ሓለፍቲ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ መብርሂ ሂቦም

2023-12-07 10:59:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 344 times

ሓለፍቲ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣሕዋት ገረዝግሄር ተወልደ ኣመበርን እስማዒል ገበይታ ሓላፊ ዜናን ምስ ተለቪዥ ኤሪሳት መደብ “ዛዕባታትና” ርክብ ኣካይዶም። ኣብዚ ብቋንቋ ትግርኛን ዓረበኛን ዝሃብዎ መርሂ፡ ፖሓኤ ኣቚመን ዘለዋ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ (ስሃግኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ምዃነን ጠቒሶም።

ፖሓኤ ንምምስራት ቅድሚ 4 ዓመታት ብተበግሶ ነፍስሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ብናጻ ውሳነ ናይተን ዝሳተፋ ዝነበራ ውድባት ዝተመስረተ እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ዝልዎ፡ ድሕሪኡ ናይ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ ኢድ ከምዘይነረ ብሰፊሑ ኣብሪሆም። ምስዚ ምትሕሓዝ ድማ ምምስራት ፖሓኤ መበገሲ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ንኹሎም ሓይልታት ኤርትራ ዘሳትፍ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ ኣረዲኦም።

እቶም ኣሕዋት እቲ መሰጋገሪ ኣካል ናብ ዝሰፍሐ ጽላል ዘሰጋግር ምዃኑ ምስ ገለጹ ክሳብ ኣብኡ ዝብጻሕ  ኣብ ዝተወሰኑ ከም ዲፕሎማሲያዊ፡ ዜናውን ህዝባውን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ መስርሕ ምምስራት ዘገምታዊ ምንባሩውን ኣይሓብኡን። እተኾነ ሳላቲ ዝተገረ ጻዕሪ፡ ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ካብ ሕድሕድ ምጽልላምን ምጽራርን ድሒነን ምህላወን ከም ሓደ ኣውንታዊ ናይቲ ምቅርራብ ኣንፈት ጠቒሰምዎ።

ኣብዚ መብርሂኦም እቲ ብገለ ናይ ማሕበራዊ መድያታት፡ ፖሓኤ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓፋር ብዛዕባዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺበን ተባሂሉ ዝተወርየ ሓሶትን መሰረት ዘየብሉን ምዃኑ ኣብሪሆም። ብፍላይ ኣብቲ መድያ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዝብል ስሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ሓው እስማዒል ገበይታ፡ እቲ ዝተባህለ ሓሶት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘይስምዖም ኣካላት ዝተነዝሐ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰፊሕ መብርሂ ሂብሉ።

ፖሓኤ ዝተመስረተሎም ነጥብታት ብዝምልከት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ፡ ሰፊሕ ዝርዝር ኣብ ዘየብሉ፡ “ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፡ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣ ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፡ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን”  ዝብሉ ዘጠቓልል ምዃኑ ጠቒሶም። 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሓፈሻ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብፍላይ ከኣ መቃለሲ ጽላል ኣብ ምምስራት ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዘለዎም ዓቕሚ ክጽዕቱ፡ ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣንጻር ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ ዓገብ ንክብል መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም።

Last modified on Thursday, 07 December 2023 13:24