ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ብምኽንያት መዓልቲ ምውጋድ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ
2024-11-25 17:01:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 236 timesዓለም ለኻዊ ትካል፡ “ገስጋሲ ምሕዝነት” ብምኽንያት 25 ሕዳር ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኩለ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ምውጋድ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ናይዚ ዓመትዚ መሰረታዊ ቆላሕታኡ ዝሃቦ ዛዕባ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ( women in politics and activism,” ዝብል ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ ነተን ብጾታአን ጥራይ ድምጸን ዝዕፈንን ካብ ሕብረተሰብ ዝግለላን ብዱላት ምሕላቕ ከም ዝኾነ ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ግምት ብምእታው “ብሓባር ኣብ ጐነን ንሰለፍ” ከም ዝብል’ውን ጠቒሱ።
እቲ ክውገድ ዝግበኦ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምፍርራሕን ግጉይ ሓበሬታ ምሃብን፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ናይ ምምራሕ ግደአ ምግላል፡ ዲሞክራሲያዊ መሰለንን ማሕበራዊ ዕቤትን ምኽልካል የጠቓልል። እቲ ዘጋጥመን ጸገም ምግሃስ መሰላተን ጥራይ ዘይኮነ፡ መትከላት ፍትሕን ማዕርነትን ዝጻረር እውን እዩ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ብማዕዶ ብናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምፍርራርሕን ጾታዊ መጥቃዕቲ ምፍጻምን ከም ዘጠቓልል ከኣ ገስጋሲ ምሕዝነት ተሓቢሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት፡ እቲ ኣንጻር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ዝተጸንዐን ረቂቕን ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ንክውገንድ ዝኽእል ንጸኒሓዊ ኣሰራርሓ ብፍትሓዊ ትካላዊ ናይ ኣተሓሕዛ መርበብ ምትካእ ከም ዘድሊ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምትግባር ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ማዕርነት ናብ ዝረጋገጸላ ዓለም ክጐዓዙ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ።
ገስጋሲ ምሕዝነት ነዚ ኣገዳሲ ዕለት መዓልቲ ኣንጻር ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
1.ኣብ መስርሕ ፖለቲካን ተሓላቕነትን/ትግሃትን ደቂ ኣንስትዮ ንዘካየደኦ ቃልሲ ምዕዛዝ፡ 2.ንዝለዓለ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ምኽታልን ምድጋፍን፡ 3.ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሳይበር/ብማዕዶ (online) ዝግበር ረቂቕ ቃልሲ ምሕያልን ምምዕባልን፡ 4.ጾታ መሰረት ዝገበሩ ዓመጻት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ቀጻሊ ንክኸውን ምድፋእ፡ 5. ብፍላይ ከኣ ግህሰት መሰላት፡ ውግእ፡ ወጽዓን ዲክታተርነትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንከይገሃስ ኣጽኒዕካ ምቅላስ፡ ዝብሉ ይርከብዎም።