ዓመታዊ ንግደት ማርያም ደዓሪ ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን
ዕድመ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ሰላምን ፍቅርን
ዓመታዊ ንግደት ደዓሪ ንቀዳም ሰነ ዕለት 3, 2017 ከነውዕሎ ተቀሪብና ኣሎና። ኩሉ ኤርትራዊ ደለይቲ ሰላምን ፍቅርን ምሳና ሓቢርኩም ንክትጽልዩን ብሓጎስ ንክትውዕሉን ንዕድመኩም። ጸሎት ምህለላ ማርያም ዝጅምረሉ ግዜ ስዓት 12 ፋዱስ ኢዩ።
ብደሓን ምጹ!
ANNUAL PILGRIMAGE OF MARIAM DAARI IN THE BAY AREA!
ALL ERITREANS IN THE GREATER BAY AREA WHO LOVE PEACE ARE INVITED TO THE ANNUAL MARIAM DAARI PILGRIMAGE. THIS IS A DAY THAT WE COME TOGETHER FOR FAMILIES, PRAYER, PLAY, AND FUN.
WELCOME!
DATE JUNE 03, 2017
LOCATION: KELLY PARK (FAMILY CENTER)
1600 SENTER ROAD
SAN JOSE, CA 95112
PRAYER TIME: 12:00 P.M.
PROGRAMS INCLUDE CHILDREN AND ADULT ACTIVITIES.
PLEASE JOIN US FOR A QUALITY TIME.
THE BAY AREA CATHOLIC COMMITTEE
SAN JOSE, SAN FRANCISCO, OAKLAND, BERKELY, & SANTA ROSA
ካብ ነሓሰ 7- 9፡ ንራባዓይ ዓመት ክጋባእ ዝነበሮ፡ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ -ጆርጂያ ፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ንዘይምግባሩ ተወሲኑ። ኣብ`ዚ ውሳኔ`ዚ ክንበጽሕ ሕማቕ እናተሰማዓና`ዩ። እንተኾነ ክስገሩ ዘይክእሉ ዝተፋላለዩ ምኽኒያታት፡ ናብ`ዚ ውሳነ`ዚ ክንበጽሕ ኣገዲዶም።
እቶም ምኽኒያታት፡ ዓበይትን ናኣሽቱን እዮም። ብሓፈሽኡ ግና እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ክሳብ ሕጂ ዘድሊ ምቅርራባትን ምድላዋትን
ክንገበር ስለዘይሰለጠ`ዩ። ንኹሎም፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ክሳተፉ ወዲአምዎ ንዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናይ 2015 ዳግመ-ርክብ
ብዘይምዕዋቱ እቕረታ ንሓትት። ናብ ዝመጽእ ዓመት ብዝጸፈፈን ዝደመቐን ክዳሎ እናተመነና ድማ ንዓመታ ነቲ ንኽሳተፍዎ መደብ
ክገብሩ ብትሕትና ንዕድምን ነተባብዕን።
ኣብዞም ዝስዕቡ ኣዋርሕ ኣብ ምምዕባል ንዘሎ ወብ ሳይት ጌርና፡ ንዝህሉ ሓበሬታ ከነካፍለኩም ኢና።
ኣኽባሪኹም፡
ጸጋይ ነጋሽ
ብስም ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ
05/05/2015
ኣብ ምህናጽ ኤርትራ፡ መራሕትን መሃርትን፡ ቀየስትን ፈጸምትን፡ ተፋላሰፍትን ተማራመርትን፡ ተኻላኸልቲ ልኡላውነትን፣ ክኾኑ ዝግበኦም ኣሻሓት መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ደልሃመት ስደት ንዝወርዶም ዘሎ ቀጻሊ ቅዝፈታት ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።
ኣብ ኤርትራ፡ ቅትለት፡ መዋጸኦ ዘይብሉ ጨካን ማእሰርቲ፡ ማሕዩር፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ብሓጺሩ፡ ስግር እቲ ጸላም ብርሃን ዘይራኣየሉ ህይወት፡ ቀንድን መሰረታውን ምንጪ ወሓዚ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ምሉእ ፈሊጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሳቕዩ ይኹን ተጸሚሙ ሕልፈት ዘይረኽበሉ ህይወትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ንዘጋጥምዎ ሓሳረ-መከራን ቅዝፈታትን፡ ተቐርቂሩ ኣብ መጻብቦ ይርከብ`ሎ። ሰብኣውነት ዝሓረሞም ነጋዶ ሰብ፡ ሓረድቲ፡ ገፋዕትን ዓመጽትን፡ ካብ`ታ መጀመርታ ድርኩኺት ገዝኦም ክሳብ ኣብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሰፍ ዘይብሉ ናይ ሰብን ናይ ባህርን ሓደጋታት ዋላ እናፈለጥዎ፣ ክመርጽዎ ይርከቡ ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግፍዒታት፡ ብልክዕ፡ ብቐለምን ቃላትን ክግለጹ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ክፍተንን `ውን ኣይግባእን። እቲ ምንታይ? ንዓና ንኤርትራውያን ጠንቅታቶምን ሳዕቤናቶምን ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩሃት ስለዝኾኑ። እሞ እንታይ ንግበር?
ልክዕ`ዩ፡ ተኻፈልቲ ናይ`ቱ ኩሉ ስቓያቶምን ህልቀቶምን፡ ብጽሑፍ፡ ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣምሪርና ብምሕዛንን ብምንባዕን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድን፡ ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ንሓደ ሰሙን ዘይኮነስ፡ ቀጻሊ ናይ ውጽዓታቶም ድምጽን ምስክርን ክንከውን ሃገራውን ሞራላውን ግቡእና`ዩ። እዚ ጥራሕ`ዩ ድማ ንወለዲ፡ ንኣሕዋት፡ ንኣሓትን፡ ንቤተ-ሰብን ንምሉእ ሃገርን ጽንዓት ይሃብኩም ኢልና ጽንዓት ክንኮኖም ምስ እንኽእል ጥራሕ`ዩ ሞሳን ጽንዓትን ዝኾኖም።
ስለዚ፡ ኩለን ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ማሕበረ-ሰባት/ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት (ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ) መንእስያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሓደ ተበግሶ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈታትን ጽንታን፡ ብሓደ ንምምካት፡ ኩሉ ዓቕማታትና መሰረታትናን ኣለዓዒልና፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ኣድማዕን ህጹጽን ሰላማዊ ሰልፊ ንክንገብር ንጽውዕን ነማሕጽንን።
ጽንዓትን ደበሰን ንኹሎም ቤተ-ሰብ- ግድያት ኤርትራውያን!
ርግኣትን ሰላምን ንሃገርና ኤርትራ
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራያን ንፍትሒ
ሰሜን ኣሜሪካ፡ ግንቦት 2፡ 2015
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ
ኣብ ትሕቲ ``ኤርትራዊ ስኒት ንምድሓን ሃገር`` ዝብል ቴማ ሰሚናር ኣቃኒዑ
04/26/2015
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ኤርትራ ካብ ኣትያቶ ዘላ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ከነድሕን ሙሉእ ዓቕምታት ንከነወሃህድ፡ ቅድም ጠንቂታት ምንጽጻግን ምንጽጻልን ክንብድህ --
- ንሃገራዊ ስኒትና ዘዐንቅፉ ጠንቅታት ምልላይ:
- ናይ`ዞም ጠንቅታት እዚኣቶም ታሪኻውን ባህርያውን ኣመዓባብሎኦም ምርዳእን ምንጻርን፡
- ነዞም ጠንቂታት እዚኣቶም በዲህና፡ ንተሳባቢሩ ዝርከብ ሃገራዊ ምትእስሳርና ናብ ንቡር ክንመልስ መደብ-ስራሕ ተሊምና ነፈጽም ... ዝብሉ ነጥበ ትሕዝቶታት ኣልዒሉ ዘትዩ።
ኣብ ሰሚናር ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ነጥብታት- (1) ኣውራጃዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ምጉጅጃላት፡ (2) ኣድህቦና ኣረዳዳእና ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣብ ተርእዮታትን ፍጻሜታትን ተሓጺሩ ይትርፍ ምህላዉ፡ (3) ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋጋሓ (ብደረጃ ኮሎራዶ) ድኽመት ምህላዉ፡ (4) ዕለት ኣኼባታት ጊዜያቱ ዘይቀያየርን ቀጻልን ዘይምዃኑ፡ (5) ናይ ተግባረ-ስራሕ ፕላን ዘይምህላው ... ናብ ሓደ ከምጻኣናን ከዕሰለናን ኣይከኣለን ... ዝብሉ ጉዳያት ብቀጻሊ ብዝዓመቖ ደረጃ ክዝትዮሎም ከፈጽሞምን ተሳማሚዑ ።
ቀንዲ ዝተጸቕጠሎም ነጥብታት፡
- ስርዓት ኤርትራ ከየልገሰ፡ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣይፍታሕን`ዩ። ቀንዲ ኣትኩሮና ናብ`ዚ ዝቐንዐ ይኹን።
- ቀንዲ ጻዕሪታትና- ንምርግጋጽ ቅዋማዊት ኤርትራ ይኹን።
- ጉዳይ መንእሰያት፡ ብግቡእ ይጸናዕ። ኣብ ቃልሲ ክሳትፎም ዝኽእል ባይታ ይፈጠር። እዚ ጉዳይ`ዚ ከም ፍሉይ ኣርእስቲ ተታሒዙ ይዘተየሉ።
- ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ይውሰድ። ኣነ ዘይገበርኩዎ .. .. መን? ... ኢልና ነፍስና ንሕተት።
- ክንግልገለሉ ዝግባኣና ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መስኖታት ይጸንዑን ይፈተሹን
- ኣብ ኮሎራዶ- ናብ ሰብ-ስልጣናት መንግስቲ፡ ማሕበራዊ ትካላት፡ ኣብያተ-ጸሎታት፡ ንጸገማት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽሑፍ ጥርዓንና ነቕርብ።
- ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሳልጣ ናይ ኣድሆ ሽማግለታት ይቑማ።
- ናይ ዝተፋላለዩ ጉዳያት ዝጸናዓ፡ ናይ ምይይጥ ክበባት ይፈጠራ ።
ኣብ`ዚ ሰሚናር`ዚ፡ ካብ መንእሰያት፡ ዓበይትን ደቂ ኣንስትዮን ዝጠቓለለት፡ ብጉዳይ መንእስያት ትዝትን ትጥርንፍን፡ ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መሳለጥያታት እተጽንዕን፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዋ ወለንታዊት ሽማግለ ወጺኣ።
ሰሚናር፡ ንቕድሚት ብዝሰፍሐን ዝዓሞቕን ዘትዩ መደብ ስራሕ ከውጽእ፡ ኣብ ግንቦት 31 2015 እንደገና ኣኼባ ክገብር ተሳማሚዑ።
ንዝክር! እወ፡ ንዘክር፡ኣብ ኣእዛንና ካብ ናይ ነጎድጓድ መዳፍዕ ዝብርትዕ ድምጺታት ከቃልሕ ከሎ። ኣውያት፡ ስቅያት፡ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ደጋጊምና ንሰምዖን ንምኮሮን ስለዘለና፡ ኣብ ሕልምን ጋህድን ምሳና ይነብር ኣሎ። እወ ብሓዘን ንዝክሮ። ዘይንቡር ሞት! ህልቂት! ናብ ምጽናት ገጹ ዝቐንዐ ዋሕዚ ስደት መንእስያት፡ እወ የብክየናን የቖጣዓናን። ንቡር መዓስ ኮይኑ!! እንተኾነ፡ ናብ ዝሓለፉ ተመኩሮታትና ምልስ ኢለና ክንመዝን እንከለና ግን ብዘይምግናን ረሳዕቲ ኢና። ነዚ ጨካን ፍጻሜታት`ዚ ንርሰዖ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኣመና ረሳዕቲ ምዃና`ዩ።
ንዘክር፡ ላምፐዱሳን ነተን ክሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ ንነጀው ዘጋጥማ ዘለዋ ላምፐደሳታትን ጨካናት ናይ ህልቂት ፍጻሜታትን። ብተለቭዥን፡ ብኢንተርነት...ንከታተሎን ንስምዖን ኣለና። መዓስ ካብ ቀልብና ተሰዊሩ? ንዘክር`ውን ንሓተታን ትሕዝቶ መልእኽትን ``ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?`` እወ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣቦታትን ኣቡናት ንህይወቶም ከይሰስዑ ንስቓይ ኤርትራውያን ብትብዓት ዘቃልዑ። ረሳዕቲ ብምዃና ግን ንርስዖ፣ ምርሳዕ ከም ባህሊ ኣታኣታቲናዮ!! ኩነታት ክንህር ንንህር፡ ቁርብ ዝሕል እንክብል`ከ፡ ንስወር።
እዚ ንሰማዒ ዘደንጹ ክንሰምዖን ከም ሓዱሽ ክጋሃድን ከሎ ግና ተመሊሰና ሓውና ሓብትና፡ ወይ ቤተ-ሰብና ወይ`ውን መሓዙትናን መተዓብይትናን፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሰህራ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም ናይ ስቓይ ደውል ክድውሉ ከለዉ .. እወ፡ ንሓዝን! ንበኪ! ግን ንግዚኡ ሕ-ል-ፍ ወይ ዝሕል እንተ ኢሉ.. ቀልጢፍና ንርሰዖ።
ስቕታ`ውን ኣሎ። እወ፡ ስቕታ ወዝቢ ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ፡ ብንሓፍነት ወይ እንታይ ገደሰኒ ስምዒታት ክደጋገም እንከሎ፡ ዘይንቡረ ከም ንቡረ ይውሰድ እሞ፡ መርገጽ ወይ ባህሊ ይኸውን። ኣብ ኤርትራ ብስቕታ ክሕለፍ ዘይግበኦ ግን ዝተሓልፈ ጸብጺብካ ኣይውዳእን`ዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንርእዮ ዘለና ተረኽቦታት ከም ህዝቢ ውጽኢት ወይ እኩብ ድምር ናይ ነዊሕ እዋናት ስቕታና`ዩ። ስቕታ- ምስ ሃየንታ! ምስ ነውሪ! ክሳብ`ውን ምስ ገበን ይቑጸር`ዩ። ኣሕዋት ነፍስ ወከፍና ንነብስና ንክልኢት እሞ ንመርምር፡ እወ፡ ንስቕታ ከም ባህሊ ርዒምናዮ ኣለና !!!
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ውሁብ ኩነታት፡ ሃፈጽታን ሳዕቤንን ላምፐዱሳ እዩ ፈጢርዎ። ሃለዋት ፈሕፋሕ፡ ምጉጅጃል፡ ምንጽጻግን፡ ምቅንጻልን፣ ብሃለዋት ሓድነት፡ ብሓባር ምስራሕ ክትክእ`ሞ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ መጠን ንናይ ሓባር ጸገማትና ተዛቲና ክንፈትሕን፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ኣብ ምርግጋእ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩሉ ክንገብር ዘዓለመ`ዩ ነይሩ። እሞ`ኸ ድሕሪ 20 ጥቅምቲ 2013 እንታይ ኣሳላሲልና? ዝተኻናወነን ዝተፈጸመ እወንታን ኣሎ። ብመጠን እዚ ዝወርደና ዘሎ ሃገራዊ ክሳራታት ክረአ ከሎ ግን ብዘይምግናን ኣብ`ቲ ደረጃ ናይ 2013 ኢና ዘለና።
ሎሚ ቕነ፡ ንምሉእ ዓለም፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ከኣ ፍሉይ ኣትኩሮ ሂቡ ዘነቓነቐ ህልቂት ስደተኛታት፡ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራተ(UNHCR) ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ምዃኖም እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ካብ ሱርያ፡ ካብ ሓውሲ ሳህራ ሃገራት፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያን ድማይርከብዎም። ካብ እዚኣተን ኣዚያ ውሑድ ዝህዝባ ኤርትራ ክንሳ፡ ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዜጋታታ ናብ ስደትን ናብ ህልቂትን ክኣትዉ ከለዉ እንታይ የስምዕ?
ሃይማኖት ሰበብ ብምግባር ንሰብ ብኻራ ምሕራድ`ከ እንታይ ንምብጻሕ ዝሃቀነ ኮን ይኸውን? ብርግጽ፡ ካብ ምሕራድ ክርስቲያን፡ ሃይማኖት እስልምና ዝኸስቦ መኽሰብ የልቦን? ሃይማኖት እስልማና፡ ካብ ከም`ዚ ዝበለ ፍጻሜ ዝኸስሮ እምበር ዝኸስቦ ቅንጣብ`ውን ትኹን የብሉን። እዞም ኣሸበርቲ ሓይልታት ግን ካብ ምብኣስ ምስልምናን ክርስቲያንን ዝኸስብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸቢብ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዕለማ ዘንቀዶ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎዎም። ኤርትራ፡ ናይ ተኸተልቲ እምነታት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ብሓደ ተሳንዮም፡ ተጎራቢቶም፡ ተመሓዝዮም ንዝፍጠሩ ማሕበራዊ ጸገማቶም ድማ ብዘተ ፈቲሖም፡ ንኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት ብሓባር ዝጸንሕዋ ሃገር`ያ። እዚ ባህሊ`ዚ፡ ብዝማዕበለን ብዝደልደለን፡ ናብ ናይ ስኒት ባህሊ ከነማዕብሎ፡ ናይ ነፍስ ወከፍና ዘየማትእ ሓላፍነት`ዩ።
- ኣሸበርቲ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይሃማኖታውን ኢሰብኣውን ተግባራት ኣትሪርና ንቃወሞን ንኹንኖን፣
- ንነጋዶ ሰብ፡ ካብ ስሰዐ ገንዘብን ሽፍትነትን ነቒሎም ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣስካሕካሒ ተግባራት፡ እንዳኾነና ኣፍቀርቲ ፍትሒ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን፡ ከካብ ዘለውዎ ለቒሞም ናብ ፍርድን ሕግን ከቕርብዎም ንጽውዕ።
- ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወስደ ቅትለትን ሽበራን ጠጠው ክብልን፡ ንመሰል ስደተኛታትብምልኣት ከኽብሩን ንጽውዕ።
- ስርዓት-ኣስመራ፡ ክብርን ድሕነትን ዜጋታቱ ዘየኽብርን ዘይሕለቕን ምዃኑ ብሩህ`ዩ። ስለዝኾነ፡ ብዝኾነ ዓይነት መዐቀኒ ንኤርትራን ህዝባን ክውክልን ብዛዕበኦም ክምድርን ርታዓውነት የብሉን።
- ሱር ነገርን፡ ቀንዲ ጠንቅን ምኽንያት ናይ ስደት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ከይተቐየረ፡ ስደትን ጥፍኣትን ቀጻሊ`ዩ።
- ስለዚ፡ ኩላህና ደቂ`ዛ ሓላል መሬት ፍልልይና ኣወጊድና ከም ኤርትራውያን፡ ብስኒትን ብሓድ-ሕድ ምልዛብን ምክብባርን፡ ጉዳይ ምድሓን ህዝብናን ሃገርናን ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ብስም ኩሎም ሰማእታትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብዝጠፍኡ ዘሎዉ ግዳያት ዜጋታትና ንማሕጽን፡
- ጻማ ስዉኣትና ከነረጋግጽ፡ ስደተኛታት ኣሕዋትና ካብ ምኽንያት ስደቶም ክሳብ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዘጋጠሞም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ፍጻሜን፡ ግቡእ ፍትሒ ክረኽቡ ጻዕርታትና ይቐጽል!
ስዉኣትና ብግብርና ይደበሱ!
ጽንዓትን ደበስን ንቤተ-ሰብ ግዳያት ኣብ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕርን
ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ
ሚያዝያ 26 2015
Saturday the 25th 2015, Eritreans and Ethiopians held a candle vigil night in Oakland (Lake Merritt) to remember the 350 Eritreans who perished in the Mediterranean Sea on April 15, for Ethiopians and Eritreans who were brutally massacred by ISIS in Libya, and those Africans who fell victim to xenophobic attacks in South Africa.
People gathered in the Candle Vigil expressed their deep shock and sadness over these recent events that left us horrified not only as Africans, but as human beings in this world.
Some of the participants delivered their messages and outlined the universal right of every human being to be treated with dignity on our planet, regardless of their background and wished love and understanding among all.
At last participants prayed may the victim souls rest in peace and may their families find the strength to deal with the loss of a loved one under such inhumane circumstances.
Candle Vigil Organizing Committee – Oakland
(The same committee that organized the same event in October 2013 after the Lampedusa Tragedy,http://asmarino.com/…/1874-eritreans-in-oakland-ca-held-can…)
ናይ ሽምዓ መብራህቲ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን አፍሪቃውያንን ግዳያት
ቀዳም 25 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ኦክላንድ ቤይ ኤርያ አብ ለይክ ሜሪት አብ ዝርከብ ፓርክ ነቶም 350 አብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝሃለቑ፡ ነቶም ብአኽራሪ ጉጅለ ዳዒሽ ተሓሪዶምን ተረሺኖምን ዝተቐትሉን ነቶም ብጽልኢ ወጻእተኛታት አብ ደቡብ ተጨፍጨኢፎም ዝተቐትሉ ንምዝካር ናይ ሽምዓ መብራህቲ አካይዶም።
እቶም አብቲ ቦታ ዝተአከቡ ተሳተፍቲ ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ህልቂት ዓሙቕ ቁጥዔን ሕርቃንን ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም። ከም አፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ፍጡራት ደቂ ሰባት ድማ ነቲ አስካሕካሒ ተረኽቦ ኮኒኖሞ።
ሓደ ሓደ ተሳተፍቲ ነቲ እኩብ ህዝቢ መልእኽቶም አብ ዘመሓላለፉሉ እዋን ዓለምለኻዊ መሰል ደቂ ሰባት ብዘይ አፋላላይ ክኽበር ተላብዮም፡ ሰላም ፍቕርን አብ ሙሉእ ዓለም ንኽሰፍን ድማ ተመንዮም።
አብ መዛዘሚ ኩሎም ተሳተፍቲ ንግዳያት ናይ ዘልአለማዊ ዕረፍቲ ክረኽቡ፡ ስድራን መቕርብን ግዳያት ድማ ጽንዓት ንኽረኽቡ ናይ ሓባር ጸሎት አካይዶም።
አዳላዊት ኮሚቴ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ - ኦክላንድ
እዛ ኮሚቴ አብ እዋን ላምፔዱሳ ተመሳሳሊ መደብ ምድላዋ ይዝከር (http://asmarino.com/…/1874-eritreans-in-oakland-ca-held-can…)