ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሃገር ሽወደን ኣብ ከተማ ሊድሾፒንግ ንምቅባል ሓድሽ ዓመት 2015 ሙዉቅ በዓል ኣካይዶም

2014-12-22 19:22:43 Written by  ወኪል ዜና ሰዲህኤ ሽወደን Published in Community Center Read 4181 times

ንዕለት 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ሓያሎ ከተማታት ሃገር ሽወደን ዝመጹ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ልዕሊ 95% ሓደስትን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ በዓል ንምቅባል ሓዳስ ዓመት 2015 ብኣሕዋት ተቀማጦ ስካራቦር ዝተዳለወ ካብ ሰዓት 18,00 ክሳብ ሰዓት 3,30 ወጋሕታ ኣብ ከተማ ሊድሾፒን ሙዉቅን ሰላማዉን በዓል ኣካይዶም። እቲ ልዕሊ 500 መንእሰያት ሓደስትን ገዳይምን ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ ብክልቲኦም ቋንቋታት ሃገርና ትግርኛን ዓረብን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን

Sweden Skaraborg New year2እቲ ቀንዲ ዕላም ናይቲ በዓል ከምቲ ናይ ህግዲፍ ንሳዕሲዒትን መስተን ምንጪ ገንዘብ ዘይኮነስ ብብሩህ ህልዊ መሪር ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንቋራቆረሉን እንዝክረሉን ብሓድነት ኣቢልና ንመላኺ ስርዓት ኣልጊስና ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ንምምስራት ዕዮ ገዛና እንትግብረሉ ዝሕበር መደረ መልእኽቲ እዩ ተኸፊቱ። ፍሉይ ተረኽቦ ናይቲ በዓል ከኣ ልዕሊ 95% መንእሰያት ኮይኖም ክሳብ ትሕቲ ዕድመ ዝተሳተፍዎ በዓል ኮይኑ፡ 5ተ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጨካን ሓለዋ ዶብ ህግዲፍ፡ ነቲ ዘይሰብኣዊ ድሑር ኣተሓሕዛ ደቂ ሰባት ኣብ ሱዳን ጸይረን፡ ነቲ ሃኪክ ጻምእ  ምደረበዳ ሰሃራ ሰንጢቀን፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ክፉእ ኣተሓሕዛ ናይ ሊብያዉያን ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቀን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንሃገር ሽወድን ዝኣተዋ ሕጻናት ትሕቲ ዕድመ ብኣላይተን ተሰንየ ኣብቲ በዓል መጺኤ ኣብ መድረኽ ቀሪበን ሰላም ምባለን ብሓቂ ንክትኣምኖ ዘሸግር ኣሰንባድን መሳጥን ህዝብናን ሃገርናን ክሳብ ክንደይ ኣብ ጸልማት ትርከብ ከም ዘላ ኩሉ ተሳታፊ በዓል ደላይ ፍትሒ ኣስተንተነ።

Sweden Skaraborg New year3እቲ በዓል ብምቅጻል ብወናማት መንእሰያት ወናማት እዋናዊ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዜማታት፡ ናይ ቀደም ገዳይም ደረፍትና ዝደርፍዎ መሃርትን ኣናፋቅትን መባራበርን ዜማታት ዝተሰነይ ሙሉእ ለይቲ ኣብ መንጎኡ ከኣ ብግጥምታትን ብኣውሎን ዝተሓዋወሶ ኣደናቂ በዓል ኣብቲ ቦታ ንመጀመርታ ዝተገብረ ብምኳኑ ብሓቂ ታሪኻዊ ዝኮነ ዕዉት በዓል ነበረ።

ሲዒቡ እውን እቲ ካልኣይ መልእኽቲ በዓል ንምቅባል ሓዲሽ ዓመት 2015 ናይ ስኒት ናይ ፍትሒ ናይ ዓወት ዓመት ትኹነልና ዝብል ጽንብል ብስድራቤት ዑመር ዝተወፈየት ናይ ሕብስቲ ቶርታ 2015 ዝተጻሕፋ 5ተ ጠራዕራዕ መብራቲ ተወሊኤን ሙሉእ ተሳታፋይ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጺ ብዓበይቲ ተባሪኹ ተዓደለ።

Sweden Skaraborg New year4እቲ በዓል በቲ ወሓሉ ኣዴታት ዝተዳለዉ በብዓይነቱ መግቢ ከሉ ከም ዝደለዮ እናተማላለሰ ክበልዕ ሓደረ። ምስኡ እውን ናይ ቡንን ሻሕን ሕንባሻታትን ሙቁር ቅጫታትን እናኾምሰዔን እናተዘናግዔን ልክዕ ሰዓት 3,30 ናይ ንግሆ ወጋሕታ ብምምስግጋን ነናብ ቦታኡ ማለት ዮተቦርግ ቦሮስ ማልመ ስቶኮልም ኦረቡሩ ዮንሾፒን ፋልሾፒንግ ስካራቦርግ ብሰላም ተመሊሶም።  

Last modified on Monday, 22 December 2014 20:56