መንእሰይ በረኸት ይፍጠር፡ ከዳነ፡ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምሕማሙ፡ ብ ታሕሳስ 23 2014 ኣብ ሳንታሮዛ፡ ካሊፎርንያ፡ ብምዕራፉ፡ ንስድራ ቤቱን ኩሎም ፈተውቱን ወርዲዎም ዘሎ መሪር ሓዘን፡ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ በይ ኤርያ ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንእሰይ በረኸት፡ ኣሰር ስዉእ ኣቡኡ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነፍሰሄር ይፍጠር ኪዳነ ከይለቐቐ፡ ንኤርትራዊ ሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንስርዓተ ሕጊ ዝተቓለሰ፡ መንእሰይ ምዃኑ ንቤተ ሰቡ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና ሰዲህኤን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን ዓቢ ክሳራ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ፡ ንበረኸት፡ መንግስተሰማይ የዋርሶ እናበለ ንስዳቤቱን ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ሳንታሮዛን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
በይ ኤርያ፡ ካሊፎርንያ
ቀጺልና፡ ካብ ቤተ ሰብ ዝመንጨወ ናይ ፍትሓትን ስነ ስርዓት ቀብርን ነስዕብ፥
Download attachments:
- Bereket-yifter-kidane.pdf (1624 Downloads)