መገዲ ዓድና᎓ብኸመይ ንኸዶ?

2016-08-22 05:35:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 6466 times

ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ

(ቃለ-ጉባኤ፡ ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)

መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ

ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ

ጫፉ ኣብጽሓኒ፡

ልበይ ተተርኢሱ ኣብ ተስፋን ኣብ ሕልምን

ዝናብ ናይ ወጋሕታ ጕዕዞ ኣይክልክለንን

(…)

ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ

ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ

ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ

መገዲ ዓድና፡ ሰደና ሰደና

ቀለም ዘይሓለፎ፡ ብርዒ ዘይተንከፎ

ብኢድና ክንጽሕፎ።

(…)

ዓደየ ዓደየ ዓደይ ብምልእታ

ምዕርዕር ዝበለት ወለላ ወለላ

 ሃገረይ ወለላ …

 

እዘን ከም መእተዊ ተጠቒመለን ዘለኹ መስመራት ካብታ ብስሙይ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም ዝተደርሰት: “መገዲ ዓድና” ዘርእስታ ግጥሚ ዝተወስዳ ኰይነን: ኣብ ግንቦት 2009 በቲ ህቡብ ድምጻዊ ተመስገን ያረድ ብዝምስጥ ዜማን ወኒ ብዘላዓዕል ሙዚቃን ተሰንየን ዝተደርፋ ኢየን። ኣርእስታን መልእኽታን ከም ዝእምቶ: ቀንዲ ሓይሊ ናይታ ግጥሚ: ነቲ ዘሎ ኵነታት ሃገርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕድሕድ ምርሕሓቓቕን ኣብ ስደት ምንባርን ከም ውሁብ ብምውሳድ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሰሪጹ ዝርከብ ዓሚቚ ናይ ናፍቖት ስምዒት ተንኪፋ ወይ ኣለዓዒላ ናብ ዓዱ ንኽምለስ ንዘለዎ ናይ ወትሩ ድልየት ስለእተተባብዕን ተስፋ እትህብን ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ነተን “መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ/ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ” ዝብላ መስመራት ብምሳሌያዊ ዓይኒ ምስእተንብበን ወይ ምስእተስተማቕረን: እቲ መገዲ ክኽየድ ዝከኣል ምዃኑ ዝሕብራ ጥራሕ ዘይኰናስ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ሽግራትን ቃልሲን ዝተራእየሉ፡ ኣሽሓት ሓርበኛታት ዝሓለፉሉ፡ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ መገዲ ክሓጽር እውን ከምዝኽል የተስፍዋ።  እታ ግጥሚ እተሰከመቶ ካልእ ረቂቕ መልእኽቲ እውን ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብተን “ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ/ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ/ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ገዛእቱ ከምዋዛ ንእግረ-መገዶም ከማሓድሩዎ ዘየፍቅድ: ወይ’ውን ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ወሰናስን ኰይኑ ከም ተራ ሓላፍ-መገዲ ዝዕዘብ ከምዘይኰነ፣ የግዳስ ባዕሉ ወናኒን ተጓዓዚን ናይቲ መገዲ ምዃኑ ዝሕብራ ሓያላት መስመራት ተቐሊሙ ይርከብ።

Ghirmai Negash Festival 2016 15

ኣብ ናይ ሎሚ፡ “መገዲ ዓዲና፡ ብኸመይ ንኸዶ?” ዘርእስቱ ቃለ-ጉባኤ:  ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ብብሉጽ ቋንቋ ዝተቐለመ ናይ ገጣማይ ብሩህ ስእሊ ከም መእተዊ ብምውሳድ: እቲ ኩላትና ክንከዶ እንሓልሞ  ‘ናብ ኤርትራ ዝወስድ መገዲ መዓስን ብኸመይን ወይ’ውን እንታይ ምስ እንገብር ኢና ክንከዶ እንኽእል?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ሓደ-ሓደ ሓሳባት ምሳኻትኩም ክካፈል ክፍትን’የ። ከምዝፍለጥ: ኣብዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ብፖለቲካዊ ጸቕጢ: ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰል: ድኽነትን ስደትን ዝልለ ዘመን: እቲ ነታ ሃገር ካብቶም ዘጋጥሙዋ ዘሎዉ ሽግራትን ብድሆታትን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ክውንነት ንምምላሳ ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ክኽውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ግድላት ዓበይትን ጽንኩራትን ብምዃኖም: እቲ ነቲ ኵነታት ንምቕያርን ንምዕራይን ዝግበር ናይ ቃልሲ ጒዕዞ እውን ብኡ መጠን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦ ክኽውን ግድን’ዩ። ይዅን’ምበር: ነቲ ናብ ዓዲና ዘምልስ መገዲ ዓወት: ነቲ ንህዝቢና ተሓሪሙዎ ዘሎ መሰልን ክብርን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ናይ ቃልሲ መገዲ: ብሓጺሩ ከምቲ ገጣማይ ዝበሎ “ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ምዃንና ኣሚንና: ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ብሄርን ወገንን ኵላትና ብሓባር ንምጽራጉ ምስእንጽዕር: እቲ መገዲ ክምዕረ እቲ ጕዕዞ’ውን ክሓጽር ይኽእል’ዩ። እዚ ኰይኑ: እቶም ኣብዚ ሰዓት’ዚ ነቲ ናይ ዓወት መገዲ ዝሓልኵዎ መስናኽላት እንታይ-እንታይ ኢዮም? እቶም ክግጠሙን ክፍትሑን ዘሎዎም ቀንዲ ሽግራት ኤርትራን ህዝባን ኣየኖት’ዮም ዝብሉ? ሕቶታት ምልዓል ኣገዳሲ ኢዩ።

Ghirmai Negash Festival 2016 7

 

       ብርእይቶይ: ህዝቢ ኤርትራ ናብ ንቡር መነባብሮ መታን ክምለስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ስራሕ ዕዉት ኣስተዋጽኦ ክህሉዎ እንተድኣኰይኑ: እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ጉዳያት ከም ቀንዲ ኣተኵሮ ናይቲ ቃልሲ ተወሲዶም ንምፍታሖም ቀጻሊን ሓባራዊ ጻዕሪን ምስዝግበረሎምን ኢዩ እብል።    

1. ጉዳይ ናጻ ፕረስ፤ ከምቲ ኣብ 1992 ኣብ ከተማ ኣስመራ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” ኣብ ትሕቲ ዘርእስቱ ዘቕረብኩዎ መደረ ኣልዒለዮን ተላብየዮን ዝነበርኩ: ህላወ ናጻ ፕረስን ድርሰታዊ ናጽነት ብሓፈሻኡን ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ሃገር መሰረታዊ ኢዩ። ዝሓለፈ ናይ 25 ዓመት ተመኵሮ ኤርትራ ብፍላይ ንጋዜጠኛታትን ደረስቲን ጥጡሕ ኣይነበረን። እቲ PEN-Eritrea ዝብሃል ንመሰል ጋዜጠኛታትን ደረስቲን ንምክልኻል ዝነጥፍ ማሕበር ሰኒዱዎ ከም ዘሎ: ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ማዕረ 17 ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ተቐይዶም ይርከቡ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባኦም ክዛረብ ድሉዊ እኳ እንተዘይኰነ: ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝሕብሩዎ ግን መብዛሕቶም ብህይወት ከምዘየለዉ ይዝረብ። ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ተስዓታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ፍቓድ ምስ ተኣወጀ ክነጥፉ ዝጀመሩ ኢዮም ነይሮም። ኣብ 2001:  እቲ ብጕጅለ-15 ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተጀመረ: እቲ ብእንኮ መንግስታዊ ልሳን ጥራይ ምዝራብ ዝለመደ ፖለቲካዊ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ: ነተን ናጻ ጋዜጣታት ዓጽዩ ነቶም ጋዜጠኛታት ብዘይ ግሉጽ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕ ቤት-ፍርድን ኣሲሩዎም። እዚን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ተኣኻኺቦም ንኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍአ ምሕደራ ናጻ ፕረስ ዘለዋ፡ ወይ’ውን ብሳንሱርን ብምእሳር ጋዜጠኛታታን እትልለ ዝሓሰመት ሃገር ኰይና ከምትፍለጥ ገይሩዋ ኣሎ።  ክንዮ ሕማቕ ስም ምርካብን እቲ ኣብ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ስቅያትን ጥፍኣትን ግና: ኣድላይነት ናጻ ፕረስ ንሓዋሩ: ንናይ ፕሮፓጋንዳን: ድንቍርና ዘበግሶ ናይ ሕሱር ቤላ-በለው ልምዲን ስዒርካ: ኣብ ጭቡጥን ግሉጽነት ዘለዎን ሓበሬታ ተመርኲስካ ደሞክራስያዊን ጥዑይን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ብምዃኑ: ህዝቢን ናይ ፖለቲካ ሓይልታትን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ብዘይ ወዓል-ሕደር ክቃለስሉ ይግባእ።

Ghirmai Negash Festival 2016 14

2. ጉዳይ ሃገራዊ ቅዋም፤ ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ-መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ተዘሪቡ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ መሪሕነታቱን ብዛዕባኡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታትን መርገጺታትን ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ: “ባዕላ መውጽኢት ደርፊ: ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”ከምዝብሃል: ነቲ ባዕሉ ዘበገሶ: ህዝቢን ምሁራትን ተጋደልቲ ካድረታትን ከኣ ዝደኸምሉ ሕገ-መንግስቲ:  ኣብ መወዳእታ ብግብሪ ኣየድልን’ዩ ኢሉ ደርብዩዎ። ብወገን ሓይልታት ተቓውሞ ሰለስተ ርእይቶታት ኣሎ። ገሊኦም እቲ ቅዋም ፍጹም ስለዝዀነ ከምዘለዎ ይተግበር ይብሉ። ገሊኦም ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተቐለሰ ዝንቡዕ ሰነድ ስለዝዀነ ኣይንቕበሎን ኢና ይብሉ። ገሊኦም ከኣ: ዕቃበታት እኳ እንተሃለዎም: ነቲ ሕጽረታቱ ኣመሓዪሽካ ከም መበገሲ ምውሳዱ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለዎም። ብወገነይ ምስዚ ዳሕረዋይ ርእይቶ እሰማማዕ።  እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ጽሑፍ ብሰፊሑ ከምዝገለጽኩዎ: እቲ ቅዋም ምምሕያሻት ክግበረሉ እንከሎ ሕመረት ናይቶም ዝትግበሩ መአረምታታት ኣብቶም ንታሪኽን እምነታትን ልቦናን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ሕግታት እንዳባ ዝተመርኰሱ ክዀኑ የድሊ እብል።

3.ብዛዕባ ምትሕብባር በርጌሳውያን ማሕበራት፤ ብፍላይ ኣብዝሓለፉዓሰርተዓመታትበብዅርናዑዝፈለቓ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝጣብቓን ንጣበቕ ኢና ዝብላን በርጌሳውያን ማሕበራትኤርትራብዙሓትየን።ኣበርክቶናይመብዛሕተን ኣመና ዕዙዝ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ንኽፍኣታት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምቅላዕን ብኣህጉራዊ ደረጃ ዕቃቤታት ንኽግበረሉን ተገይሩ ዘሎ ስራሓት፡ ድምር ውጽኢት ናይ ኵላተን ጻዕሪ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እተን ማሕበራት ምእኩል ምትሕብባርን ናይ ብሓባር ምስራሕ ቅሩብነትን ከምቲ ዝድለ ኣይርአን። ሓሓሊፉ’ውን ብተናጽል ምስራሕ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣብ መንጎ ውልቀሰባት መራሕቲ ናይተን ማሕበራት ጥራሕ ዘይኰነስ: እቲ ኣሉታውነቱ ናብ ህዝቢ ዘሪቝ: ነቲ ዕቝር ሓይሊ ዜጋታት ብምድኻም፡ እምነት ምጕዳልን ተስፋ ምቝራጽን ክፈጥር ይርአ። ብደገ ንዝዕዘብ: ኣብ መንጎ መብዛሕተን እተን በርጌሳውያን ማሕበራት ጐሊሑ ዝርአ መሰረታዊ ናይ ዕላማ ፍልልያት የለን። እንተሃልዩ: ንኣሽቱ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባባት ዝፈጠሮ ፍልልይ ይመስል። ሰኣን ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕን ግን ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ይኸስራ ከም ዘለዋ ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ፍልልያት እንተቐጺሉ ድምራቱ ንዕድመ ስርዓት ኣስመራ ናይ ምንዋሑ ዕድል ዘስፍሕ ክኽውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ እቲ መገዲ ዓወት መታን ክሓጽር ኲላተን እተን ማሕበራት ፍልልያተን ኣጽቢበን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማታት ብምትኳር ተሓባቢረን ክሰርሓ የድልየን። እዚ ክውን ንምግባር ከኣ ኲሎም ኣብ ውሽጠን ኰይኖም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣባላት እተን ማሕበራትን: ብሓፈሻኡ ኣባላት ሕብረተሰብን ነተን ማሕበራት ከተባብዕወን: ኣድላዪ ምስዝኸውን እውን: ተጽዕኖ ክገብሩለን ከድሊ ኢዩ።  

4. ብዛዕባ ኣገዳስነት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” (Decolonization of the Mind) ኣብ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤  ብዛዕባ “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” ከም ፍልስፍናዊ ኣምር ንምብራህን ኣገዳስነቱ ኣብ ኤርትራ ንምግላጽን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ዕማም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣምር’ዚ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ክለሰ-ሓሳባዊ ምርምር እንተ ኣቲና: እዚ ፍልስፍና’ዚ ንፈለማ ግዜ ብኬንያዊ ደራሲ ንጉጊ ዋቲያንጎ ኣብታ Decolonizing the Mind (ማለት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” እትብል መጽሓፉ) ዝተበገሰ’ዩ። ቀንዲ ኣተኵሮ ትንተና ንጉጊ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣብ ኣፍሪቃን ኣገባባት መግዛእቲን ኢዩ። ብርግጽ እቲ ንኣፍሪቃውያን ቀንዲ ክግዝኡን ክንብርከኹን ዝገበረ ሓይሊ ወተሃደራዊ: ፖለቲካዊ: ምጣነ-ሃብታዊ ሓይሊ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ምዃኑ ኣጸቢቑ የብርህ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዓመጻት’ዚ: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ነቲ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዝገበሩዎ ካልኦት ረቛሒታት’ውን ነይሮም ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ንቋንቋታት ኣፍሪቃ ኣዕኒኻ ብኤውሮጳዊ ቋንቋታት ምትካእ፣ ንያታዊ ባህሊ ኣፍሪቃ ከም ድሑርን ዘይጠቅምን ጌርካ ብምንሻው: ኣፍሪቃውያን: ልዕሊ ናቶም: ንኤውሮጳዊ ባህሊ ከምዘኽብሩ ምግባር፣ ንያታዊ ፍልጠት (ንኣብነት ከም ኣብ ሕጊ እንዳባ  ኤርትራ ተዓቚሩ ዝርከብ ልቦናን ፍልጠትን) ምቍንጻቡን ምብታኑን: ነዚ ትምህርቲ’ዚ ድሕሪ ምብታን ከኣ ብሓድሽ ኤውሮጳዊ ትምህርቲ ምትካኡ ዝብሉ የጠቓልሉ። እምበኣር: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ዝተገዝአ ህዝቢ ብኽልተ ሸነኽ’ዩ ዝህሰ። ቀዳማይ ግሁድ ኣካላዊ መግዛእቲ የጋጥሞ፣ ናይ ካልእ ሃገር ግዙእ ይኸውን። ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ መግዛእቲ ናይ ዝፈጥሮ ናይ ኣተሓሳስባ ግዙእ ይኸውን፣ ብሕቡእ “ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ” ይሳቐ። ‘ናይ ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ ግዙእ ምዃን’ከ እንታይ ማለት’ዩ?’ ናይ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ግዙእ ምዃን ማለት ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእካ ናጽነት ምስ ተጐናጸፍካ እቲ ሓድሽ እትሃንጾ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብናጻን መበቈላዊ ኣተሓሳስባን ዝህነጽ: ልክዕ ከምቲ ገዛእቲ ዘመሓድሩኻ ዝነበሩ ትሕዝቶን ቅርጺን ምምሕዳሮም ብምውራስ ወይ ብምቕዳሕ ነቲ ሕብረተሰብ ከም ገዛእቲ ኴንካ ምምሕዳር ማለት’ዩ። ውጽኢት ወይ ነጸብረቕታ ናይዚ ብሓጺሩ ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ: ማለት ተርእዮ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ዝፈጥሮ ሽግር: ኣብ ክውንነት ኤርትራን ዜጋታታን ብኸመይ ይገሃድ ወይ ኣብ ምንታይን-እንታይን ይንጸባረቕ (ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ) ኢለ ክሓስብ ከለኹ ድማ: እቲ ሽግራት ብፍላይ ኣብዘን ዝስዕባ ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ ነጥብታት ዝግሃድ ዘሎ ይመስለኒ።

Ghirmai Negash Festival 2016 9

(ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ኣብ ዝግበር ክትዕ ሓደ ካብቶም ቀንዲ እዋናውያን ኣካታዕቲ ነጥብታት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ዘሎዎ ወይ ክህሉዎ ንዘሎዎ ዝምድና ዝምልከት ኢዩ። እዚ ነጥብ’ዚ ኣካታዒ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ እቲ ክህሉ ዘለዎ ዝምድና:  ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ: ብሩህ ርድኢት ብዘይምህላው ኢዩ። ብፍላይ እቲ ኣብዚ መዳይዚ ዝፍጠር ምድንጋራት ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደውላ (state) መንግስቲን (government) ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውድብን (ፖለቲካዊ ማሕበር ወይ ፓርቲ) ዘለዉ ፍልልያትን ርክባትን ብንጹር ፈላሊኻ ክትርእዮም ካብ ዘይምኽኣል ዝነቅል ኢዩ። ከም ግቡእ እቲ ደውላ (state) ዝብል ኣምር ኣርባዕተ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ማለት “ደውላ” ህዝቢ ዶባት፡ ምምሕዳርን ልዑላውነት ሃገርን ዝሓቍፍ ኣምር ኢዩ። ብኣንጻሩ: መንግስቲ ክብሃል እንከሎ ነቲ ኣካላት ናይ ደውላ (ማለት ህዝቢ፡ ትካላት፡ ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር) ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተመዘዘ ወይ’ውን ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውዳቤ ወይ መዋቕር ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ መንግስቲ ኣገልጋሊ ሃገርን ህዝቢን ደኣ’ምበር ጐይታ ህዝቢ ወይ ጐይታ ሃገር ኣይኰነን። ኣብ መንጐ ሃገርን መንግስቲን ካልኦት ፍልልያት እውን ኣለዉ። እዚ ድማ ሃገር፡ መሬትን ህዝቢን ክሳብ ዘለዉ ነባሪ’ዩ፣ እቲ ዝለዓለ ናይ ሃገር ትካል ከኣ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ኢዩ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ነባሪ ኣይኰነን፣ ዝመጽእን ዝኸይድን ኢዩ።  ቅድሚ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ናተይ ዝብሎም መንግስቲን ሃገርን ስለዘይጸንሑዎን: ተደራራቢ ሕማቕ ተመኵሮ መግዛእታዊ ሓይልታት ስለዘሰንበሮን:  ከምኡ’ውን ግቡእ ምእላይን ምንቕቓሕን ስለዘይተግብረሉን: ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ርክባትን ፍልልያትን ኣምራት ሃገርን መንግስቲን  ግቡእ ርድኢት የለን። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኴንካ ነቲ መንግስቲ ክትነቅፍ ምስ እትፍትን ገለ ሸነኻት ናይቲ ህዝቢ ንህላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ትቃወም ዘሎኻ ይመስሎም፣ ገሊኡ ሸነኻት ከኣ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራን ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ኣሚንካን ኣኽቢርካን ሕቶ ዶብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ደው እንተበልካ ንመንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ትሕለቐ ዘሎኻ ይመስሎ። እዚ ኵነታት’ዚ ኣብ ግቡእ ኣረዳድኣ ተመርኲስካ እዚ እንተበልኩ ከምዚ ክብሉኒ ኢዮም እቲ እንተበልኩ ከኣ ከምቲ ከይብሉኒ (ከይብሉና) ከይበልካ ብኽፉት ኣእሙሮ ተሓሲቡሉ ክውገድ ዝግብኦ ዓቢ ሽግር ኢዩ።

(ለ)ናይ ጸግዒ ምድላይ ባህሊ፤ ካልእ ንናጻ ነቐፌታን ኣተሓሳስባን ዓንቃፊ ኰይኑ ዘሎ ረቛሒ ኣብ ኤርትራ ናይ “ጸግዒ ምድላይ ባህሊ” ዓብላሊ ብምዃኑ ኢዩ።  ካብኡ ወጺእካ: ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዝካ ንመንግስቲ ዝግበር ነቐፌታ ብመሰረቱ በቲ መንግስቲ ቦታ ስለ ዘይወሃቦን ንመንግስቲን ሃገርን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ንቕሓት ስለዘይማዕበለን ብቕጽበት ከም ጸላኢ ሃገር የቚጽረካ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ሃዋህው ከኣ እቲ ዝነቅፍ ጸግዒ ዝሕዝ ይመስል’ሞ እቲ ርእይቶ ናጻ ኣይኰነን ተባሂሉ ይንቀፍ። ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ናጻ ኴንካ ርእይቶ ንምሃብ ዘኽእል ባይታ ጸቢብ ስለዝዀነ እምበኣር እዚ ሽግር’ዚ እውን ብሓባር ፍታሕ ክርከበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።   

(ሐ)ባህሊ ፍርሒን ዘይምትእምማንን፤ ብመሰረቱ ካብቲ ጎነጻዊ ብረታዊ ቃልሲን ጽኑሕ ዘይደሞክራሲያዊ ልምድታቱን  ዝተበገሰ: ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ናይ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ናብቲ ህዝቢ ስለ ዝዘረቘን ኣካል እቲ ዕለታዊ ህይወት እናዀነ ስለ ዝመጸን ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳያት ምጥማት እቲ ህዝቢ ንሓድሕድካ ኣብ ምቅንናእን ምትሕንዃልን የዘንብል ኣሎ። ብፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝግዛእ ሕብረተሰብ ናጻ ክወጽእ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዓቢ ሕቶ ግን ፍርሒ ከመይ ጌርካ ይሰዓር? ዘይምትእምማን ከመይ ጌርካ ይስገር? ዝብል ኢዩ። ብዝመስለኒ ንፍርሒ ክትምክቶ እንተዀንካ እቲ ፈለማ ክለዓል ዘለዎ ስለምንታይ እፈርሕ ኣለኹ ዝብል ሕቶ ንኣእምሮኻ ምሕታትን በቲ ሕቶታት ኣቢልካ ከኣ ን”ስነ-ኣእምራዊ ሓርነትካ” ወይ ናጽነትካ ክውን ንኽትገብር ብምፍታን’ዩ። ንዘይምትእምማን ንምስዓር እውን ከምኡ ተመሳሳሊ ናይ ነፍሰ-ፍተሻን ምምኻርን ባህሊ ምምዕባል የድሊ።

(መ) ኤርትራዊ ፍሉይነት (“Eritrean Exceptionalism”) ብዘይ ጥርጥር: እቲ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመኵሮኡ ንህዝቢ ኤርትራ መለለዪኡ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ኤርትራውያን ካብ ህዝቦም ዝበልጹ ንዅሉ ዝኽእሉ ኵላቶም ንፉዓት ኣበር ዘይብሎም ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ስለዚ እዚ “ንሕና እኮ ከምዚ ኢና፣ እዚ ንገብር፣ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብረና ነገር ኣሎ፣ ለመንቲ ኣይኰናን፣ መልክዕና እውን ፍሉይ’ዩ፣ ጸለምቲ ኣይኰናን ወዘተ.” ዝብል ዓሌታውን ተጃሃሪን ባህሊ ኣብ ድንቍርና ዝተመርኰስ ስለዝዀነ ኣብዚ መዳይዚ እውን ኤርትራውያን ዓቢ ናይ ነብሲኻን እንታይነትካን ምፍላጥ ስራሕ (soul searching) ከድልየና ኢዩ። ኤርትራውያን ፍሉይ ባህልን ታሪኽን ደኣምበር ካብ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ዝበልጽ ኰነ ዝኸፍእ ባህሊ ከምዘይብልና ክንፈልጦ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ሓቂ ክንኣምነሉ ይግባእ። እቲ “ንሕናኮ ፍሉያት ኢና” ዝብል ዓሌታውን ጸቢብን ኣተሓሳስባ ንሕና ከም ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ጽቡቕን ድኹምን ሸነኻት ኣለና ናብ ዝብል ብሱል ኣተሓሳስባ ክንቅይሮ ምጽዓር ይግባእ። እዚ ኣተሓሳስባኻ ናይ ምዕራይ ወይ ምትዕርራይ ፕሮጀክት’ዚ ነዚ ህልዊ ትውልዲ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን። ነቲ ሓድሽ ኤርትራዊ ትውልዲ በዚ ጥዑይ ኣተሓሳስባዚ ክንምልምሎ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጸቢብን ብዱዕን ኣተሓሳስባ ሓራ ወጺኡ፡ ጥዑይ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ዜጋ ኰይኑ ከም ዝዓቢ ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።

(ሰ) እንታይነት ኤርትራውያን ብዝምልከት፤ ሃገራዊ መንነት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኽልተ ተጻረርቲ ርድኢታት ዝተዓብለለ ይመስለኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራዊ ምዃን ንዅሉ ኤትኒካውን ሃይማኖታዊን ፍልልይ ቀቢርካ “ኤርትራዊ” ዝብል ጥራይ መንነት ምሓዝ’ዩ ዘድሊ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። በቲ ኣንጻሩ ከኣ ነቲ ኤትኒካውን ሃይማኖታውን: ሓሓሊፉ እውን ኣውራጃዊ: ፍልልያት ከም መሰረታዊ ረቛሒ መንነት ገይሩ ዝርኢ ጥሩፍ ዝንባለ ኣሎ። ብርእይቶይ: እዚ ኣብ ክልተ ዝተወጠረ ርድኢት (binary thinking) ውጽኢት ናይ ሃካይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ምኽንያቱ ብሓቂ እንተመርሚርካዮ ኤትኒካዊን ሃይማኖታውን መንነት ምስ ሃገራዊ መንነት ተጋራጫዊ ክኸውን ግድን ኣይኰነን። ከም ውልቀሰብ ወይ ከም ሕብረተሰብ ግቡእ ኣተኣላልያ እንተጌርካሎም ብሓደ ዝኸዱ ወይ ክኸዱ ዝኽእሉ ኢዮም። ካብኡ ሓሊፍካ’ውን: ንኣብነት ብሄረ ትግርኛ ወይ ብሄረ ትግረ ወይ ናራ ኴንካ: ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ: ወይ ኤርትራዊ-ጀርመናዊ፡ ወይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ወዘተ. ምዃን ቅቡል መንነት ክኸውን ይግባእ። እዚ ኵሉ መታን ክከኣል ግን ናይ ወዲ ሰብ መንነት “ፍጹም” ወይ “ዕጹው” ዘይኰነስ፣ ጽንኵር ክፉት ምስ ግዜ ዝምዕበል ተርእዮ ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ። 

Ghirmai Negash Festival 2016 12

 

6. ብዛዕባ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ኣብ ትምህርቲን ስራሕን ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ገጢመሞ ዘሎዉ ዓበይቲ ግድላት ናይ (ሓደሽቲ) ስደተኛታት ዋሕዚ ናብ ኤውሮጳ: ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኢዩ። “ከመይ ጌርካ ይሕገዙ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ይርከብ። እቲ መሰረታዊ ክግበር ዝከኣልን ዝግበኦን ተግባር እቶም ስደኛታት በቶም ሃገራት ዕላዊ ዑቕባ ንኽዋሃቦም በብኽእለትካ ምጥባቕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ: እዚ እኩብን ሓያልን ዓቕሚ ሰብ’ዚ ኣብ ዘለዎ ሃገር ዘይሩ ዘይሩ እውን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምእንቲ ክህሉዎ: ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ትምህርቲ ንኽረክብ ናይ ሓባር ደገፈን ምትሕብባርን ክግበረሉ ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ቀዳሞት ዝበሉዎ “ዘይተወቕረ ነየጥሕን፣ ዘይተማህረ ነየድሕን” ስለዝዀነ ብሱልን ምሁርን ሓይሊ ከይመልመልካ ሃገር ክህነጽ ስለዘይከኣል: ነዚ ነጥቢ’ዚ ኵላትና ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዝግበኣና ኢዩ።

7. ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን፤ ዘረባ ኣብ ምድምዳመይ: ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን ቍሩብ ክዛረብ እደሊ።ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሲን ኣብ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሓጎጽጎጽን፡ ኣብ መንጎ ደቂ-ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝቐሓረ ልብታትን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ነዚ ቅሑር ልብታት ኣተዓሪቕካ ነቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ካብቲ ዘለዉዎ ቅልውላው ንምድሓን ዕርቂን ይቕረ ዝብል ባህሊን ይሓትት። ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣበየ ከባቢኡን ብሄራቱን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ናይ ምፍታሕ ውሽጣዊ ኣገባባት ስለ ዘለውዎ፡ ናብ ነብሲና ተመሊስና ምልላዮም ክሓተና ኢዩ። ማሕበራዊን ሃገራዊን ዕርቂ: ከም መሰረታዊ መትከል ብምውሳድ: ንሓድሕዳዊ በደላትና ይቕረ ክንበሃሃል ምስእንኽእል ጥራሕ ኢና ድማ ሓቢርና ንዘሎን ብሕጂ ክመጽእ ንዝኽእልን ናይ ደገን ውሽጢን ዓመጻትን ብድሆታትን ክንስዕር እንኽእል። እንተዀነ፡ ዕርቂን ሰላምን ብኣፍ ስለ ዝተዛረብካሉ ጥራሕ ኣይርከብን’ዩ። ናይ ዕርቂን ሰላምን መንፈስ ኣብ ሕብረተሰብ መታን ክሰፍን፡ ብመሰረቱ ኣብቲ ሕብረተሰብ (ኣብ ዘለዎ ሃልዩ) ካብ ናይ ሓድሕድ ምክብባር ዝምንጩ፡ ምትእምማንን ምትሕልላይን ዝመሰረቱ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባር ድሌት ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ዕርቂን ይቕረ-ምብህሃልን መስርሓት ንበዳሊ ጌጋኡ ዘእርም፡ ንዝገፍዐ ብሕጊ ዘቕጽዕ፡ ንተበዳሊ ድማ መሰሉ ዘርክብ ክኸውን ኣለዎ። ብፖለቲካዊ ደረጃ፡ እቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ሓይልታት ደሞክራሲን ዘሎ መሰረታዊ ግርጭት ብዝተኻእለ መጠን፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ደማዊ ኣገባብ ክዛዘም ይምረጽ። እዚ መታን ክኸውን ግን እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ክሕይሉን ነቲ ዝጽበዮም ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ካብ ሕጂ ብሓላፍነት ክዳለዉሉን ከድሊ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምሕያል ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ማለት፡ ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንንኣሽቱ ፍልልያትካ ወጊድካ ወይ ሕድገታት ጌርካ ኣብ መሰረታዊ ስትራተጃዊ ጉዳያት ምትኳር ማለት ኢዩ። ነዚ ሃገራዊ ጻውዒት’ዚ ንምትግባር ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ንረብሓታቶም ዝውክልን፡ ኵለ-ሓቈፋዊ ፖለቲካዊ መዋቕር ምምዕባል ይሓትት። ነዚ ንብሎ ዘለና መገዲ ዓድና ብሰላም ክንከዶን ብኣጋኡ ክንበጽሖን መታን ግና፡ ብመሰረቱ፡ ኵላትና ተጸበይቲ ፍታሕ ዘይኰን’ናስ ‘ንሕና ቀየስቲ መገዲ፡ ንሕና ባዕልና እቲ መገዲ’ ምዃንና ኣሚንና ብሓባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ክድልየና ኢዩ።

About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Last modified on Monday, 22 August 2016 07:53