታ ምኽፋቱ ከኣ ክምጐስ ይግብኦ።

Festival 2016 11

 

ማሕበርና ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ጐኒ ጐኒ ኣቲ ከም ኩለን ተቓለስቲ ሓይልታት ዝሓዞ ዕላማ: ከበግሶ ዝኸኣለን ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ቀንዲ ምኽንያት: ብኩራት መንእሰያት ኣብ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ዲሞክራስያዊ ለውጢን: ምብርባርን ቀጻልነቱ ንምውሓስን እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ምስቲ ዝጸንሐ ቃልሲ ተኣሳሲሩን ምስቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ደኺምና ከይበሉን ከይተሓለሉን ተባዕን መስዋእቲ ዝሓትትን ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ዓበይቲ ኣያታትናን ኣሓትናን ተኣሳሲሩን ኢድ ንኢድ ተታሓሕዙን ክካየድ ከምዘለዎ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

 

ኩልና ከማንፈልጦን ንከታተሎ ከምዘለናን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ኣሎ። አረ ብገለ ሃለዋት ሃገርና ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናትና: ሃገርና ኣብ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን እዋን ከምትርከብ ይእመተልና ኣሎ። እቲ ትማሊ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል መሰል ርእሰ ውሳንኡ ዘረጋገጸ ህዝቢ ሎሚ ሹም ከም ዘይብሉ ንህቢ ፋሕብትን ኢሉ ግዳይ ሞት: ኣስር-ቤት: መሸጣ ናውቲ ኣካላት: ስሃራን ባሕርን ኮይኑ ይርከብ። ኣምበኣርከስ፡ እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ህንጸት ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገስጊሱ ዓወታት ክምዝገብ እኳ እንተኸኣለ፡ ዕላማኡ ክሃርምን ንስርዓት ህግደፍ ስንብራት ክገድፍ ዝኽእል ከይዲ ክመርሕን ግን ኣይከኣለን። እዚ ኸኣ እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሃጕፋት ስለ ዘለዎን መሰረታዊ ገምጋማውን ጽገናውን መስርሕ ክሓልፍ ስለዘይካኣለን እዩ።

Festival 2016 13

 

 

እምበኣር፡ እቲ ጉዳይ በሲሉ ኣሎ:: ህዝብና ዘሳትፍ ቃልሲ ከካይድን ሓንሳብን ንሓዋሩን መቁሕ ህግደፍ ሰቢርና እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕልምና ጥራይ ቀሪጽናያ ዘለና ፍትሓዊት ኤርትራ ክውንነታዊት ክንገብራ መታን እዋን ዝሓትና ዘሎ ስሩዑን ስጥሙን ቃልሲ ከነካይድን ከምቲ ናይዚ ዓመት እዚ ጭርሖ ዝብሎ ዘሎ “ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና!” ኢዩ እሞ፡ እታ ብዘይ ሓባራዊ ቃልስና ክትርከብ ዘይትኽእል ሃገርና እንዳኣቋመትና ነቲ ስጉሚ ክንፍልም ይላቦ።

 

ዓወት ንፈስቲቫል 2016 ሰዲሓኤ

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና    

ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስና

I am deeply honored to be given the opportunity to speak in front of this important festival and conference.

Friends, I cannot tell you anything about Eritrea that you do not already know. My perspective is as an outsider.

I will speak to you as a civil servant working with refugees in Sweden, I am employed at the center for Integration in the city of Gothenburg, where we have among others also the new coming refugees from Eritrea. I will speak as a social democrat, I am the chairperson of the International committee of the social democratic party in Gothenburg, I will speak also as a peace activist, I have been an active member of the Swedish Peace movement for all my life, and for many years worked for the international peace movement, as president of the International Peace Bureau based in Geneva, Switzerland.

Festival 2016 3I speak as an outsider. My knowledge on the current situation in Eritrea is based on working with the new-arrived  refugees from Eritrea, who comes to the Center for Integration run by the city council of Gothenburg. I have heard many witnesses of the brutality of the Eritrean regime, a brutality that made those youngsters risk their lives to escape and seek asylum far away from their motherland.

I have also colleagues at that office from Eritrea who have lived for many years in Sweden, now doing an excellent job to introduce and assist the newcomers, teaching and giving the necessary knowledge and advice about Sweden, Keleta Zehaie is one of those teachers, but there are also others.

But the most important knowledge comes out of the stories from the new-arrived refugees. Stories about cruelty, about being threatened to life, about torture.

Facts and information about the Eritrea they have left, the Eritrea that is still in their heart. Stories from destroyed life, stories of unbelievable suffering.

I know of course that I meet only those refugees from Eritrea who have been lucky enough to escape the military service or other means of cruelty of the regime in Eritrea, those who have been lucky enough not to get caught in refugee camps in Sudan or elsewhere without any chance to reach further, those who have been lucky enough to escape smugglers and refuge –exploiters in Libya or Egypt or Israel – also people with unbelievable cruelty, I meet only those who have been lucky enough not to drawn and die in the Mediterranean on their way to Europe, I meet only those who have found a safe haven in Europe and who have got a chance to restart their life.

All that I hear, all that I know shows that we need to do more, to give more people from Eritrea and elsewhere the chance to start a new life in Europe, to get education, to be able to work and be self supporting, to get their wounds healed…

Festival 2016 4And in order to keep Europe refugee-friendly, to fight back against Xenophobia explored by the right wing politicians, we must all unite, Eritreans, Germans, Swedes and we must be successful with integrating the new arrivers in jobs, schools, language training and all those fields that might irritate those who believe that refugees comes to Europe just to irritate…

In order to help in any way we can, we have formed a new organization I Gothenburg, an Eritrea-Sweden friendship association, which we call “Eritrea in our heart”. The idea is to inform about the situation in Eritrea, not only about the disastrous political situation, but also about positive memories, kultur, music, people… This organization is open for Eritreans but for all who are interested in Eritrea.

Friends, my perspective when I speak at this conference is the outsider, my images comes not only from the new arrived refugees but also from persons like Keleta Zehaie whom I have known since the struggle for independence, since the 1990 and before. Persons I trust. Persons who try to make me understand why the liberation of Eritrea was betrayed, how your right to form the new country Eritrea was stolen from you.

I understand that this conference, and previous conferences here in Frankfurt, serve the purpose to bring the country back to democracy, back to Human rights, back to peace, back to rule of law. And I support and second the slogan of this conference, a joint struggle, broad cooperation to reach those values that the liberation of Eritrea was all about.

Friends, I want to bring greetings to this conference from the social democratic party of Sweden, to its sister party, the Eritreans Peoples Democratic Party. Greetings from social democrats in Gothenburg, and greetings from the International secretary of Social Democratic Party in Stockholm Andrine Winter.

Can the social democratic Party of Sweden do more to support your struggle? I am open to hear your suggestions, and to bring any message from you to my party in Sweden, and do what I can do with my limited ability to increase the visibility of the situation in Eritrea, of the need for support and attention. I do think that cooperation between social democratic parties is essential.

Festival 2016 5A joint struggle, joining together progressive Eritreans who have a democratic and free Eritrea as their goal.

And a joint striuggle where social democrats from different countries support and give inspiration to each other

Friends, I have already told that I know a number of Eritreans living in Sweden, some I know already from the time of the struggle for indepence. Some who have remained friends through all those years.

But there are a number of Eritreans in Gothenburg, who have been transformed in a way I could not predict when we got to know each other and together celebrated the independent and free Eritrea in May 1991. I am of course talking about people who are supporters of Isaias Afwerki and his regime.

Frankly to say, I have failed to understand how people from Eritrea, who were strongly in favour of a free and independent Eritrea, and now are living in the democracy of Sweden, can accept and support the brutality and ruling of the regime. How can those Eritreans deny what is obvious, how can they deny facts, how can they ignore the witnesses that arrives at their doorsteps in Sweden every day.

Some of those deniers, some of the friends of the oppression, friends of the dictator, friends of the absence of law – I came to know them in my home city Gothenburg already when the liberation took place, I shared their joy and happiness for finally having reached independence for Eritrea. Those people have turned from being spokesmen of democracy and freedom, to be defender of un-democracy and lack of freedom, and frankly I cannot understand the transformation they have gone through. I have asked them to explain, but I have got no explanation!

Festival 2016 6

I have through my professional life met many refugees from many countries, and there are always people who are selling their sole, who are making money from reporting back to the regime that made them be refugees.. People who use their refugee status to be criminals, to serve dictators. They exist in all groups, some are even sent to Euorpe with the purpose to be spies, refugee-spies.

But I know of no other group of refugees, who has a comparable situation, like those Eritreans who openly are supporting an oppressive regime, who even betray and work against the new arrived refugees.

Friends, the American pacifist and revolutionary, A J Muste (living between 1885 and 1967) once said that the problem after a war always is with the winner – who will learn him the lesson.

But history will catch up with Isaias Afwerki who according to a United Nation panel in 2015 (quote)“has imposed a reign of fear through systematic and extreme abuses of the population that may amount to crimes against humanity” (unquote)

What is going on in Eritrea under the current regime is not un-known for the outside world. There are enough reports, from UN Panel, from Amnesty International etc.

But still, it is much more attention given to other conflicts, other refugee-sending situations, like Syria, like Afghanistan. Libya, Turkey, Palestina-Istrael and other countries in trouble are much more on the media news than Eritrea. The war situation in those other countries are much easier to report in media, than a constant ongoing oppression like the one in Eritrea.                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                               

You who know, you who are present at this festival and conference have an important task to tell the world, to tell concerned citizens, radicals in every country about the situation in your homeland. I know you do, I just want to encourage you to continue, telling the world.

Friends, I speak to you as an outsider, as a refugee worker in Gothenburg city, as a social democrat and as a peace activist.

I bring greetings from the peace movement in Gothenburg. I have since I was young been an activist in the Peace movement. I have been chairman of the Swedish Peace and Arbitration Society which is the biggest peace organization in Swden, and the oldest still existing peace organization I the world, started in 1882. And I was also for seven years the president of International Peace Bureau, an umbrella network for peace movements all over the world, with some 300 member organizations in more than 70 countries.

Peace is my life mission, already during my school years I came in contact with books and philosophies of well known peace activists. I want to tell you a little bit about my thinking peace and war, and struggle for freedom and democracy.

One of my heroes from I was a young school boy was Martin Luther King, the leader of the civil right movement in the United States of America. I red books, and I bought a record of his most well known speeches, and some of his speaches I learn by hart.

Martin Luther King was not only fighting for the right of equal treatment for the black community in the United states, the right to go to the same schools as the white majority. The right to sit on whatever seat you wanted in a public bus. This is what Martin Luther King is well known for.

But he also became a main voice against the United States war in Vietnam, a war against a freedom struggle in a small far away country where US was said to defend this country against communism. Martin Luther King saw, that the black youngsters was drafted for military service in the war, but did not get job or education at home because of the color of their skin. So why should they fight in a foreign war against other young people, who maybe also was drafted to serve in a warfare they did not feel themselves as part of. Maybe they were also without basic rights in their country. He started to question the war in Vietnam and other wars that were fought by the United States of America.

By reading about Martin Luther King I understood why the struggle for freedom, and the struggle for peace are two sides of the same coin, that peace cannot exist without freedom and freedom cannot exist without peace. Also, peace is equal to democracy, peace is equal to human rights.

The most self evident right for human beings is the right to live in Peace. Every nation on earth, every person want to live in peace. I think we can do that to a starting point for any discussion about any political issue

As many of the prominent leaders and spokesmen of the peace movement, I believe that there is a danger in the very use of violence, guns, arms, to achieve political goals. I am not denouncing the right for self defense, but we must talk much more about what is the result in the mind and head of those youngsters who are trained in use of violence and military means to achieve goals. This is of special danger when the individuals cannot fully understand or agree with the purpose of the use of violence.

In the world of today we see an increasing use of violence. Terrorist actions get a lot of attention. But also the general violence in the society are increasing in many countries, and especially in the united States,

Much of the interior violence in United States and other western countries are committed by former soldiers. Also in Sweden we know that some of the Swedish soldiers returning home from fighting in Afghanistan have been mentally sick from their experience as soldiers in a war far away that they don’t understand why it is fought. At home, after return, they have used violence, against their own family, wife and children. Young men who have destroyed their own life, and the life of their bellowed ones. This is also the case in other European countries, there is a clear the link between increasing domestic violence, and a growing number of wars that the European countries are taking part in.

Likewise, it comes many refugees to Europe and Sweden from war zones, who have also been part in war actions, and whatever good course it has had, it might also have damaged the mind and thinking and believes of those people. Some of the deadly violence in European countries are committed by refugees, who have been mentally ill from their experience from the war they have been part of.

We need to be aware of the high risk of using violence, and take part in violent action, because the human body and the human mind is peaceful, and can be damaged severely by the use of violence.

Because of this, it is important to train resistance without violence, to study and train the methods of non violent resistance. This is a whole science in itself, and those methods have been used in every situation where the people are involved in uproar, in struggle for freedom and democracy. Those methods include demonstrations and protests, vigils and more sophisticated methods to withdraw the support that every regime is depending on from its citizens, how brutal it may be.

Just one example . during the second world war Norway was occupied by the Germany, who wanted to introduce the Nazi ideology in the school curriculum in Norway. The teacher did not want to do that, but instead of simply refuse to give the lectures that the Nazis expected, which would automatically lead to imprisonment, maybe execution, they organized a mass-action with teachers all over the country writing letters and asking thousands of questions on how to do, what to tell, and it made the German rulers totally occupied for months to answer stupid questions, while the education continued as before. The teacher never refused to do – they just claimed they did not understand the orders, and kept on asking.

Mahatma Gandhi of India, said that there are no road to peace / peace is the road. If you want to live in peace, act in peace.

Friends. For 200 years Sweden stayed out of war. I want to give you a very quick introduction to Swedish history of peace. How was that possible? How could Sweden be transformed from a country that was involved in constant wars and conflicts with its neighboring countries for as long as Sweden existed as a united country, or at least from the 16th century to the 19th century.

But something changed in 1814., 200 years ago. Sweden was by that time a kingdom, with most of the power concentrated to one single person. In 1814, the king was very old, and without any children that could inherit the throne, so a young French man have been persuade to come to Sweden and be the new king, after the death of the old king. This Frenchmen was a military man, he has been a leading military in Napoleons army, and the people who persuade him to come to Sweden thought that his military merits was exactly what was needed for a Swedish King.

But when this man Jean Baptiste Bernadotte first time came to Sweden he understood that Sweden was a very poor country. There was no chance for Sweden to continue try to be a military superpower of Europe, to conquer other countries, or to build colonies. So this military man Jean Baptiste Bernadotte made peace agreements with the neighboring countries, and primarily with Denmark and Germany who have been the main enemies to Sweden. The last war was fought with Norway in 1814, a short war, which ended in a peace agreement the same year.

Sweden did no longer spend its taxation money on military build up.

Instead – the most important reform in Swedish history came in 1842 – a free school for all children. Sweden was still a poor country, but all Swedish boys and girls learned how to read and write.

Because of the poor circumstances that Sweden had, one million Swedes emigrated to United States between 1850 and 1950. The Swedish people in US did very well, because they had an advantage compared with the many other people from Europe that came during the same time – the poor emigrants from Sweden could read and write. Many of them returned to Sweden with money, started small factories or businesses. This was the start of Swedish industrialization.

Sweden managed to stay out of the two big European wars during the 20th century, , the first world war and the second world war. And when most of Europe was in ruins was Swedish Industries intact, and could produce and sell.

This was the birth of the Swedish welfare system based on the policy that made Sweden stay out of wars: welfare instead of warfare.

Swedish policy of neutrality, also made it possible for Sweden to act as mediator in many conflicts, and has also been able to play an independent role by for example support the fight against apartheid in South Africa and the right for the Palestinian people, against the will of the superpowers. Sweden has for many years played an important role as an independent voice in the world for disarmament, against nuclear weapons, and for freedom from oppression, with the Swedish prime minister Olof Palme as one of the most well known spokesmen.

Friends, Eritrea has today a leadership based on military power. Military power can be used towards external enemies, and also to create and sustain external enemies. And a countries military can, as proved in today’s Eritrea, be used against its own people.

You managed 25 years ago to reach independence. The next goal is to reach freedom, democracy, peace and human rights.

I do wish you and the Eritrean Peoples Democratic Party every success in your joint struggle. I think you have seen enough of leadership based on military power. I hope you will be able to start building a new Eritrea soon, based on the values of freedom, democracy, peace, human rights.

And welfare instead of warfare!

#ኣብ ውድባት ካብ ዘጋጥም ዝተፋላለየ ምዕብልናታትን ንዑዑ ኣቃባብላን ናይ ምብዛሕትና ውድባትን እንታይ መልሲ ንቕርብ?

# ኣታሓሳስባና ኣብ ምቕያር ተኽእሎ ኣሎ’ዶ የሎን ንኽህሉ እንታይ ንግበር?

# ምስ መንእሰያት ዘሎና ምቅርራብን ንዑዑ ንምዝማድ ዘሎ ዓቀብን?

# ክሳብ ሕጂ ዝተፈጸሙ ልፍንቲታትን ሓድነትን ምሕዝነትን ኪዳንን ዋዕላን ሳዕብየኑን

# ሕጂ ክንገብሮ ዘሎና መንገድን ምስቲ ብብዙሓት ብጾት ዝቕረብዎ ዝነኣድ ኣስትምህሮታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ናተይ ርእይቶን?

  1. ሓደ ካብ’ቲ ህንጸት ምትእምማን ዝብል መባእታዊ መበገሲ ክልመድ ዘለዎን ሓደ ውድብ ወይ ውድባት ግንባራት ሓድነት ጌሮም ወይ ልፍንቲ ፈጢሮም ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ከም ተመኩሮ እንጽበዮ እንታይ ይመስል? ከም ግቡእ ይሕመቕ ይጸብቕ ይዕበ ይንኣስ እንቋዕ ኣመጎሰኩም ምባል ልሙድ ኣይኮነን ክልመድ ዘለዎ እዩ።
  2. ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ብሓፈሻ ኣብ ኣማራርሓ ውድባትና ድማ ብፍላይ ናይ ምብልሓት ናይ ምጽውዋር ባህሪ ኣብ ዝተሓተን ዝደኸመን ጥርዚ ምህላዉ ይንበብ እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ኣብ ኩሎም መራሕቲ ተር ከም ዓተር ማለተይ ኣይኮነን ብዝኾነ ነዚ ዝፈጠሮ ምኽንያት ናይ መዋእል ኣብ ቃልሲ ምጽናሕ ተትካኢ ወለዶ ዘይምርካብ እንተወሓደ ን40 ወይ ልዕሊኡ ዓመታት ኣእምራዊ ኣካላዊ ሞራላዊ ድኻም ካብ ዘሕለፈ ሓንጎል ወዲ-እትጽበዮ እዚ ባህሪ’ዚ እዩ ስለ’ዚ ለውጢ ናይ ኣታሓሳስባ ክመጽእ ንጽበ ኢና። ምፍትሒ ናይ እዚ ምርካብ ክድሊ እዩ እንታይ ይኹን? መፍትሒ ሃሰስ ምባል ከድሊ እዩ ብርእይቶይ ነዚ ተዳኺሙ ዘሎ ብኵራት ንምምላስ ናይ ምሕዳስ ሓንጎል ዝዕላማኡ ኮርሳት መድለየ ይከኣል’ዶ? ንገዛ ይግደፍ
  3. ብኻልእ ሸነኽ ኣብ መንእሰይና ኣጋጢሙ ዘሎ ተማሳሳሊ ወይ ክቢድ ሽግርዉን ኣሎ ነዚ ድማ ካብ’ቲ ናይ ዓበይቲ ናይ ሞራል ቀውሲ ብዝበርትዔ መንእሰይና ተሃስዩ ከም ዘሎ ጥርጥር የሎን እዚ ሓይሊ ሕብረተሰብ’ዚ ነዚ ዘለዎ ሽግር ከይፈታሕካን ከየስታኻኸልካን መተካእታ ምጽባይ ድማ እቲ ካልእ ከቢድን ኣታሓሳሳብን ኣጀንዳ እዩ። ናይ እዚ መፍትሒ ዝበሃል ድማ ሓያል እዩ እንተኾነ ኣምጺእካዮ ሃሰስ በለሉ ክበሃለኒ ምዅኑ ስለዝፈልጥ ኣብ ዝተወሰነ ቦታን ጊዜን ምሉእ ሕክምናን ተራፒን ( Terapien ) ከም ዘድልዮ ይግምት ንተግባራውነቱ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ምዃኑ ይርኢ
  4. ጸገም ኣብ ዝሓለፍናዮም ተመኵሮታት ብሓባር ኣብ ምምዛን ክሳብ ሕጂ ንሃገራዊ ህንጸት ብዘርብሕ ብግሉጽነት ድማ ኣይተራእየን ኣድላይነትከ ኣለዎዶ? ንዝብል ብወገነይ እወ እዩ። ካብ’ቲ ዓበይቲ ሽግራት መሕብኢ ዘይግሉጽነት ኣለዎ ዘብልውንስቡሕ ባይታ ኣብ’ዚ ኣሎ ብሃላይ እየ።

Workshop 11

እቲ ምኽንያት ድማ ናይ’ዚ ኩሉ በብዓመቱን ወርሓቱን ዝተነድቀን ዝፈረሰን ሓድነታት ምሕዝነታት ልፍንቲታት ግንባራት እንታይ ምዃኑ ግምታዊ እንበርመጽናዕታዊ መልሲ የብለይን። ኣብነት ምሕዝነት ናይ ተቓወምቲ ዝጀመረሉ ካብ 1992 ንንጀው ስምምዕ ጅዳ ናይ ኽልቲኤን ቅድሚ ሽዑዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ሳግምን ደመሓኤን ሓዊስካ ተሓኤ ሓጋጊ ኣካል ክልተ/ኣካላት ስሙር ውድብ ከምኡውን እቲ ድሮ ቆይሙ ዝነበረ ጀሃድ ወሲኽካ ዝተሰርሔ ምሕዝነት ብናይ ጅዳ ምሕዝነት ዝፍለጥ ፌርምኡ ከይነቐጸ ዝፈረሰ እንደገና ብድሕሪኡ ቕድሚ ናይ ኢትዮጵያ ምሕዝነት ናይ ካርቱም ናይ ሰለስተ ውድባት ምሕዝነት ማለት ተሓኤ/ሰባይቶን ሓጋጊ ኣካልን እስላማዊ ምንቅስቓስን ካልኣይ ምሕዝነት ኣብ ኢትዮጵያ 3ይ ምሕዝነት ደሓር ኪዳን ዋዕላ ኣዋሳ ወዘተ ብወድዓዊ ገምጋምን ሚዛንን ንህዝብን መሰረታትን ስለምንታይ ፈሽልና ዝብል ሓፈሻዊ ገምጋም የድሊ’ዶ ኔሩ? እወ እብል ብወገነይ።

 

ንምንታይ ዝብል መልሲ ኣሎኒ ጌጋ ክህልወኒ ክትምልኡለይ ይጽበ እየ። እዚ ኩሉ ስምምዕን ውድቀትን ሳዕቤንን ብዕግበተይ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ እንተተፈትሹ ዝበዝሕሚስጢር ናይ ፍሽለታት ኣብ’ዚ ዓንኬል’ዚ ኣሎ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎኒ። ሓንቲ ምሳሌ ክጠቕስ እዚ ኩሉ ጠቒሰዮ ዘለኹ ዋላ ከም መበገሲ እንተወሲድና 90% ብዕግበትን ተበግሶን ናይ’ዚ ዝፈረመን ዝፈረሰን ውድባት ኣይተወስደን በሃላይ እየ። ኣብ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ኣብ ኢትዮጵያ ይወሰድ እዘን ውድባት ብወድዕነትን ኣድላይነት ኣለዎን ብዝብል ኢለን ዘበገስኦ ዘይኮነስ ብዝተፋላለየ ተበጊሱ እንቢ ከይብላ እንቢ ኢለን ተባሂሉ ብዝተፋላለየ ኩርናዕ ተጻብኦ ከይውርወረን ንምክልኻል ኢለን ዝወሰድኦ ይመስል ኩሉ ኣማሊኡ ብመጽናዕቲ ምምጽኡን ዘምምጽኡን ገላጺ ሰነድ የብለይን ግን ኔርዎ ዝብል ሰነድ ዝቕርብውን ኣይረኸብኩሉን ኣሎኒ ዝብል እንተሎ ድማ ክመሃር ይደሊ እየ። ህላዌኻ ንምርግጋጽ መሰረታትካ ንምህዳእ ንሕና ንብዝሕ ሰራዊት ንውንን ንሕና ንዓቢ ታርጌት ከይንኸዉን እንዳተባህለ ብዘይ ግሉጽነት ዝኣቶናዮ ሓድነታት ድማ ኣብ ኣማራርሓ ካብ ዝመጽእ ካብ 2004 ንደሓር ብዙሕ ክፈልጥ ኪኢለ እየ።

 

Workshop 8

ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ህጹጽን መድሕን ሃገርን ዝኸውን ምብልሓት እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ምድምዳም ካብ ኩሉ እቲ ክበሃል ዝቐነየን ዝተበጽሔን መጽናዕትታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ውሑድ ተመኵሮይውን ዘንብቦ ከም’ቲ መደርቲ ናይ ክልቲኡ መዓልቲ ዘቕረብዎ ብኽለሳ-ሓሳብውን እንተገፍሔ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ግንባራት ዝምቀል ሓይልታት ኣብ ተቓውሞ ደንበ ኣሎ ብሚዛነይ፡

ሀ)   እቲ ንኡስ ፍልልያትውን ይሃልዎ ዕላማናዊ ወይ ሓውሲ ዕልማናዊ ዝብሃል ውድባትን ፓርቲታትን ኣብ ሓደ ክመጽእ ብመጽናዕትን ብድልየትን ብሓላፍነታዊ ምስትውዓልን እስትራተጅያዊ ግንባር ክሃንጽ ይግባእ እብል።

ለ) እቲ ብሄራዊ ወይ ናብ ብሄራዊ ዝቐርብ መደብ ዕዮ ዝውንን ጥርናፈ ኽጥርነፍ ክተባባዕን ናብኡ ዝዕድም ባይታ ክህሉን ምትብባዕ ግን ድማ ብድሌት።

ሐ) እቶም ሃይማኖታውያን ውድባትዉን ብክም’ዚ ብድልየት ኣታባቢዕካ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝሎ ኽልተ ፎርሙላ ክቃራረቡ ድሕሪ ምግባር ነዞም ሰለስተ ጸረ-ህግድፍ ኣካላት ከማኡዉን ሲቪክ ማሕበራት ብምስሎም ክስርዑ ዓዲምካ ነዚኦም ዝጥርንፍ መካኒዝም ሚኒሙም ፕሮግራም ሰሪሕካ እንዳተሓላለኻን እንዳተዳጋገፍካን ዝኸይድ ወቃዒ ሓይሊ ክግበር ይከኣል እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

ዝኽብርካ ኣቦ/ወንበርን ኣባላትን ኣሳናዳኢት ሽማግል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽብርክንን ዝኽብርኩምን ኣ/ወበርን ኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ-ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽበርክንን ዝኽብርኩምን ዕዱማት   ኣጋይሽ

ዝኽብርክንን ዝኽበርኩምን ተሳትፍቲ ፈስቲቫል ብሓባር

ኣቐዲምና ኣብ ኩነታት ጥዕናኹም ድሕነት ንሓትት ኣብ እትገብርዎ ናይ ለውጥን ሰላምን ርግኣትን ሃገረ አርትራ ኣሳልጦን ዓወትን እምንየልኩም። ኣስዒብና ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሰፊሕ ፈስትቲቫል ኤርትራ 2016 ብዓወት ክዛዘም ድልየትናን ባህግናን ምዃኑ ንሕብር። ነዚ ኣጋጣሚ“ዚ ተጠቒምና ድማ ኣብዚ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ ክንከዉን ንዝተገብረልና ዕድመ ልዑል ክብርን ምስጋናን ኢና እንህቦ።

Festival 2016 2

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ እዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ኣብ‘ዚ ፈስቲቫል‘ዚ   ተላዒሎም ዘለውን ክለዓሉ ዝኽእሉን ዛዕባታት ኣብ ተግባር እንተነውዕሎም ህዝብና ካብ ዘለዎ ጨንቅን መከራን ምተናገፈ ንሕናዉን ከም ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ው/ሰባትን ብጠቕላላ ጽላል ደንበ/ፍትሒ ዝብሃል ንእሽቶ ታሪኽ መትረፍና ስኽፍትታናውን መውረድና። ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ውድብ ግሃደኤ-ሕድሪ ምስ ኩሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ጽላል ደንበ ፍትሒ ኼና ካባና ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክንፍጽም ድሉዋት ከም ዘለና ክንሕብርን ከነስምረሉን ንደሊ። እዚ ኣባሃህላ‘ዚ ሕጂዉን ከም ቀደሙ መዓስ‘ከ ሕማቕ ትዛረቡ ልሙድ እንዳእሉ ተባሂሉ ዝሕለፍ ግን ኣይኮነን እቲ ምኽንያትን እቲ ግዝያትን ናብ ከምኡ ዕድል ዝህብ ስለዘይኮነ እሞ ንሕሰበሉ።

ኣብ ዓለም ንጎታ ክሸጡ ከይትቕተል ተባሂሉ ንሓርማዝ ምኽልኻል ክግበረላ ከሎ ንኤርትራዊ ግን ብሂወቱ ኮላሊቱ ልቡን ካልእ ውሽጣዊ ኣካላቱን ወጺኡ ኽሽየጥ መን ይከላኸለሉ? ወዲ-ሰብ ብናይ መዋእለ- እንስሳ ሃድን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብወተጉ ከም ገመል ኽሕረድ ዝተራእየ ኣብ ሊብያ ወዲ-መን‘ዩ? ኣብ ዝኾነ ባሕሪ ሰሃራ ምድረበዳ ሞይቱ ተረኺቡ ሬስኡ ኣይንደልዮን ኣይንወስዶን ተባሂሉ ዝተፈንፈነ ወዲ-ኣየነይቲ ዓዲ እዩ? እዚኣ እንድያ እታ ኤርትራ ንብላ እዚ ኩሉ ምኽኒታት ሽጎማኖ መጕሓፊ መመኽነይ ከይፈራሕና ንእሳያስ ኢና እንህቦ?

 

እሳያስ ሕሙምን ጽሉልን ኮይኑ እንተተረኺቡ‘ኸ መን እዩ እቲ ካልኣይ ሓላፍነት ዝስከም ኣነ? ንስኻ? ንስኺ? ንስኹም? እንዶዒ ሕስብሉ ንሕሰበሉ። መልሲ ናይ እዚ እታ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዋ ከም ውድብ ኣብ እጃምና ምልዓል ኣሎና ሎሚ ግን ትማሊ ከምዘይኮነት ንምእማት ተባሂሉ ዝመጸ ኣዩ።

 

ሎሚ ብዛዕባ ህግድፍ ብዙሕ ክንምድር ኣይግዛኡን ህግድፍ ቃል ብቓሉ ጸረ ብልጽግንና ጸረ ሰላም ጸረ ፍጡር ጸረ ድኹማት ጸረ መንእሰያት ጸረ ደቂ ኣንስትዮ ጸረ ኣካለ-ስንኩላን ካብ ዝኸዉን ድሮ ካብ 25 ዓመት ንላዕሊ ኣቝጺሩ እዩ። ኣብ መደምደምታ ድማ ካብ‘ዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ ካላኣይ ኢዮበል የራኽብና ኢሉና እዚ ማለት ብርእይቶ ናይ መብዛሕትና እንተመትኩዉን ሬሳይ ኽገዛኩም እዩ ዘስምዕ !!!!!ኪኖ እዚኣ ሕልፈት ዝበሃል ዘሎ ኣይመስለናን እሞ ብኤኮኖሚ ድዩ ብፖሎቲካ ብሕብረተሰባዊ ድዩ ብፖሊሲ ብዲክተይተር ድዩ ብዶብ ዝብል ትንትና ጌርና ሰብ ኣይነዳኽም ኣይንድከም ፍታሕ ነናዲ። ብርእይቶና   እቲ ሓደ ካብ ፍትሓት ይኸዉን እዩ ኢልና ንኣምነሉ ከም ውድብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተመኩሮና ምምዛንን ድኻማትናን ዘሎና ነቄፌታት ብግሉጽ ምሎዓልን ጽቡቝ መበገሲን ናብ ትስፉው መደምደሚ ከብጽሓና ይኽእል እዩ ንብል።

 

ደጊመ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩሙኒ የመስግን

 

ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ኩሉ

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ውድቀት ንህግደፍ

12/08/2016