×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 21
JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

EPDP Information Office

The 20 November issue of Le Matin, a daily French newspaper in Switzerland, carried a small item on Abba/Father Mussie Zerai entitled “Miraculous: This Priest Saves Lives from a distance by his mobile phone”, in which the writer believed the Eritrean priest is a yet little known hero who is viewed by some people as a potential future candidate for Nobel Prize for Peace.

A quick translation of the item goes like this:

Aba-Mussie2“His name may, for sure, mean nothing to you (the reader). Yet, this Eritrean priest who lives in Erlinsbach (Swiss Canton of Solothurn), and viewed by some people as a future Nobel Peace Prize winner, is a hero. Since 2003, through repeatedly sending his mobile telephone number to  all directions, he has saved thousands of lives of migrants lost between Africa and Italy by informing coast guards about their situation. These contributions give him the legitimacy to have enjoined recently at law court to Europe to come out of its ‘logic of militarized fortress’”. 

Fr/Abba Mussie Zerai is currently assigned to Switzerland by the Eritrean Catholic Church in Asmara to serve the community of believers by a hectic shuttle in visiting 13 urban centres in Switzerland. On top of this, he is always on the phone communicating with Eritrean refugees in distress – both at sea, those in North Africa and others facing acute problems while inside Europe.

A googled piece also reads as follows him:

“Father Mussie Zerai has been working with refugees and emigrants to Europe since 1995. Though not an ordained priest by then, he dedicated his life to helping the refugees entering Europe by boat from North Africa. He uses satellite phone, which makes his contacts with the refugees easier; as he can access them directly in the middle of the Mediterranean Sea as they make dangerous attempts of crossing into Europe.
In desperation, many emigrants attempt to cross the Mediterranean in rickety wooden boats or inflatables. Many of the refugees run away from the Libyan detention centres, known as Kufra, where they undergo a lot of torture. Unfortunately many of the victims who contacted Fr. Mussie lost their lives while in detention centres”.

መንእሰይ በረኸት ይፍጠር፡ ከዳነ፡ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምሕማሙ፡ ብ ታሕሳስ 23 2014 ኣብ ሳንታሮዛ፡ ካሊፎርንያ፡ ብምዕራፉ፡ ንስድራ ቤቱን ኩሎም ፈተውቱን ወርዲዎም ዘሎ መሪር ሓዘን፡ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ በይ ኤርያ  ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

መንእሰይ በረኸት፡ ኣሰር ስዉእ ኣቡኡ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነፍሰሄር ይፍጠር ኪዳነ ከይለቐቐ፡ ንኤርትራዊ  ሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንስርዓተ ሕጊ ዝተቓለሰ፡ መንእሰይ ምዃኑ ንቤተ ሰቡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና ሰዲህኤን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን ዓቢ ክሳራ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ፡ ንበረኸት፡ መንግስተሰማይ የዋርሶ እናበለ ንስዳቤቱን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ሳንታሮዛ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ

ቀጺልና፡ ካብ ቤተ ሰብ ዝመንጨወ  ናይ ፍትሓትን ስነ ስርዓት ቀብርን ነስዕብ፥

 

ንዕለት 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገር ሽወደን ዝመጹ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 95% ሓደስትን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ በዓል ንምቅባል ሓዳስ ዓመት 2015 ብኣሕዋት ተቀማጦ ስካራቦር ዝተዳለወ ካብ ሰዓት 18,00 ክሳብ ሰዓት 3,30 ወጋሕታ ኣብ ከተማ ሊድሾፒን ሙዉቅን ሰላማዉን በዓል ኣካይዶም። እቲ ልዕሊ 500 መንእሰያት ሓደስትን ገዳይምን ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ ብክልቲኦም ቋንቋታት ሃገርና ትግርኛን ዓረብን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን

Sweden Skaraborg New year2እቲ ቀንዲ ዕላም ናይቲ በዓል ከምቲ ናይ ህግዲፍ ንሳዕሲዒትን መስተን ምንጪ ገንዘብ ዘይኮነስ ብብሩህ ህልዊ መሪር ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንቋራቆረሉን እንዝክረሉን ብሓድነት ኣቢልና ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ንምምስራት ዕዮ ገዛና እንትግብረሉ ዝሕበር መደረ መልእኽቲ እዩ ተኸፊቱ። ፍሉይ ተረኽቦ ናይቲ በዓል ከኣ ልዕሊ 95% መንእሰያት ኮይኖም ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ፡ 5ተ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጨካን ሓለዋ ዶብ ህግዲፍ፡ ነቲ ዘይሰብኣዊ ድሑር ኣተሓሕዛ ደቂ ሰባት ኣብ ሱዳን ጸይረን፡ ነቲ ሃኪክ ጻምእ  ምደረበዳ ሰሃራ ሰንጢቀን፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ክፉእ ኣተሓሕዛ ናይ ሊብያዉያን ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቀን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንሃገር ሽወድን ዝኣተዋ ሕጻናት ትሕቲ ዕድመ ብኣላይተን ተሰንየ ኣብቲ በዓል መጺኤ ኣብ መድረኽ ቀሪበን ሰላም ምባለን ብሓቂ ንክትኣምኖ ዘሸግር ኣሰንባድን መሳጥን ህዝብናን ሃገርናን ክሳብ ክንደይ ኣብ ጸልማት ትርከብ ከም ዘላ ኩሉ ተሳታፊ በዓል ደላይ ፍትሒ ኣስተንተነ።

Sweden Skaraborg New year3እቲ በዓል ብምቅጻል ብወናማት መንእሰያት ወናማት እዋናዊ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዜማታት፡ ናይ ቀደም ገዳይም ደረፍትና ዝደርፍዎ መሃርትን ኣናፋቅትን መባራበርን ዜማታት ዝተሰነይ ሙሉእ ለይቲ ኣብ መንጎኡ ከኣ ብግጥምታትን ብኣውሎን ዝተሓዋወሶ ኣደናቂ በዓል ኣብቲ ቦታ ንመጀመርታ ዝተገብረ ብምኳኑ ብሓቂ ታሪኻዊ ዝኮነ ዕዉት በዓል ነበረ።

ሲዒቡ እውን እቲ ካልኣይ መልእኽቲ በዓል ንምቅባል ሓዲሽ ዓመት 2015 ናይ ስኒት ናይ ፍትሒ ናይ ዓወት ዓመት ትኹነልና ዝብል ጽንብል ብስድራቤት ዑመር ዝተወፈየት ናይ ሕብስቲ ቶርታ 2015 ዝተጻሕፋ 5ተ ጠራዕራዕ መብራቲ ተወሊኤን ሙሉእ ተሳታፋይ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጺ ብዓበይቲ ተባሪኹ ተዓደለ።

Sweden Skaraborg New year4እቲ በዓል በቲ ወሓሉ ኣዴታት ዝተዳለዉ በብዓይነቱ መግቢ ከሉ ከም ዝደለዮ እናተማላለሰ ክበልዕ ሓደረ። ምስኡ እውን ናይ ቡንን ሻሕን ሕንባሻታትን ሙቁር ቅጫታትን እናኾምሰዔን እናተዘናግዔን ልክዕ ሰዓት 3,30 ናይ ንግሆ ወጋሕታ ብምምስግጋን ነናብ ቦታኡ ማለት ዮተቦርግ ቦሮስ ማልመ ስቶኮልም ኦረቡሩ ዮንሾፒን ፋልሾፒንግ ስካራቦርግ ብሰላም ተመሊሶም።  

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ንዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ዖና  ብ 2004 ከምኡ'ውን ብ2005 ኣብ መርበብ ንሓርነት. ኦርግ  ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡  ነቲ  ኣብ ሓደ መዓልቲ ብስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተፈጸመ  ኣስካሕካሒ ጃምላዊ ቅትለትን፡ ምንዳድ ዓድታትን ንምዝካርን፡ ምረት መግዛእቲ ብምስትብሃል ኩሉ ግዜ ተደላይነት  ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዝኽኻርን፡ ደጊምና ከንውጽኦ መሪጽና።

ሰናይ ንባብ!

  Oakland, CA-- On November 8th, 2014, Mrs. Elsa Chryum, Founder and Director of Human Rights Concern 

Eritrea (HRC-E) discussed the recent decision of the United Nations Human Rights Council 

 

ኤርትራዊ  ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ  ለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣሜሪካ

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቕምቲ 2014 ን2 ጉባኤኡ ብሓደ ወገን፣

1.    ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቅ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ፣

2.   እቶም ኣብ ሃገሮም ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

3.   ከም ሳዕቤኑውን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦምውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

4.   ኮታስ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

5.   ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስነ ስርዓት ቐብሪ ስዉእ ሃገራዊ ተቃላሳይ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ይካየድ ምህላዉ ገምጊሙ::

ብኻልእ ወገን ድማ እውን ጉባኤ

1.    ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዲያስጶራ ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ሃገራውነትን ሓልፍነታውን ብብዝኾነ ጥቁው መልክዕ ብዝሓዘ ኣገባብ ተቀልቂሉ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

2.    እቲ ዓሚ ኣብ 23 ጥሪ 2013 መስዋእቲ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ወዲ ዓሊን ማእሰርቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ተቃለስትን ዘስዓበ ብጠለብ ትግባረ ቅዋም ሃገርን ምፍታሕ ሃገራውያን ፖለቲካውያን እሱራትን ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጻውዕት፣ ብቅሉዕ ዝኾነ ብናይ ሃይማኖታት መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ጽሑፋዊ ሰነዳትን ናይ ሰራዊት እምቢታ ዘይተደልየ ምኽታትን ተሰንዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ተደረዐ መጺኡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣብ ፍጹም ሸቀልቀል ኣብጺሕዎ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ገምጊሙ:: 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተበገሰ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ በርገን ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ተጋብኦ ምስዞም ዝስዕቡ ኣዋጃት ወጺኡ:: 

ሀ. ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽለላ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት መሓውራት ህግዲፍ ኣብ ኖርወይ ንምብትታኽን

   ምምሓውን ዝያዳ በርቲዐንን ሓቢረንን ክሰርሓ::

ለ. ነቲ ለውጢ እንዳ ደለየ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ንጉዳይ ሃገሩ ከም ጉዳይ

    እንዳማቱ ገይሩ ብምርኣይ ኢዱ ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ኮይኑ ንዘሎ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካ

    ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዘውፊ ንምግባር ኣባላት ጽላል ዝኾና ኩለን ማሕበራት ብሓባርን

    ብተናጸልን ዝያዳ ክነጥፋሉ::

ሐ. ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝብን፣ ሰራዊትን፣ ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ

   ምንቅስቃስ ብዘሎና ዓቅሚ ክነሕይሎ::

መ. ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ቃልሲ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን፣ ውድባትን፣ምንቅስቃሳትን፣

    በርገሳውያንን ማሕበራትን እውን ኣኣብ ዝርከባሉ ሃገር ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማተን ዘተኮረ

    ሓያል ከባቢያዊ  ውደባታት ብምክያድን ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ ገባቲ ስርዓት

    ኤርትራ ኣብ ምሕጻር ዓይነታዊ ታራ ዝጻወታሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ምስ ካብ ኖርወይ ወጻኢ

   ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ እውን ሓቢሩ ንኽሰርሕ:: 

 

   ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

   ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና

 

   2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ

   25 ጥቅምቲ 2014፣

   ከተማ በርገን

ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ዝኽሪ ቅዝፈት ላሞፖዱዛ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኣብ ባካ ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት  ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ናይ ሃገር ሽወደን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 17.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መራሕ መደብ ነዛ መራር ቀዛፉት ለይቲ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 እቶም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ሓደጋ ዝተረኽበ 367 ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝቀዘፈት ኮይና ውጻእ መዓት ዝኾኑ ከኣ 155 ከም ዘሎዉ ጠቀሰ። ስደት እቲ ግናይ መሪር ከቢድን ይኹን እምበር ንገዛእቲ ባዕዲ ንመለኽትን እምቢ ብምባል መሰረታዊ ናይ ተቋውሞ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ናይ ላምፐዱዛ ተረኽቦ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ንሙሉእ ዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን ክሳብ ካብ ከብዲ ኣዴኡ ዘይወጸ ዕሸል ምርካቡ እዩ። እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ  ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኪሒዱ ክሳብ ሎሚ ሬሳታቶም ንቡር ከይረከቡ ኣብ ጋህሲ ኢጣልያ ምህላዎም ኮይኑ እቲ እንኮ ጠንቅን ቀንዲ ተሓታትን ናይዚ ኩሉ ንሱ እዩ ብምባል ዛዘመ። ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣገደስቲ ነጥብታት ሓዘል ዓሚቅን መግለጺ ጠንቅን ኣሰር ቅዝፈት ላምፐዱዛ ንዓና ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ክምህረና እንታይ ከም ዝሓተናን ብብሩህ ብዝርዝር ኣቀሚጡ ብስኒት ብሓባር ክንገብሮ ዘሎና ተንኪፉ ዛዘመ። ብድሕሬኡ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ በብተራ ጠቀምቲ ምኽርን ንሕድሕድ ምትብባዕን ሓዘል ሓጸሪቲ መደረታት ሂቦም። ንዝኽሪ እዛ መራር ለይቲ ከኣ ኩሉ ተሳታፋይ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሽምዓ ዝተጻሕፈ ላምፐዱዛ ዝብል በብሓደ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።