ቃል ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ ኣብ ፈስቲቫል 2016

2016-08-19 10:22:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2216 times

ዝኸበርክን ን ዝኽበርኩምን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2016፣ ልባዊ ሰላምታይ ድሕሪ ምቅዳም፣ እንቛዕ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ኣብጸሓናን ኣራኸበናን ኣብል።

ብምቅጽል ምስ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ዕላምኡን፣ መደባቱን ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ከላልየኩም ኣፍቅዱለይ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ እቲ ሰልፊ ካብ ዝተመስረተሉ ዕለት ኣትሒዙ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ጽሕፈትን፣ ኣብ ፈጻሚት ኣካል እውን ከይተረፈ ናቱ መንበር ዘለዎ፣ ብቁዋም ሰልፍን፣ ብውሳታት ጉባኤን ማእከላይ ባይቶ ሰልፍን ተማእዚዙ ዝዓዪ፣ ንትግባረ ተልእኾ መደባቱን ዕማማቱን ብዝምልከት ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ናይ ኣሰራርሓ መምሪሕታት ተኸቲሉ ዝነጥፍ ኣካል ሰልፊ እዩ።

ኣተኩሮ ናይዚ ቤት ጽሕፈትዚ ኣባላት ሰልፊ ንዝኾኑ መንእሰያት ጥራሕ ኣብ ምሕብሓብን ምሕያልን ዝተደረተ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ኣብ ሊዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይን ኤርትራዊ ሃዋህውን ዘንቀዓደ ፖሊስን ራእን ኣለዎ።Festival2016 public 2

 

ዕላማ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት እምበኣር ኣብ እዋን ሃገራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮነ፣ ኣብ ድሕሪ ምርግጋጽ ሓርነት ንዝጽበየና ዘሎ ምህናጽ ሃገርን ምምላስ ኤርትራዊ ክብርታትናን ባህልታትናን ኣብ ሓድነት ልዑላውነት ህዝብን መሬትን ብዝተደኮነ ጥርናፈ፣ ንኹሉ ሃገራውን ውልቃውን ጉዳያቱ ብግቡእ ንምምላስ ስነ-ፍልጠታውን ኪኢላውን ሓይሊ ዝደለበን፣ ንክቡር ልማዳቱን ባህልታቱን እንዳወረሰን እንዳኣውረሰን ዝተኻኻእ መንእሰይ ከምዝህሉ ምግባር እዩ።

ነዚ ሰፊሕን ሃገራዊውን ዕላማዚ ክውን ንምግባር ድማ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰልፊ ዝተፈላለዩ መደባት ሓንጺጹ ንትግባረኦም ብዘለዎ ዓቅሚ ክጽዕር ጸኒሑን ኣሎን።

ንኩነታት መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኢድ ምልኪ፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራትንኣብ ውሑስ ዝኾነ ቦታታትን ማለት ኣብ ክፋላት ቀዳማይ ዓለም በጺሖም ንዘለዉን፣ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓብዩ ንዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያትን ብሓፈሻን በቢውልቅን ንምፍላጥ ቀንድን መበገስን ካብ መደባት ናይዚ ቤት ጽሕፈት እዚ እዩ።

ናይ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ኣብ ትምህርትን ምርምርን ምህዞን ተጸሚዱ ፍልጠታዊን ቁጠባውን ሓይሉ ንኸደልድልንኣብ ዝማሞቈ ሕቁፊ ወለዱን ሕብረተሰቡን ዓብዩ ንክቡር ኤርትራዊ ልማዳቱን ባህልታቱን ንኽወርስ ዕድል ዘይረኸበ መንእስይ እዩ። ካብ ጨቋኒ ስርዓት ህግድፍ፣ ከምልጡ ክብሉ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ጉጅለታትን ዝርከቡን፣ ኣብ ናይ ስደት መንገዶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ   ስለዝተሳጠሐን፣ ሰብኣዊ ክብረታቶም ስለዝተነፍገን ህጹጽ ናይ ድሕነት ሓገዝ ዘድልዮም መንእሰያት ከምዘለዉናውን ተገንዚብና ኣሎና።

ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ብፍላይ ድሕነታዊ ሓገዝ ዘድልዮም መንእሰያትና ካብ ሰልፍን ማሕበረሰብ ዓለምን ድሕነታዊ ሓገዝ ከምዝረኽቡን፣ ዘጋጥሞም ዘሎ ኰንታት ድማ ኣብ ህይወቶምን ሓንጎሎምን ነባሪ በሰላ ከየትርፍን፣ መንእሰያትና ዝድበሱሉ ኩነታት ንምፍጣር ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ምስ ሰልፊ ኮይኑ ክጽዕረሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ዘተፈላለዩ ውደባታት ሃዋህው ምርድዳእን ምክብባርን፣ ሓቢርካ ምስራሕን ንኽህሉን ንኽዕዝዝን ሓደ ካብ ቀንዲ ሽቶታት ቤት ጽሕፈት መንሰያት ሰደህኤ እዩ። እዚ ሕጂ ስዒቡ ዝካየድ ዘተውን ክፋል ናይዚ መደብዚ እዩ።

ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ኣብ ባህላውን ስነ ጥበባውን ጉጀለታት ተወዳዲቦም ባህላውን ስነጥባባውን ዓቅምታቶም ክብ ንኸብሉ ባይታ ንምፍጣር መደባት ሓኒጺጹ ንትግባረኡ ይጽዕር ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፣ መደባት ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰደህኤ ብሓፈሻ፣ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ፈስቲቫል 2016 ዕዉት ንምግባር ንዝተሓባበረን ዝሓገኣአን ሽማግለ ፈስቲቫላ 2016 ብሽመይን ብሽም ኩሎም ምምሕዳራዊ ኣባላት ቤት ጽሕፈት መንሰያትን የመስግን።

ብጽሞና ናይ ዝሰማዕኩምኒ የመስግን

ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንስዉኣትና !

ፍትሕን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና!!

መድሃኔ ሃብተዝጊ፣      ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ

                     ነሓሰ 13 2016

Last modified on Friday, 19 August 2016 12:26