ህግደፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቖነን

2023-06-28 07:35:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 859 times

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ግደ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ዕዙዝ ነይሩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እቲ  ወሳኒ ባእታ ባዕሉ እዩ ነይሩ። እዚ ግን፡ እተን ብሳላ’ቲ ህዝቢ ሰዊደን ኣብ መስርዕ እቲ ቃልሲ ዝተዋሰኣ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ግደ ኣይነበረንን ዘስምዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘይተወደበ ከምዘይዕወት፡ ካብቲ ቅድሚ ምብሳር ብረታዊ  ቃልሲ  ዝነበሮ ተመኩሮ ተገንዚቡ  ውድባቱ ንምሕያል ዘይከፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከኣ ንውድባት “ዘይጥለም” ዝበሎ ሕድሪ ብምስካም እዩ። ካብተን ህዝቢ እምነት ኣንቢሩ ሕድረይ የተግባራ እየን ኢሉ  እምነት ዘንበረለን ውድባት ሓንቲ እታ ብናይ ሎሚ ህግደፍ ዝተተክአት ምንባራ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስና ዝምስክሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንውድባት ኤርትራ ዝሃበን ሕድሪ ዓሚቕን ሰፊሕን ምስጢር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ተናጊፉ ናጽነቱ ንምጉንጻፍን ኣክሊል ሓርነት ንምድፋእን ዘኽእል መሰረታዊ ሕቶይ ይምልሳለይ እየን ካብ ዝብል ዝነቅል እዩ ነይሩ። ህግደፍ ምስ ኩሉቲ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ጉርሕን ተንኮልን ኣብቲ ቅድም ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝፍጽም መሲሉ ቃል ክኣቱ ዓይኑ ኣይሓሰየን። ናጽነት ተረጋጊጹ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ምምላስን ዝዓነወት ሃገር ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝባ ምህናጽ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ ግን፡ ቃል ህግደፍ ብተግባር ዝፍተነሉ ኩነታት ዓይኑ ኣፍጢጡ ተጋህደ። ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዝኣተዎ ሕድሪ ሓርነታዊ መልሲ ክህብ፡ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ኩሉ መሰላት ክጉዕጽጽን ክዓጽፍን ድሕር ኣይበለን። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ነዚ ዘጋጠመ ጥልመት ምእማኑ ዝተጸገሙ ብዙሓት ነይሮም። ደሓር ግና ብህዝቢ ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ክሳብ ምስራዝን ክምረሓሉ እየ ኢሉ ዘጽደቖ ቻርተር ክሳብ ምቕዳድ ምስ በጸሐን፡ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ነይትሓብእ” ከም ዝበሃል፡ ርኡይ ጥልመት ዝያዳ ተቓለዐ።

ህግደፍ መንገዲ ክሕደትን ጥልመትን ዝመረጸ፡ ድሕሪ ናጽነት ብዘማዕበሎ ስሱዕ ባህርይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቅድም ብረቂቕ ተንኮላት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ነባራት ፈለጥቱን ናይ ሽዑ ግዳያትን ሎሚ ምስክርነቶም ዝህብሉ ዘለዉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ህግደፍ ከምቲ ኮይንዎ ዘሎ ጨካንን ሓድገኛን ምዃን ምእማኑ ዘጸገሞም ብናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታቱ ዝተዳህለሉ፡ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ግዜ ምሃቡ ዝመረጹውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ህግደፍ ግና ነቲ ቃሉ ከኽብር ዝተዋህቦ ዕድል ብኣንጻሩ ናይ ጭቆና መሓውሩ ንምድልዳልን ምትራርን እዩ ተጠቒምሉ። መሰረታውን ርትዓውን ሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ናብ ሕቶ ንዘቕረቡ ዜጋታት ከም ገበነኛ ቆጺርካ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ምሕቃቕን ክሰግር እውን ግዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ዘገርም ህግደፍ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ድሕሪ ናጽነት ምሉእ ዘይጉዱል ሰላም፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ዝተጸበየን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ርኡይ ገበናቱ ዝተወሰኑ ዘጣቕዕሉ ግሩሃት ምርካቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣገራሚ ተርእዮ ኮይኑ ቀጺሉ ዘሎ እዩ። በዚ ኩነታት ናይ ዝተገረሙ እሞ “ኤርትራውያንሲ ስለምንታይ እዮም ኣብ ጓይላታት ናይቲ መወዳደሪ ዘይብሉ በዳሊኦም ጉጅለ ከይዶም ዝስስዑ?” ኢሎም ንዝሓቱ ናይ ፖለቲካዊ ሳይነስ ተመራመርቲ ምላሽ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። ነዚ ተዓዚቦም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ ተቓሊሱኳ ክስዕሮ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰለምንታይከ “ንበረልና ይብሎ” ዝብሉ  ተዓዘብቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ቁምነገር ግና መግለጽን መርኣያን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓሚቕ ግንዛበ ናይቶም ውሑዳት  ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝበዝሐ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፉ  ዘሎ ሕራነ እዩ።

ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ጠላም መንገዲ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣልሞም ተንኮላት ብዙሓት እዮም። እቲ መሰረታዊ መርሆኡ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምድኻም ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝጻረሮ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝተፋነን ምግባሩ እዩ። ነዚ ንምትግባር በብግዜኡ ዝፍሕሶም ተንኮላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከኣ ተቓዋምን ደጋፍን ተበሃሂሉ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ከይተረፈ ከም ዝጋጮ’ሞ፡ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል፡ ሓድነት ህዝቢ ከይዓጠጦን እምነትን ፖለቲካዊ ምሕደራን ደባሊቑ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕድል እዩ።  እዚ ህግደፍ ዝዕንገለሉ ምርሕሓቕ ህዝቢ፡ ኣጋጣምታት ዝኽሪ ናጽነትን ሰማእታትን መዝሚዝካ ብዝካየድ ዳንኬራታት ዝንጸባረቕ እዩ። ወዮም ደገፍቲ ህግደፍ  ኢና በሃልቲ ኣይተሰወጦምን እምበር፡ ህግደፍ ዝምረሓሉ ፖሊሲ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ” ስለ ዝኾነ ግዜ እናጽነዐ ከም ዘረኻኽበሎም ኣይረስዑ። ሰለዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ህግደፍ ነናብ ዝዀዓቶ ህጉም ካብ ምእታው ክዕቀብ ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ በደላት ምዝርዛር ስለ ዘጸግም “ኩሉ መሰላት ዝተነፈጎ ህዝቢ እዩ” ምባሉ ገላጺ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ምዕቡል ዘመን፡ ካልእ ይጽናሕሞ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ኢንተርኔት፡ ኣገልግሎት ባንክን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ቀረባት ምርካብ ንህዝቢ ኤርትራ “ብርቂ” ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ወዮ ካብዚ ኩሉ ሕጽረታትን ጸገማት መዋጽኦ ንምርካብ ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክቱር መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀቱ ንምርኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ተበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኣበይ ኣላ?፡ ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ፋብሪካ ጥርሙዝ ነይሩ፡ ሎሚ ኣበይ ኣሎ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ መወዳድርቲ ኣይነበሮን፡ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ቆርበት መዘና ኣይነበሮን፡ ሎሚኸ ኣብይ ኣሎ?፡ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሺሕ ቶን ዓሳ ምግፋፍ ዘኽእል ሃብቲ ኣለና፡ እንተኾነ 10% እውን ኣይተጠቐምናሉን፡ ካብቲ እነምህሮ መንእሰይ 85% ኣበይ ከም ዝኣቱ ኣይንፈልጥን፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ካብ ዓቢ ፋብሪካ ዝውንን ጤለበጊዕ ዝጓሲ ዝሕሸላ ሃገር እያ …….ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ኣካይድኡ ክሳብ ክንደይ ግምጥልሽን ኣሽካዕላልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ካልእ ዘስደምም ከኣ ነዚ ኣሽካዕላል ሰሚዖም ኣብ ክንዲ ዘስተንትኑ ዘጣቕዑ ምህላዎም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተግባራቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንህግደፍ ምእማን ካብ ማይ ምሕቋን ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡  እቲ መዋጸኦ ኣብ ክንዲ ትንፋስ ትዘርኣሉ ብሓባር ተቓሊስካ ምውጋዱ ጥራይ እዩ።

Last modified on Wednesday, 28 June 2023 09:38