ጋዜጣዊ መግለጺ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

2015-04-28 16:20:33 Written by  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ Published in Community Center Read 4495 times

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

ኣብ ትሕቲ ``ኤርትራዊ ስኒት ንምድሓን ሃገር`` ዝብል ቴማ ሰሚናር ኣቃኒዑ

                                                                                 04/26/2015

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ኤርትራ ካብ  ኣትያቶ ዘላ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ከነድሕን ሙሉእ ዓቕምታት ንከነወሃህድ፡ ቅድም ጠንቂታት ምንጽጻግን ምንጽጻልን ክንብድህ --

  • ንሃገራዊ ስኒትና ዘዐንቅፉ ጠንቅታት ምልላይ:
  • ናይ`ዞም ጠንቅታት እዚኣቶም ታሪኻውን ባህርያውን ኣመዓባብሎኦም ምርዳእን ምንጻርን፡
  • ነዞም ጠንቂታት እዚኣቶም በዲህና፡ ንተሳባቢሩ ዝርከብ ሃገራዊ ምትእስሳርና ናብ ንቡር ክንመልስ መደብ-ስራሕ ተሊምና ነፈጽም  ... ዝብሉ ነጥበ ትሕዝቶታት ኣልዒሉ ዘትዩ።

ኣብ ሰሚናር ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ነጥብታት-  (1) ኣውራጃዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ምጉጅጃላት፡  (2) ኣድህቦና ኣረዳዳእና ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣብ ተርእዮታትን ፍጻሜታትን ተሓጺሩ ይትርፍ ምህላዉ፡ (3) ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋጋሓ (ብደረጃ ኮሎራዶ)  ድኽመት ምህላዉ፡ (4) ዕለት ኣኼባታት ጊዜያቱ ዘይቀያየርን ቀጻልን ዘይምዃኑ፡ (5) ናይ ተግባረ-ስራሕ ፕላን ዘይምህላው ... ናብ ሓደ ከምጻኣናን ከዕሰለናን ኣይከኣለን ... ዝብሉ ጉዳያት ብቀጻሊ ብዝዓመቖ ደረጃ ክዝትዮሎም ከፈጽሞምን ተሳማሚዑ ።

ቀንዲ ዝተጸቕጠሎም ነጥብታት፡

  • ስርዓት ኤርትራ ከየልገሰ፡ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣይፍታሕን`ዩ። ቀንዲ ኣትኩሮና ናብ`ዚ ዝቐንዐ ይኹን።
  • ቀንዲ ጻዕሪታትና-  ንምርግጋጽ ቅዋማዊት ኤርትራ ይኹን።
  • ጉዳይ መንእሰያት፡ ብግቡእ ይጸናዕ። ኣብ ቃልሲ ክሳትፎም ዝኽእል ባይታ ይፈጠር። እዚ ጉዳይ`ዚ ከም ፍሉይ ኣርእስቲ ተታሒዙ ይዘተየሉ።
  • ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ይውሰድ። ኣነ ዘይገበርኩዎ  .. .. መን? ... ኢልና ነፍስና ንሕተት።
  • ክንግልገለሉ ዝግባኣና ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መስኖታት ይጸንዑን ይፈተሹን
  • ኣብ ኮሎራዶ- ናብ  ሰብ-ስልጣናት መንግስቲ፡ ማሕበራዊ ትካላት፡ ኣብያተ-ጸሎታት፡ ንጸገማት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽሑፍ ጥርዓንና ነቕርብ።
  • ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሳልጣ ናይ ኣድሆ ሽማግለታት ይቑማ።
  • ናይ ዝተፋላለዩ ጉዳያት ዝጸናዓ፡ ናይ ምይይጥ ክበባት ይፈጠራ ።

ኣብ`ዚ ሰሚናር`ዚ፡ ካብ መንእሰያት፡ ዓበይትን ደቂ ኣንስትዮን ዝጠቓለለት፡ ብጉዳይ መንእስያት ትዝትን ትጥርንፍን፡ ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መሳለጥያታት እተጽንዕን፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዋ ወለንታዊት ሽማግለ ወጺኣ።

ሰሚናር፡ ንቕድሚት ብዝሰፍሐን ዝዓሞቕን ዘትዩ መደብ ስራሕ ከውጽእ፡ ኣብ ግንቦት 31 2015 እንደገና ኣኼባ ክገብር ተሳማሚዑ።