ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ
2024-11-27 09:25:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 170 timesኣቦ መንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ናብ ኣስመራ፡ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሩ ዓሊ ዩሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ብ26 ሕዳር 2024፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ነቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ድማ ብትሪ ከም ዝኸሰሶ ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ምስቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣልቡርሃ፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ስለያ ሱዳን ሌ/ጀነራል ኣሕመድ ኢብራሂም ሞፋዳልን ሚኒስተር ባህልን ዜና ኻልድ ዓሊ ኢልዓሲርን ሓቢሮም ናብ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዙ ከኣ ቢቢሲ ኣፍሊጣ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅሉዓት መድረኻት ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ወጻኢ ኢድ ኣእዳውነት ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ እዩ ዝጽውዕ። ብግብሪ ግና ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ዝተዓለመ ሰራዊት እናዋፈረ ነቲ ውግእ ኣብ ምግዳድ ዝርከብ ዘሎ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን፡ ዓሊ የሱፍ ኣሕመድ ኣሸሪፍ ኣብ ተመሳስሊ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ ተራኺቡ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ዝርርቦም፡ ኣብ ርእሲቲ ንህልዊ ኩነታት ሱዳንን መፍትሒኡን ዝምልከት ምጥቃሶም፡ ብዛዕባ ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘልዓሉ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤማራት ብምትሕብባር ናብቲ ብጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ኣጽዋር ከተሰጋግር ጸኒሓ ተባሂላ ትኽሰስ እያ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሱዳናዊ ፖለቲከኛ፡ ያሲን ዓርማን ዝምራሕ፡ ግንባር ሱዳናዊ ሰውራዊ ዲሞክራሲ፡ ብ24 ሕዳር 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣንጻርቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንክስለፍ፡ ናብ ሰፊሕ ሲቪላዊ ግንባር ሱዳን መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ። ዓርማን ኣብቲ ጸዋዒቱ ኣተሓሒዙ፡ ሓይልታት ሰውራን ለውጥን ሱዳን ክሓብሩን ውግእ ጠጠው ዝብለሉ መንገዲ ክጸርጉን ጸዊዑ።