እንፈትዎን እነኽብሮን ሓውና ተቓላሳይ ኣለም ኣሰፋው (ዕምባባ) ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሕክምና ብምምልላስን ኣብ መንበሪ ገዝኡን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 12 ሓምለ 2023 ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤቱ ከተማ ፍራንክፎርት ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ምህላዉ ክንገልጽ ከለና መሪር ሓዘን ይስማዓና።

ዕምባባ፡ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ንህዝቡን ሃገሩን ዘበርከተ፡ ተባዕን፡ ውፉይን ተቓላሳይን ወናም ሙዚቀኛን  እዩ ነይሩ።

ንፍትሓትን ስርዓት ቀብርን ዝምልከት ሓበሬታ ብውዱእ ንዕለትን ቦታን ብዝምልከት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ረኸብና ከነስዕብ ኢና።

ፈተውቱን መቓልስቱን።

14.07.2023

ኣቶ ተስፋይ ገብረወልድ፡ ሓዉ ንብጻይና ባርያጋብር ገብረወልድ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ5 ማዝያ 2021 ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም። ብዕረፍቲ ኣቦናን ሓውናን ኣቶ ተስፋይ  ከቢድ ሓዘን ተሰሚዑና።

መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሞት ኣቦና ተስፋይ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦም ከኣ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃኖም  ብምግላጽ፡  ጽንዓትን ጽሮትን ይሃብኩም ራሕሲ ከኣ ይገፍልኩም ብሉ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

14 ማዝያ 2021

Condolence Message Amb Adhanom EPF Tብዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ መሪር ሓዘን  ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ

ውፉይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ምስ ብጾቱ ዓበይቲ ሰውራዊ ቅያታት ዝሰርሐን ተጋዳላይ እዩ ነይሩ። ምልካዊ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ግዳይ ግፍዓዊ ተግባራቱ ኣብ ዝገበሮ ከኣ፡ ኣንጻር ምልኪ ወጊኑ፡ ንፍትሕን ንሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ እዩ።

 ክቡር ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናነበረ እንከሎ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ እዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ምዕራፉ፡ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ብሩህ እዩ።

 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ዝተሰምዖም ከቢድ ክሳራ እንዳገለጹ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።  ንስዉእ ኣምባሳደር መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራቤቱ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ንመላእ ደምበ ተቓውሞን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ