ጋዜጣዊ መግለጺ: መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

2014-09-24 03:21:29 Written by  መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ Published in Community Center Read 92716 times

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡ መበል ዓሰርተው-ሓደ ስሩዕ ጉባኤኡ፡ ካብ 12-14 መስከረም 2014 ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣቓኒዑ። ኣብዚ እዋንእዚ፡  ጽላል ሾሞንተ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኾነ፡

ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዙ ዘይዉግን ፡ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንምኽባርን፡ እጃሙ  ንኸወፊ፡ ኣብ 2002 ዝቖመናጻ መርበብ ከኣ ኢዩ።   

መርበብ ፡ኣብዚ ጉባኤኡ፡ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ገምጊሙ፡ ሓያልን  ድኹምን ጎድንታቱ ድሕሪ ምምዛን፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ኣገባብ ስርሓቱ ንምክያድ ወሲኑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ምስ ካልኦት መሓዙት ሲቪካዊ ማሕበራትን ሃገራውያን ዉድባትን፡ ሰፊሕን ክፉትን ዝኾነ ሓባራዊ ስርሓት ንምስላጥ፡ ኣሚሙ።  ካብ ተልእኾኡ ብምብጋስ፡  መርበብ፡ ኣብ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ዲሞክራሲያዊ ቓልሲ፡ ብዕቱብነት ንኽዓይይ ብምትላም፡ መደባ ትስራሕ ዓመተ-2015 ሓንጺጹ። 

መርበብ፡ ንመሰል ብሄራት ብማዕረ ይጥምት፡። ኣብ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኣምንን የኽብርን። ቕዋማዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ፡ ኣበርክቶ ንምግባር ድልዉነቱ፡ ደጊሙ የረጋግጽ። ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ ዝኽሰተሉ ነቶም  ፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ምትሕግጋዝ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናብ ዕርቒ ንምብጻሕ ፡ ናይ ምቕልጣፍ  (catalyst) ሓላፍነት ንኽስከም ይጽዕት። ብጊሓቱ፡ መርበብና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ ዕላማ ኾነ ጥሙሕ ኣይነበሮን፡ ሕጂ እውን የብሉን። 

እቲ መርበብ፡ ተራ  በርጌሳዊ ማሕበር ንምጽዋት ኢሉ ብምሕላን፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ መንበር ሒዙ  ዘሰላሰሎ ንጥፈታት፡ ህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝነበሮን፡ ንዕኡ ንምርካብ ከኣ ፡ ኣብ ዉድድር ከም ዝኣተወ ገይሩ  ዝወሰደ፡ ግጉይ  ርድኢት ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ምንባሩ ተገንዚቡ። በዚ ድማ፡ መርበብ ንሕሉፍ ተሞክሮኡ ኣብ ባይቶ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይጥምቶ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክጥቀስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ መትከልን እምንቶን መርበብ፡ መርበብ ኣብ ጸወታ ሰልፋዊ ፖለቲካ (game of party-politics) ኣይኮነን ዝርከብ። የግዳስ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ፖለቲካ (national politics) እሞ ድማ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ህላውነታ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ዝተወደበ ኣሃዱ ይኹን  ዘይተወደበ ዉልቐ-ሰብ፡ከም ዜጋን  ከም ሰብ-እጃም (Stakeholders) ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዓቕሙ ክሳተፍን ከበርክትን ይግባእ። 

ነዚ ዝተጠቕሰ ምኽኑይነት ንምብራህ፡ መርበብና ኣብቲ ዋዕላ ንኽዋሳእ  ዝቐሰቦ፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ የንቆልቁል ብምንባሩን ብምጽንሑን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ከኣ፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን፡ ብዘላቶም ዓቕሚ ብሓባር ኮይኖም ክዋስኡ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ኢዩ ኢልና ስለ ዝኣመንናን ሕጂ’ውን ስለ እንኣምንን ኢዩ።  ምስዚ ብዝዛመድ፡ ብዝከኣል መጠን ንኩላቶም ኣብ ግዳም ዘለዉ ዲሞክራሲያዊ ሃገራውያን ሓይልታት ብዘሳትፍ መልክዑ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽኻየድ ካብ ከባቢ 2004 ኣትሒዝና፡ ክንደፍኣሉን ክንቓለሰሉን ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ነዚ ድማ፡ ከም ኣገባብ መጨበጢ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌርና ጠሚትናዮ ኣይንፈልጥን። ኣይኮነን’ውን። ኣብ 2010 ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክንሳተፍ ዝወሰንናሉ፡ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽን ሃዉህውን ዝጠለቦ ፡ ብምንባሩ እዉን ኢዩ።   

እምበኣርከስ፡ መርበብ ሕጂውን ካብቲ ቓልሲ ከይተጎናደበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብቐጥታዊ ሱታፌ፡ ንኸበርክቶ ኣሚትዎ ዝነበረ ዕማም ንኸሰላስል፡ እቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ስለ ዘይሓገዞ፡ ኣገባብ ኣቐላልስኡ ኣብ ምምዕርራይ ይርከብ። 

ክንዲ ዝኾነ፡ መርበብና፡ ነቲ ክብ ክብል ዝተነጸረ ዕላምኡ ንምጭባጥ፡ ኣብመጻኢ ኣብ ክንዲ ከምቲ ዝሓለፈ፡  ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ካልእ ነታ ሃገር ክጸልዉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ትካላትን መድረኻትን፡ ወንበር ሒዙ ብቐጥታ ዝነጥፍ፡ ኣብኡ ቐዋሚቦታ ተዓዛቢ  (Observer status )ረኺቡ፡ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ከሰጋግርን ከወጥሕን ዝኽእል መናብርን ቦታታትን ከይሓዘ ፡  ናይ ዓራቒ፡ ኣቐራራብን ሃናጽን መዝነት ንምስካም ኢዩ  ወሲኑ።   

 

ንምጥቕላል፡ መርበብና፡  ነዚተሃዋስን  ዘተሓሳስብን  ኩነታት ህዝብናብግቡእ ድሕሪ ምግምጋምን ምምይያጥን፡ ምስ ኩላተን ሃገራዊያን  ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት፡ ኢድን ጓንትን ብምዃን ፡ብሓባር ጸሚድና ክንገጥሞመጸዋዕታና ነመሓላልፍ። 

ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡- 

1)      ኤርትራውያን ንፍትሕን ንዲሞክራሲንበነሉክስ

2)      ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰላት - ጀርመን

3)      ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም - ጀርመን

4)      ኤርትራዊያን ንሰላምን ዲሞክራስን - ስዊዘርላንድ

5)      ምንቕስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን - ኖርወይ

6)      መቓልሕ ኤርትራጀርመን

7)      ህዝባዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ - ሽወደን

8)      ማሕበር ስኒት ሰላም - ጀርመን   

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!! 

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

15 መስከረም 2014

ፍራንክፈርት - ጀርመን

 

 

 

 

 

 

 

 

Last modified on Thursday, 25 September 2014 17:29