ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ኣብ ሰሚናር፡ ኣትላንታ ንመንእሰያት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ናይ ምኽርን ለበዋን

2015-04-20 17:17:16 Written by  ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኣትላንታ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ Published in Community Center Read 4263 times

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ንመንእሰያት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ናይ ምኽርን ለበዋን ቃል።


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን!

ዝኸበርክን ኣሓትን!

ዮሃና ንሰሚናርኩም!!


ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ’ሎም ተኣኪቦም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘሐጕስን ተስፋ ዝህብን ጉዳይ ኢዩ። እዚ ሰሚናር’ዚ ንባዕሉ ናይ ተስፋን ሓይልን ብርታዔን ነጸብራቕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ዝተኣከቡ ኣሕዋት ዝገብርዎን ዝኾንዎን ስለ ዘይስእኑ። ኣሕዋት ከምዚ’ሎም ምስ ተኣከቡ ጥራሕ’ዮም ድማ፡ ሓድሕዶም ሓሳብ ዝለዋወጡን፡ ብሉጽ ሓሳብ ዘመንጪዉን፥ሓድሕዶም ዝሰሓሓሉን ዝበላልሑን። ከምዚ’ሎም ከይተጋብኡን፡ ርእሲ ንርእሲ ከይተወሃሃቡን ኣብ ጭቡጥ ቑምነገር ክብጽሑ ኣይክኣሎምን። ምስ ተኣከቡ ግን፥ እቲ ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጐዳኢ ነገራትን ጐርብታትን ክገሃደሎም ይኽእል። ወይ’ውን ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጠቓሚ ነገራት ቀልጢፎም ክበጽሕዎን ክጥቀምሉን ይኽእሉ። ስለዚ ሓቢርካ ምትእኽኻብን ምዝታይን ልክዕ ከምቲ ክልተ ካራታት ሓድሕድም ተጋጪዩም ዝተማምሁን ዝበላልሑን፡ልክዕ ከምኡ ማለት ኢዩ።


ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሓድሕድካ ዘይምርኽኻብን ምፍንታትን፡ ነቲ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ነገራት ዝዕድም ኰይኑ ይርከብ። ሓድነትካን ስምረትካን ዘይደልዩ ሰንካማት ሰባትን ወገናትን፣ መታን ኣሕዋት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምትእኽኻብን ውህደትን ኸይበጽሑን ከየፍርዩን፡ ተቓዳዲሞም ነቲ ሰናይ ተበግሶኦም ክዘርጉሎምን፡ ክቘጽይዎን ፡ዘይመልክዑ ከልብስዎን ዘይፍትንዎ የለን። ሓድሕድካ ዘናቝት መዝረጋታትን እኩይ ብልሓትን ተጠቒሞም ክበታትኑኹምን ክበታትዑኹምን ከም ዝጽዕሩ ክትስሕትዎ ዘይግባእ ነገር ኢዩ። ጌና በቲ ዓቢ መስአ-ሰይጣን ገይሮም ክምስእዩኹምን ኽሸርዉኹምን ምዃኖም ቀልጢፍኩም ቆብ ኣብልዎ። ነዚ ምስጢር’ዚ እንተ ዘይፈሊጥኩምን ተንዛሕሊልኩምን፡ነቲ ዕርፊ ሓድነት ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ብቑዓት ከይኮንኩም ትተርፉ። ኣብቲ ኵሉ ከይበጻሕኩም ድማ ጪብጦ-ሑጻ ከም እትዀኑ ተገንዘብዎ።


ኣሕዋት ተኣኪቦምን ሓቢሮምን፡ ንዅሉ መሽጐራጉር ጸላኢ እንተ ዘይኣለልዮሞን ዘይፈንጺገሞን፣ወትሩ ጥበብ ጸላኢኦም ከየለለዩ፥ በቢዝመሰሎምን ዝተሰመዖምን፡ከከም ዝተሓርጐትዎን ዝተጸለውዎን፡ በቢዝመረጽዎ ጐደናታት ይጐዓዙ፣ይዕንድሩ፣ልቢ ንልቢ ከይተረኻኸቡ ይነብሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡እቲ ሓደ ዝሓሰቦ ሰናይ ነገር ነቲ ካልእ ኣይጥዕሞን፡ኣይምቅሮን። ብዘይ ኣፍልጦን ቅኑዕ ምኽንያትን ይጻረሮን ይዕንቅፎን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዘይለዓቱ፡ዓይኑ ዓሚቱ፡ ምስ ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣሳቢቡ ንሓድነትን ህላዌ ሃገርን ዝፈታተን ሰባብ ድምጺ-ኣባይ እናቃልሐን እናደበለን ኣብ ቀጻሊ ዕንክሊል ይነብር። ነዚ ኵነት’ዚ ኢና ከኣ መ ር ገ ም ኢልና እንጽውዖ።


ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘሎኹምን፡ ካልኦት ዘይተኣከቡ መናእሰያትን፥እዚ ግዜ’ዚ ሓድሕድኩም ደሃይ እትፈላለጥሉን፡ እትደላለይሉን፡ እትቀራረብሉን፡ንዝተበላሸወ እተዐርይሉን፥ዝፈረሰ እትሃንጽሉን፡ንዝዓሸወ ናብ ልቡ እትመልስሉን፡ ቅያታት እትሰርሕሉን ወርቃዊ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስወጠኩም ይግብኦ። ወያ ምድሪ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት መልክዓን ቃናኣን ተለዊጡ፡መፍቶ ጸላእታ ክትከውን ዘይትፈቕዱ፡ ሓራናት ዘርኢ ስለ ዘለኹማ፤ካብ ሕሰማ ከተናግፍዋ ግድነታዊ ዕማምኩም ይኸውን።


መንእሰያት ብሓባር ተላዒልኩም፥ህዝብኹም ኣተሓባቢርኩም፡ብሓደ ድምጽን ብሓደ ኢድን ንሃገርኩም ኤርትራ ካብ ዝተጎርበሰትሉ ህጕም፣ ካብ ዝተዋሕጠትሉ ሰልሚ ዘቚቝኩም እተውጽእዋን፡ ብኽልተ ኣእጋራ ደው እተብልዋን ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ እዋን በሲሉ ይጽበየኩም ኣሎ፣ብብስለት ግጠምዎ! ህልዊ ኵነታት ሃገርኩም ኣጸቢቑ ከሕስበኩምን ሓቕየኩምን ይግባእ።

እታ ዓዲ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት፣እታ ንመላእ ዓለም ዘስተንከረት ንእሽቶ ሃገር፡ነቲ ዝተደወነ መልክዓ ሃየ! ኣብርህዎ። ሃየ! ተስፋ ኣይትኽልእዋ።


እዞም ሎሚ ተጋቢእኩሞ ዘሎኹም ብቐጻሊ ምስቶም ዘይመጹ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤረ ብሕብረት ክትለዓሉን፡ንመላእ ህዝብኹም እናተሓባበርኩምን፡ ኣብ ምሉእ ተጋብኦ በጺሕኩም ቁምነገር ክትገብሩን፡ትጽቢት ህዝብኹም መልሲ ክትረኽብሉን፡ኣብ ዝባንኩም ዝተለጠጥኩሞ ሓላፍነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስቘረኩም የድሊ።ከምቲ ዝድለ ብስፍሓት ተጋቢእኩም ንዅሉ ምስ ፈተሽኩሞ፡ እቲ ሓቂ ኳዕ ኢሉ ክበርሃልኩም ኢዩ። ሽዑ ከኣ’ዩ ኣተሓሳስባ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ሓጺርን ስምዒታውን ዝኸውን፡ ብሱልን ሰፊሕን ዓሚቝን ሓላፍነታውን ክኸውን ዝበቕዕ። ሽዑ’ዩ ዛዕባ ታሪኻዊ ኣቃዉማን ኣመጻጽኣን ምትእስሳራትን ናይ ሕብረተሰብና ኣጸቢቑ ርዱእ ዝዀነልኩም። ሽዑ ጸላእቲ ሰርሲሮም ዝኣትውሉ ቀዳዳት ኵሉ ክትለኩዎን ክትልኵትዎን ኢኹም።


ኣውራጃን ሃይማኖትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ ርዱእን ቅቡልን ትሕዝቶ ዘለዎን፡ ንዘመናት ብሰላም ዘነባበረናን ዘካየደናን ናትና ሃብቲ ምዃኑ፡ነቶም ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ኣጸቢቑ ክበርሃሎም ኢዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ነዚታት ጠማዚዞም ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ኢዮም። ሽዑ ነቲ ኵሉ ጸላኢ ዝዘርኦ፡ኣእሻዅን፡ሓድሕድካ ምጽልላእን፡ምንእኣስን ፡ ዕቢትን፡ ኣፈላላይን፥ ካብ ሱሩ በርቍቕኩም ክትድርብይዎ ኢኹም። ሽዑ ንምኽሪ ኣሕዋት ዘነኣእስን ብትዕቢት ዝፍኽነንን ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ብጥቡእ ልቢ ክትረዳድኡን፡ ትወሓሓጡን ክትቀባበሉን ኢኹም። ሽዑ’ዩ ከኣ ካበ’ዬናይ ባህልን ልምድን ስርዓትን ውግዕን ከም ዝመጻእኩም ብግህዶ ኳዕ ኢሉ ዝበርሃልኩም ። ሽዑ ኢኹም ከኣ ሓቢርኩም እትውጥጡን፣ንጸላእትኹም እትብድህዎምን፣ንተንኰለኛታትን ሕሱማትን፡ብቐሊሉ እተለልይዎምን፡ሓኒቕኩም እትሕዝዎምን። ብድሕሪ’ዚ ብቕዓት ወኒንኩም በቲ ሓቀኛ ጐደና ሰላም ጓዒዝኩም ንዓድኹም፡ ብሰናይ ድሌትኩም ክትሃንጽዋ ኢኹም። ሽዑ ሃገር ናይ ኵሉ ወዲ ሃገር ደኣ,ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት መልዕሎን ሓለፋን፡ ናይ ብሕቲ ሰውሒን ከም ዘይኰነት ብግልጺ ከተመስክርዎ ኢኹም። ሽዑ ሓቢርኩም ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝኩም ንቕድሚት ክትደፍኡ ኢኹም። ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትኩምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን፡ ብሕብረትን ብምትሕልላይን ንቕድሚት እናደፍእኩምን፡ ዳግማይ ከይተዓሸዉኩምን ከይተገራህኩምን ክትዓብዩ ኢኹም። ንኽብሪ ሃገርኩም ክትከላኸሉላን፣በጃኣ ክትሓልፉላን፣ ክትሃንጽዋን ሰናይ ዕማምኩም ክኸውን ኢዩ። ክብሪ ሃገርኩምን ታሪኽ ህዝብኹምን ከተሐድስዎን ክትዅልዕዎን ኢኹም። ከም’ቶም ዝሓለፉ ወለድኹምንምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ኣሰሮም ተኸቲልኩም፡ ብርሱን መንፈስን ፍቕሪ ዓድኹምን ፍቕሪ ህዝብኹምን ዝተቃጸጸልኩም ክትኮኑ ኢኹም።ምእንቲ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክብርቲ ሂይወትኩም ክትኸፍሉ ዝቘረጽኩም ዝተቐረብኩምን ዜጋታት ኰይንኩም ክትርከቡ ኢኹም።።

ናትና እትብልዋ ሃገር ወኒንኩም፡ንባህግታት ህዝብኹም ሂይወት ክትዘርእሉን፡ጸባ ከተስትይዎን ምዃንኩም እሙን ነገር ኢዩ!!


ጽንዓትን ቅልጽምን ይሃብኩም!!


ዕዉት ሰሚናር ይኹነልኩም!!


የቐንየለይ!!

Last modified on Monday, 20 April 2015 19:42