ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን

2016-08-19 09:35:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3031 times

ብመንእስይ በረኸት ዮውሃንስ ኣብ ዋዕላ ምህናጽ  ሓድሕድ ምትእምማን ናይ ዕለት 10-08-2016 ዝቐረበ መደረ  ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ዝምልከት እዩ። መንእሰይ በረኸት ናይቲ ኣብ ሃገረ ካናዳ ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበር ምትእስሳር ንለውጢ ሰሜን ኣመሪካ ዝብል ማሕበር ኣቦ-መንበር እዩ።

************************** 

ጠንቂ

ብሓቂ ስደት ዲና ክንብሎ እዚ ናይዚ እዋን ዋሕዚ? ኣይፋሉን፣ ከምቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝበሎ እታ ሃገር ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ እያ ተቐይራ ስለዚ እንኳዕ መዋጽኦ ፈጠረሎም ነቶም ተሪፎም ዘለዉ አንታይ እዩ ጠንቂ መጽኒሒኦም ኢና ክንብል ዘሎና ዶስ…..

እንተኾነ ግን ካብ ዐደቦኦም ናብ ሰላማዊ ናብርኦም ይወጹ ስለዘለዉ ስደት ምዃኑ ኣይተረፎን። እሞኸ ደኣ እንታይ እዩ ጠንቁ እንተኢልና፣ ናጽነት ዘይምህላው- ኤርትራዊ ኣብ ዓዱ ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ናብ ቤቱ ክምለስ ተሓሪማቶ፣ ፍጹም ምልኪ ነጊሱ ፍትሒ በሪሱ ይርከብ። እዛ ሃገርና ንብላ ኤርትራ ቅድሚ ለውጢ ናይ 1991 ህዝባ ነቲ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ከምጽኣልና እዩ ዝብሎ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ብሃንቀውታን ትስፉው መንፈስን ይጽበዮ ነበረ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ 1991 ዝተራእየ ለውጢ ኣሽንካይዶ እቲ ሃንቀውትኡን ተስፍኡን ክዉን ኪኸውን ካብቲ ኣብ ዘበነ ደርጊ ዝነበሮ ኩነታት ዘይሕይሽ ኩነታት እዩ መጽእዩዎ። እኳ ደኣ ናብ ዝገደደ ፍጹም ሰብኣዊ መሰሉን ሰብኣውነቱን ምግሃስ ዝተቆረነ ምልኪ ተኸተተ።

እዚ ዘሎ ስርዓት ነቲ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ ዕሽሽ ብምባል ሕዝቢ ዕለትዊ መነባብሮኡ ብሰላም ከይመርሕ ኣብ ውግእን ዘይርጉእ ህይወትን ኣዐንዚሩ እቲ ምልካዊ ስርዓቱ ኣብ ምንዋሕ ይርከብ። ስርዓት ኢሰያስ ዘሎ ጸጋ ሃገር ኣብቶም ንዑኡ መሲሎምን ተማእዚዞም ዝኸዱን ነቲ እኩይ ተግባራቱ ዘፈጽሙን ተረባሕቲ ብምግባር ንህዝቢ ኣብ ምብስባስን መነባብሮኡ ገልታዕታዕ ኣብ ምባል ደይመደይ አሉ ተትሓሒዝዎ ይርከብ። እቲ ናይ ወዲ ሰብ መሰረት ምዕባለ ዝኾነ ቅዋም ብፍጹም ኣይተተግበረን ከምኡ ድማ ዜጋታት ዝተፈላልየ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያኦም ዝገልጹለን ፖለቲካውያን ውድባት ኣብታ ሃገር ባይታ ተኸልኪለን ይርከባ። ምርጫ ዝበሃል ዘይሕሰብ እዩ። መጋበሪያ ስርዓት ኢሰያስ ዝኾናን ዕምሪ ምልኩ ኣብ ምንዋሕ ካብ ዝጥቀመለን ትልማታት እታ ብኽረምታዊ ማእቶት ትፍለጥ መደብ ትሕተ ዕድመ ቆልዑ ኣብ እዋን ክራማት ካብ ስድርኦም ፈሊኻ ኣብ ፍቆዶ ጎላጉል ምክልባትን ምምዝማዝን፣ ከም`ኡውን እታ 1991/1995 ዝተኣወጀት ብሃገራዊ ኣገልግሎት አትፍለጥ መደብ ሃገራዊ ጊልያነት ክርቁሓ ይኽእላ።

Workshop Bereketeab

ኣገደስቲ ረቃሒታት


መንግስቲ
ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ፣ ካብ ህዝቢ ዝወጸ፣ ንህዝቢ ዘገልግል ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ እንኮ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኩሉ መዓልታዊ ኣብታ ሃገር ዝግበር ምንቅስቃሳት ካብ ማንካ ክሳዕ ጭልፋ ንሱ ኢዱ ከንብረላ ኣለዎ። ከምቲ ኣማኑኤል ሳህለ ተጋደልትን ህዝብን ማይን ዘይትን ኮይኖም ዝበሎ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ዘይትን ማይን እዮም። ንይምሰል ካቢነ ብስማውያን ሚኒስተራት ዝቆመት ኣላ፣ እንተኾነ ግን እታ ገባሪትን ሓዳጊትን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝብልዋ እያ። ባጀት ብወከልቲ ህዝቢ ጸዲቁ ኣይፈልጥን። ባጀት ከምቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዝርድኦ ብዛዕባ ቁጽሪ ዘይኮነ ዲሞክራስያዊ ከይዲ እዩ። ስርዓት ኢሰያስ እትው ካብ ዝብል ጀሚሩ ብባጀት ሰሪሑ ኣይፈልጥን። መንግስታዊ መግለጽታት ኮነ ውሳነታት ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ይወጹ። ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኣሎ ክትብል ኣዝዩ እዩ ዘጸግም። እቶም ስላሴ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ሓደ ኣካል ተገቢቶም ንህዝቢ ተሓታትነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ እዩ ዘሎ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ኩሉ ኣሎ፣ ኩሉ ይከኣሎ፣ ኩሉ ከኣ ኪፈልጦ ኣለዎ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝበሃል የልቦን።

እንተኾነ ግን ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቡ ወገኑ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ገና እግሩ ከይኣተወ ብጊሓቱ ድኻ ህዝቢ ካብ ድኻ መንግስቲ እንታይ ይጽበዩ፣ ላምባ ክንወርደሎም ቀዳም ቀዳም በጊዕ ክንሓርደሎም ኢሉ ዘቃናጸበ፣ ንስንኩላን ሓንቂቅኩም፣ ንመንእሰያት ድማ ማዳ ሃገር ኢሉ ዝዘልፍ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ብዱዕ ምኩሕ ሰብ እዩ። 

ካብ ደባይ ተዋጋአቲ ናብ ደባይ መንግስቲ

ጃንዳ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ሃገራዊ ረብሓ ኮነ ንህዝቢ ውሕስነት ኣብ ምሃብ ዘይኮነ ዝሰርሕ ነቲ ውልቀ መላኺ ዕምሩ ዝነውሓሉ ረብሓታቶም ዝስስነሉ እዩ። እዚ ብምኻኑ ከኣ እዩ ድማ ኣብ ናይ 1998-2000 ኩናት ኢትዮ- ኤርትራ ርብዒ መሬት ኤርትራ እሞ ድማ ዳርጋ ብሙሉኡ ዝሕረስ ስቡሕ መሬት ከም ኡውን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዚኣክሉ ዜጋታት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ከለዉ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ክንዲ ስልጣነይ ኣረኪበ ኣለኹ ዝብል ነቲ መጋበርይኡ ዝኾነ የማነ ገብረኣብ ብምልኣኽ ሕጂውን ኣድላይ እንተኾይኑ ናብ ሳሕል ከነዝልቅ ኢና ዝበለ። መንግስቲ ዝኣክል ዶ ህዝቡ ኣብ ሓደጋ ራሕሪሑ የዝልቅ እዩ?

ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ንኤርትራዊ መንእሰይ ስራሕ ክፈጥረሉ ኣይርአን እንትርፎ ክምዝምዞ። እዚ ብምኻኑ እዩ ድማ ዝተጸንዐ መደብ ኣብ ዘየልቦ መንእሰይ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ክወፍር ዝተገብረ። እታ ሓንቲ ዕላማ ነቲ ሽቅለት ኣልቦ መንእሰይ ካብ ከተማታት ኣውጺእካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርካ ምእታው። ክንዮ አዚ ድማ ከም ጊልያ ጉልበቱ መዝሚዝካ ማሕፉዳ እታ ጃንዳ ምህጣር እዩ። ኣብ 1991-1993 መንእሰይ ብወለንተን ኡ ተበጊሱ ኣብ ምዕዋት ረፈረንዱም ኮነ ካልእ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘለዎም መደባት ተሳቲፉ። እንተኾነ ግን ኢሳያስ መጀመርያ እዚ ሚኒስትሪታት ብ ኢደ ዋኒነን ዝሃባኹም ባጀላታት ከም መንግስቲ ከም ኣገልግሎት ኣይሓቦን እዩ ኢሉ ከብቅዕ ናይ መንእሰያት ተቃውሞ ምስተቃልሐ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሓሳቡ ቐይሩ ኣብ ሲነማ ካፒቶል መንእሰያት ኣኪቡ ከሞግስ ዝተሰምዐ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቲ ስርዓት ተደራራቢ ረብሓ አዩ ዘለዎ። ሓደው ጉልበት መስእሰይ መዝሚዝካ ሃብቲ ምድላብ፣ ካልኣይ ድማ እቲ ዝመረሮ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ናብ ስደቱ ንምምራሕ ይንውንዎ። እሞ ዝስደድ ደኣ ክሳራ እንድዩ ነቲ ስርዓት ይበሃል ይከውን እንተኾነ ግን መኽሰብ እዩ። እቲ መንታይሲ እቲ መንግስቲ ነቲ መንእሰይ ካብ ስራሕ  ምፍጣር ዘሎ ገድሊ ይገላገል ኣሎ፣ ካልኣይ አቲ ዝተሰደደ መንእሰይ ንስድራ ቤቱ ይጠውር ኣሎ፣ ሳልሳይ እቲ ዝተሰደ መንእሰይ 2% ክኸፍል እዩ፣ ራብዓይ እቲ ዝተሰደደ መንእሰይ ዶላር ሒዙ መጽዩ ኽሕሽሽ እዩ (ብምኻኑ እዩ ድማ ጣዕሳ መሊእኩም ክትኣትዉ ትኽእሉ ዝበለ) ነቲ መዛንኡ ድማ ናይ ምስዳድ መንፈስ ከስርጸሉ እዩ። ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ እምበኣር ብዕሊ ኣይኹን እምበር እቲ መስርሕ ስደት ከም መናውሒ ዕምሪ ምልኩ ብስዉር ከምዝሰርሓሉ ኣየማትእን። ሰለዝኾነ ከኣ እዩ ጀነራላት ኣብ ስግረ ዶብ ተዋፊሮም ሃብቲ ክድልቡ ዝረኣዩ።

ናይ 1998-2000 ኩናት ኢትዮ- ኤርትራ ኣብ 2000 ምስ ኣብቀዐ ኣገልግሎት ንኸይጣየስ ትርጉምን ዕላማን ዘይብሉ ሰራዊት ኣብ በረኻታት ኣስፊርካ ንምቁጽጻር ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብል መደብ ከምቲ ኣምባስሳዶር ኣድሓኖም ዝበሎ ወፍሪ ባርነት ኣወጀ። እዚ ከኣ ነቲ ተጣይሱ ናብ ሰለማዊ መነባብሮኡ ዝምለስ መንእሰይ ኣብቲ ዘሎ ብልሽው ኣሰራርሓ ከምጽኦም ዝኽእል መዘዛት ኣምኪንካ ዕምሪ ስልጣንካ ምንዋሕ ዝተማሕዘ ፍሕሶ እዩ።


ህዝቢ

ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ምረት ሕሰም ናብራ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ይርከብ። ህዝቢ ዕለተ እንጀርኡ ከይምእርር፣ ሓሪሱ ከይበልዕ ጃንዳ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ዓቢዩ ንኡሱ ኩሉ ብረት ኣዕጢቑ ጊልያ ጌርዎ ይርከብ። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንደቁ ኣንጻር ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ክለዓል ኣየታባብዐን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ገንሽል ውልቀ መላኺ ክኾኑ መሪቁ ድሒሩ ድማ ኣግዲዑ ኣፋነዎም። ካብ ምጅማር ናይ 1998-2000 ኢትዮ-ኤርትራ ኩናት ወለዲ ነቲ ብኩናትን ሕሰም ናብራ ውትህድርናን ተማሪሩ ሩፍታ ክረክብ ኢሉ ናብ ቤቱ ዝተመልሰ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ይኣክል ሕጅስ ከርፋሕ ናብራ ውትህድርናን በረኻን ተልዓሉ ደኣ ኣንጻር አዚ ውልቀ-መላኺ ኣደዳ እዚ ኩሉ ሕሰም ናብራ ጌሩኩም ዘሎ ምባል እንታይ ደኣ ቦታኻ ኣይትምለስን ዲኻ ከይተለክመና ከይተእስረና ቦታኻ ኪድ ተባሂሉ። ብፍላይ ኣዴታት ምስ ኣምልኮ ዝዳረግ ምስቲ  መንግስቲ ምድንጋጽ ዝተራእየሉ ኩነታት እዩ ኔሩ።

መንእሰይ ኤርትራ ድሕሪ 1991 ኣብ ነጻ ሃገር ኣሎና ካብ ምባል እቲ ደሞክራስያዊ መሰሉ ንምጥቃም ንፖሊሲ መንግስቲ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ከገብር ጀመረ። ንኣብነት ብመንእሰያት ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ ንዕቃበታት ኣዋጅ ኤርትራዊ ዜግነት ኣብ 1992 ኣብ ኣስመራ ተኻየደ።  ኣብቲ እዋን ኮማንዶ ዝበሃሉ ኣሃዱ ክድርዑን ክድከሩን ዓገብ ኣይበለን። ብድሕሪኡ ድማ ብሰራዊት ብፍላይ ድማ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ዝተበግሰ ዕቃበታት ኣካይዳ መንግስቲ ከምኡውን እምብይታ ንምዝመዛ ነጻ ጉልበት ተጋደልቲ ዝቃወም ምንቅስቃስ ኣብ ኣስመራ ንዘሎዓዓሎ ናዕቢ ናይ ጉንበት 1993 ህዝቢ ብዕሊ ኣይደገፎን ኣይተጸንበሮንውን ገሊኡ ድማ “ውራይ ክዝርጉ”  ጸጊቦም እናበለ ክዘልፍን ከነኣእስን ተሰምዐ። ህዝቢ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ደቁ መመንጢሉ ንከረምታዊ ማአቶት ኮነ፣ ንኣገልግሎት ዋላውን ንኩናት ክወስደሉ ከሎ ድኻ መንግስቲ ደኣ ካብ ድኻ ህዝቢ እንታይ ይጽበ ኢሉ እምብለይ ደቀይ ኣብ ሑቅፈይ ክብልውን ኣይተራእየን።

መንእሰያት
ተሰካም ናይዚ ኩሉ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ከም ጊልያ ዘገልግል ዘሎ መንእሰይ ነብሱ ካብ ጊልያነት ንምግልጋልን ሕሰም ናብራ ንምቅንጣጥን ዘላቶ ኣማራጺት እግሩ ኣብ ዝመርሓቶ ናብ ስደት እያ። እንተኾነ ግን ኣብ ስደት ሰላም ኣብዝረኸበሉ እዋን እቲ ዝሓለፎ ሕሰምን መከራን ረሲዑ ነቶም ኣብ ጊልያነት ዝገደፎም ብጾቱ ዝገላገልሉ ብልሓት ካብ ምንዳይ ዓዲ ውዒሉ ይርከብ። ካብዞም ኣማኢት ኣሽሓት ዝተሰደዱ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ንመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምስክርነቶም ዝሃቡ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ንዓድና ክንምለስ ንደሊ ኢና እንታይ ኣእተወና ዝብሉ ከም ኡውን ተበዲሎም ከልዉ በዲልና ኢና መቅጻዕቲ ኣብ ዝባንና ኢሎም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ኣብታ ኣስመራ ከይዶም ጥውይ ጥውይ ዝብሉውን ኣይተሳእኑን። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ንለውጢ ዘበግሶ ንስደት ምምራሕ እዩ ዝደፋፍኦ።

ዲያስፖራ/ ደለይቲ ፍትሒ/ ኣብ ስደት ዘለዋ ውድባት( ፓትርትታት)
እዘን ተጠቂሰን ዘለዋ ኣካል ናይቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ጠንቂ ቀጥታዊ ኢድ እኳ ተዘይብለን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኣብ ምእላይ ዝገብሮኦ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ብኢድ ኣዙር ተራ ኣለወን።  ኣባላት እቲ ስርዓት ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ዝጉስጉስሉን ንዓለም ዋጭ ዋጭ ኣብ ዝብሉሉን እዋን ነዚ ናይ ሓሶት ዋጭዋጮም ኣብ ምዕባስ ዝግበር ጻዕርታት ኣዝዩ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዕዮ ገዛና ትዓሞ ኣላ ምባልውን ምግናን ኣይኮነን። ኣዳኸርቲ እቲ ስርዓት ኣብ ኤሮጳን ኣመሪካን ክዕንድሩ ምርኣይ እቲ ስርዓት ዕምሩ ኣብ ምንዋሕ ዓቢ ተራ ኣለዎ።

Workshop 4

ሳዕቤናት ከይዲ ስደት

ሳዕቤናት ከይዲ ስደት ኣብ ሕብረተሰብና ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት የጠቃልል። ኣብዘን ዝሓለፋ 15/16 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ስደት ኤርትራዊ ንኽትኣምኖ ዘጸግምን ኤርትራውነትካ ዘጽልእን ኩናታት እዩ ሓሊፉ። ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ከፊልካ ስግረ-ዶብ ክሳዕ ተዘልዚልካ ውሽጣዊ ኣካላት ተጋሕጊሕካ ምድርባይ ዝተራእየሉ እዋን አዩ።

እቲ መስደመም ከይዲ ኣብ ኤርትራ ዝጅመር ኮይኑ ዶብ ንኽትሰግር ኣሽሓት ከፊልካ ህይወትካ ኣብ ኢድካ ሒዝካያ ምጉዓዝ እዩ። እቶም ብስግረ-ዶብ ናብ ስደት ዘምርሕሑ ከጋጥሞም ዝኺእል ሕማቅ ኩነታት ንምጥቃስ ድራር ጥይት ናይ ኣሃዱ ምክትታል ዶባት ምኻን፣ ወይ ተጨዊኻ ከም ባሮት ምሻጥ ምልዋጥ፣  ብሰራዊት ተታሒዝካ ኣብ ኢድ ሓለፍቲ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ብምውዳቅ  ትሕቲ መሬት፣ ኣብ ኮንተይነራት ምሕያር። ኣብ መገዲ ሊብያ ድማ ኣብ ሃፈጽ ዝብል ምድረበዳ ሰሃራ ህይወቶ ምሕላፍ፣ኣብ  ማእከላይ ባሕሪ ድማ ድራር ዓሳ ኮንካ ምትራፍ።  ኣብ ብሲናይ ዘጋጥሙ ኩነታት ድማ ገዚፍ ገንዘባዊ ጠለብ ካብ ጨወይቲ፣ ምዝልዛል ናውቲ ከብዲ ንምሻጥ፣ ኣብ ዶብ እስራኤል ብሓለዋ ዶብ ምስሪ ምቕታል ኮይኑ ኣብ እስራኤል ከም ስደተኛታት ምዕንጋል ዘይኮነ ከም ዶብ በዘይሕጋዊ መገዲ ዝጠሓሰ ተቆጺርካ ምሕያርን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምጥራዝን የጠቃልሉ።

መፍትሒታቱ

እታ ሓንትን ዘይተማትእን መፍትሒ ንምግታእ ዋሕዚ ኤርትራዊ ናብ ስደት ምልኪ ኣፍሪስካ ሕጊ ምንጋስ እያ። እዚ ከኣ ንውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ግህዶ ይኸውን። እንተኾነ ግን ካብቶም ረቃሒታት ናይቶም ጠንቅታት ተበጊስና ብተናጸል ምቅራፎም ውን ካልእ ኣማራጺ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል። ደረጃ ንቅሓት ሕዝቢ ክብ ብምባል ህዝቢ ወዲብካ ኣንጻር እቲ ዘሎ ምልኪ ምልዕዓል። እዚ ሰራዊት ከምኡውን ዲያስፖራ የጠቃልል።

 ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ምፍሕሓም

ብመርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብ ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝተዋህበ ጸብጻባት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ተቀባልነት ረኺቡ ጉዳይ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ናብ መጋባኣያ ቤት ፍርዲ ሓድነት ኣፍሪቃ ንኽምራሕ ምስ ዝምልከተን ሃገራት ዲምፕሎማሰኛታት ምርኻብ፣ ፐቲሽን ምልኣኽ

 

 

Last modified on Friday, 19 August 2016 11:53