×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 21
JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቕምቲ 2014 ን2 ጉባኤኡ ብሓደ ወገን፣

1.    ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቅ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ፣

2.   እቶም ኣብ ሃገሮም ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

3.   ከም ሳዕቤኑውን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦምውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

4.   ኮታስ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

5.   ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስነ ስርዓት ቐብሪ ስዉእ ሃገራዊ ተቃላሳይ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ይካየድ ምህላዉ ገምጊሙ::

ብኻልእ ወገን ድማ እውን ጉባኤ

1.    ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዲያስጶራ ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ሃገራውነትን ሓልፍነታውን ብብዝኾነ ጥቁው መልክዕ ብዝሓዘ ኣገባብ ተቀልቂሉ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

2.    እቲ ዓሚ ኣብ 23 ጥሪ 2013 መስዋእቲ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ወዲ ዓሊን ማእሰርቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ተቃለስትን ዘስዓበ ብጠለብ ትግባረ ቅዋም ሃገርን ምፍታሕ ሃገራውያን ፖለቲካውያን እሱራትን ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጻውዕት፣ ብቅሉዕ ዝኾነ ብናይ ሃይማኖታት መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ጽሑፋዊ ሰነዳትን ናይ ሰራዊት እምቢታ ዘይተደልየ ምኽታትን ተሰንዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ተደረዐ መጺኡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣብ ፍጹም ሸቀልቀል ኣብጺሕዎ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ገምጊሙ:: 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተበገሰ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ በርገን ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ተጋብኦ ምስዞም ዝስዕቡ ኣዋጃት ወጺኡ:: 

ሀ. ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽለላ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት መሓውራት ህግዲፍ ኣብ ኖርወይ ንምብትታኽን

   ምምሓውን ዝያዳ በርቲዐንን ሓቢረንን ክሰርሓ::

ለ. ነቲ ለውጢ እንዳ ደለየ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ንጉዳይ ሃገሩ ከም ጉዳይ

    እንዳማቱ ገይሩ ብምርኣይ ኢዱ ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ኮይኑ ንዘሎ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካ

    ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዘውፊ ንምግባር ኣባላት ጽላል ዝኾና ኩለን ማሕበራት ብሓባርን

    ብተናጸልን ዝያዳ ክነጥፋሉ::

ሐ. ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝብን፣ ሰራዊትን፣ ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ

   ምንቅስቃስ ብዘሎና ዓቅሚ ክነሕይሎ::

መ. ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ቃልሲ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን፣ ውድባትን፣ምንቅስቃሳትን፣

    በርገሳውያንን ማሕበራትን እውን ኣኣብ ዝርከባሉ ሃገር ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማተን ዘተኮረ

    ሓያል ከባቢያዊ  ውደባታት ብምክያድን ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ ገባቲ ስርዓት

    ኤርትራ ኣብ ምሕጻር ዓይነታዊ ታራ ዝጻወታሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ምስ ካብ ኖርወይ ወጻኢ

   ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ እውን ሓቢሩ ንኽሰርሕ:: 

 

   ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

   ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና

 

   2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ

   25 ጥቅምቲ 2014፣

   ከተማ በርገን

ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ዝኽሪ ቅዝፈት ላሞፖዱዛ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኣብ ባካ ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት  ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ናይ ሃገር ሽወደን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 17.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መራሕ መደብ ነዛ መራር ቀዛፉት ለይቲ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 እቶም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ሓደጋ ዝተረኽበ 367 ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝቀዘፈት ኮይና ውጻእ መዓት ዝኾኑ ከኣ 155 ከም ዘሎዉ ጠቀሰ። ስደት እቲ ግናይ መሪር ከቢድን ይኹን እምበር ንገዛእቲ ባዕዲ ንመለኽትን እምቢ ብምባል መሰረታዊ ናይ ተቋውሞ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ናይ ላምፐዱዛ ተረኽቦ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ንሙሉእ ዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን ክሳብ ካብ ከብዲ ኣዴኡ ዘይወጸ ዕሸል ምርካቡ እዩ። እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ  ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኪሒዱ ክሳብ ሎሚ ሬሳታቶም ንቡር ከይረከቡ ኣብ ጋህሲ ኢጣልያ ምህላዎም ኮይኑ እቲ እንኮ ጠንቅን ቀንዲ ተሓታትን ናይዚ ኩሉ ንሱ እዩ ብምባል ዛዘመ። ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣገደስቲ ነጥብታት ሓዘል ዓሚቅን መግለጺ ጠንቅን ኣሰር ቅዝፈት ላምፐዱዛ ንዓና ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ክምህረና እንታይ ከም ዝሓተናን ብብሩህ ብዝርዝር ኣቀሚጡ ብስኒት ብሓባር ክንገብሮ ዘሎና ተንኪፉ ዛዘመ። ብድሕሬኡ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ በብተራ ጠቀምቲ ምኽርን ንሕድሕድ ምትብባዕን ሓዘል ሓጸሪቲ መደረታት ሂቦም። ንዝኽሪ እዛ መራር ለይቲ ከኣ ኩሉ ተሳታፋይ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሽምዓ ዝተጻሕፈ ላምፐዱዛ ዝብል በብሓደ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።

ሓደ መስከረም  ሱር  ተክሊ ቃልስና፣
ምስታ ታሪኻዊት ኣውሊዕ  ባንደራና፣
ኣብ ጎቦታት ኣዳል ክብገስ ቃልስና፣

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓልንለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣሜሪካ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ`ቲ ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ንሰላምን ዕብየትን ሃገራዊ ክብርን ኢሉ ዝኸፈሎ  ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ መስዋእትን ስንክልናን፡ ተጠሊሙ። ኩሉ ዝነበረ ብሩህ ባህግታቱ ጸልሚቱ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ካብ ዘጋጥሙ ኣዝዮም መረርቲ ሽግራት ከሕልፍ ተሸሚሙ ይርከብ። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ`ቶም ኣቐዲሙ ዘሕለፎም ባዕዳውያን መግዛእትታት ሕሰመ-መከራ ዝሓሰመን ዝመረርን ሃለዋት የሕልፍ ኣሎ።

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡ መበል ዓሰርተው-ሓደ ስሩዕ ጉባኤኡ፡ ካብ 12-14 መስከረም 2014 ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣቓኒዑ። ኣብዚ እዋንእዚ፡  ጽላል ሾሞንተ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኾነ፡

  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2014፡ ኣርባዕተ ኣቦታት ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ኣቡናት“ሓውኻ ኣበይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ንሕልና ኩሉና ኤርትራውያን ዝትንክፍ ታሪኻዊ መልእኽትን መጸዋዕታን ብመንገዲ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ነይሩ .....  

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት EPDP

ክቡራት ዕዱማት

ኣብዚ ተረኺበ ብስም መርበብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን (Network of Eritrean Women) ንኽዛረብ ዕድል ምሃብኩም ሎዑል ምስጋናይ ይብጻሕኩም። መርበብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ፍትሓዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዘለወን ዓቅምን ከእለትን ምትእስሳራት ብምፍጥር ተሳትፎአን ክብ ንምባል፣ ንምክባር መሰልን ማዕርነትን ዝዋሳእ መርበብ ኢዩ። ቀዳማይ ሲምፖዝዩም ካብ ዕለት 6-8 መጋቢት ኣብ Stockholm ኣካይዱ።

ጩራ መሰልን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዜ ገድሌ ኤርትራ ዝተራአየን ብኽፊሉ ዝተረጋገጸን፣ ይኹን እምበር ድሕሪ ምውሕስ ናጽነት ኤርትራ ዝተጠልመን ኩሉ ሽነኽዊ ምዕብልናታቱ ዝተቆጽየን ኢዩ። ብሰንኪ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ ኩነታት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን መለለይኡ፣ ትምህርታዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ድኽነት፣ ዝተደራረበ ስድራቤታዊ ሓላፍነት፣ ማእሰርቲ፣ ዕስክርና፣ ስደትን፣ ኣካላውን ስነኣእሙሮኣውን ዓመጻታት ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞን ኮይኑ ኣሎ።                                        

ኤርትራዊት ድምጻ ብግቡእ ከተስምዓሉ ዘኽአል ቦታ ገና ኣይተረክበን። ሃ.ማ.ደ.ኤ. ድምጺ ደቂኣንስትዮ ካብ ምዃን ዓዲ ውዒሉ መሳርሒ ናይ ውልቀ-መላኺ ንክኸውን ዚተፈርደ ማሕበር ኢዩ።

ራኢና እምበኣር ዚኾነ ይኹን ምሕደራ ብኹሉ ሽነኻቱ ንእንታይነትና፣ መነባብሮናን ብቐጥታ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፣ ግዳያት ካብ ምዃን ወጺና ዋናታት ናይ ህይወትና ክንከውን ዘኸእል ምሕደራ ኣብ ምትካል ወሳኒ ተራ ንኽህልወና ኢዩ። ተራና ካብ ናይ መሳሰይትን፣ ጽላሎት ናይ መስርሕን ምዃን ሓሊፉ ናብ ዝልለ ኣካል ናይ ንድፍታትን ኣተገባብርኡን ንምስግጋሩ ኢዩ። እቲ ንህግድፍ ዝትክአ ስርዓት ንመሰልን ማዕርነትን ደቂኣንስትዮ ከረጋግጽ ዚሕልን ምኻኑ ምስዝልለ ጥራይ ኢዩ ድማ አቲ ተሳትፎ ከምዚድለ ዝኸውን። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዘሎ ግን ካብ ፈውሲ ማሕላ ዝሓለፈ ኣይኮነን። ንተራና፣ ካብ ከም ናይ መሰጋገሪ መሳርሒ ጥራይ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ ገና ኣይተቀየረን።

መብጻዓን ቃል-ማሕላን ኣይኮንናን ንጽበ፣ አቲ ንጓል ኣንስተይቲ ዘነኣእስ ኣተሓሳስባን ባህልን ምውጋድ ኣገዳስነቱ ንምዝኽኻር ኢዩ። እዚ ድማ በቲ ንዛረቦ፣ ነተንብሆ ብምስማዕ ይጅምር። እቲ ድምጺ ወዲተባዕታይ ጥራሕ ምስማዕ ዝለመደ ኣአዛን ክሰምዓና ቁሩብ ይኹን።

ብዛዕባ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ክዝከር፣ ጀጋኑና ክበሃል እንከሎ ናይ መን ስአሊ ኣሎ ኣብ ሓንጎልኩም?

ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ክዝረብ ከሎኸ ቦታ ናይ ደቂኣንስትዮ ኣበይ ይርኣየኩም? ሕዝቢ አርትራ ክበሃል ከሎኸ? መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኣተሓሕዛ ሕቶ ደቂኣንስትዮ እንታይ ይወርስ ኣሎ?

ንሳተን አየን ኣብየን አምበር ንሕናስ ክንደይ ግዜ ጸዊዕና ትብሉ ትኾኑ፣ እተን ድሮ ምሳኹም ዘለዋኸ ግቡአ ቦትአን ረኺበን ድየን? እተን ኻልኦትከ ንምንታይ ገና ብማዕዶ ይቋመታ ኣለዋ?

እዚ ምስቲ ንደምበ ፍትሒ ብኸመይ ንግምግሞ ዝተኣሳስር ኢዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝብን ሃገርን ካብ ምክልኻል ዝፈሽለ ብገበን ዝሕተት ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርጫ ጥራሕ ዘለዎ ስርዓት ዝውክል ኢዩ። ኣብ ድሮ ምዝዛም አዚ ስርዓት አዚ ድማ ኣቲና ኣሎና። ዋጋ ናይ ሓደ ወርሒ ምንዋሕ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈውርቂ፣ 3000 ስደተኛታት፣ ዓመጻ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዞአን፣ ሞት ኣብ በረኻታት ስሃራን ባሕርን፣ ምብትታን ስድራቤታት፣ ምንዋሕ ናይቶም ኣብ ማአሰርቲ ዝኽርትታን ዝኽርትቱ ዘለዉን፣ ብሓጺሩ ሰብኣዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ሃገራዊ ንድየት ኢዩ። እቲ ዝገድፈልና ዘሎ ውርሻ ሰፍ ዘይብል ንድየት ኢዩ። እሞ እቲ ህጹጽነት ይርድኣና ኣሎ ድዩ ወይስ ወግሐ ጸብሐ መርድእ ምስማዕ ለሚድናዮ ኢና?

ህዝቢ ዘገላግሎ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ። ሓላፍነት ናይ ኩለን ውድባት፣ አታ ዝዓበየት ስክፈትኡ ስግኣቱ ናይ ጽባሕ ንግሆ ሕንፍሽፍሽ ንኽይኣቱ ምአላይ ኢዩ። ንጽባሕ ዘይግደፍ ናይ ሎሚ ዕማም።

ለውጢ ብውሽጢ`ዶ ብደገ ይመጽእ ዝብል ሕቶ ካብ ናይ ኩነታት መገምገሚ ሓሊፉ ከም ናይ ብሓባር ከስርሕ ዘየኽአል ስትራተጂካዊ ፍልልያት ምቕማጡ መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ብጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ብናይ ዓለምለኻዊ ማሕበራት፣ ሓያላት ሃገራት ዝውፈ ድንጋጼን ሓገዛትን መተካአታ ናይ ዋንነት ናይ ጉዳይና ኣይገብሮን ኢዩ። ዋናታቱ ንሕና ኢና። ዋናታቱ ንሕና ስለዝኾንና ኣብ ህዝብና ንሞርኮስ። ልዕሌና ብዛዕባና ብዛዕባ ህዝብና ዝቕንዞ ዝሓልየልና ሃገር ኣይነበረን፣ የለን፣ ኣይክህሉን ኢዩ ድማ። እቲ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ርኽኽባት ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ስለዚ ብኸምዛ ዘለናያ ካብ „ሰራዊት- ሕድሪ“ ክሳብ „መድረኽ ሃገራዊ ዘተ“ ተፈላሊና በበይንና ጎይና ዓዲ ክንኣቱ ስለዘይንኸል፣ እንተኣቲና ድማ እታ ሓንሳብ ብሰንኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሞለቐትና ሰላም ሕጂውን ብድሮ ክትጠፋኣና ኢያ ማለት ኢዩ። ብትራጀዲ ናይ ላምፐዱዛ፣ ሲናይ እናኣእወና፣ ንጸቢብ ውድባዊ ወይ ውን ውልቃዊ ዕብየት ክንጓየ ኣይሳነን ኢዩ። ንሱ ናብ ጽባሕ ይገደፍ።

ናይ ፍትሒ ደምበ ዋንነት ይደሊ ኣሎ። ነዚ ንምትግባሩ ኩለን ኣብ ናይ ፍትሒ ደምበ ዘለዋ ውድባት ብዝተሓተ ሓባራዊ ፕሮግራም ( minimal common program) ተሰማሚዔን፣ ሰላማዊ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክዉን ካብ ምግባር ካልአ መተካአታ የብለንን። እቲ በብመንገዱ ዝጠፍእ ዘሎ ዓቕሚ፣ ክአለት፣ ግዜ ምስዝወሃሃድ ተኣምራት ክሰርሕ ከምዝኽአል ጥርጥር የብልናን።

ሲቪካውያን ማሕበራት ነቲ ከነተኣታትዎ እንደሊ ዲሞክራስያዊ ባህልታት ንምትግባር ወሳኒ ተራ ስለዘለወን ኣውቶኖሚ ናተን እናዓቀባ ንዕላማታተን ክደፋኣሉ ነማሕጽን።

ምስጋና ንኹለን/ሎም ንፍትሒ ዝተቃለሳን/ሱን ዝቃለሳ/ሱ ዘለዋን/ዉን። ካብ ናይ ትራጅዲ Champions ንኽንገላገል ተራ ደቂኣንስትዮ ወሳኒ ኢዩ። ንስኹም ወይ ንሕና ኣይኮነን፣ ንሕና ኩልና ኢዩ እቲ መበገሲ።

ንዓመታ ፈስቲቫላትን፣ ኮንፈረሳትን ኣብ Frankfurt, DC, Bologna, Stockholm ዘይኮነስ፣ ኣብ ኣስመራ፣ ከረን፣ መንደፈራ፣ ዓዲ ቀይሕ፣ ባጽዕ፣ ተሰነይ፣ ናቕፋ…ይኹን አቲ መደብ። ራኢን ባህግን ኣብ ምዕዋት ዕላማታት ናቱ ተራ ስለዘለዎ።

የቕንየለይ።

ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ