981#ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ እገዳ ሶማልያ ኣልዒሉ፡ ኣብ ሱዳን ድማ ተልእኮኡ ኣቋሪጹ

2023-12-03 08:53:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 445 times

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ1 ታሕሳስ 2023 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብ ሶማሊያ ቅድሚ 31 ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ከልዕል እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ድማ ከካይዶ ዝጸንሐ ተልእኮ ዝተወሃሃደ ደገፍ ንምስግጋር ክቋረጽ ከም ዝወሰነ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጣ።

ኣብ ሶማሊያ ናይ ኣጽዋር እገዳ ዝተወሰነ ቅድሚ 31 ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 1992 ምውዳቕ መንግስቲ ዚያድ ባረ ተኸቲሉ ክስዕብ ዝኽእል ናዕብን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንምቁጽጻር ተባሂሉ ምዃኑ ኣብቲ ውሳነ ተጠቒሱ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብቲ ውሳነኡ፡ ናብ ሶማሊያ ዝኣቱ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውትን፡ ካብ  መንገስትን ዝተፈቕደሎም ኣካላትን ወጺኡ ከይሽየጥን ኣብ ኢድ ውልቂ ኣካላት ከይኣቱን ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ሶማሊያ ብግቡእ ዝተሃንጹን ዝተሓደሱን ናይ ኣጽዋር መዕቀቢ ማእከላት ክህልዉ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣንበሳደር ሶማሊያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቡበከር ዳሂር ዑስማን፡ ናይቲ እገዳ ምልዓል ሶማሊያ ነቲ ካብ ዓቃብ ሰላም ሓላፍነት ናይ ምርካባ መስርሕ ምትግባር ከም ዘኽእላ ጠቒሶም። ከምኡ ድማ ምንቅስቓስ ኣል ሽባብ ሓዊስካ ዘለዋ ዝግኣታት  ንምምካት ከም ዝሕግዛ ኣፍሊጦም።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ ሱዳን ዝጸንንሐ ዝተወሃሃደ ናይ ምስግጋር ተልኡ  ንክቋረጽ ኣብቲ ናይ ባሕቲ ታሕሳስ 2023 ኣኼባኡ ወሲኑ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ምቁራጽ መስርሕ ካብ 4 ታሕሳስ 2023 ከም ዝጅመርን  እቲ ተልእኮ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈታት ኣብታ ሃገር ናብ ዘለዋ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንክሰጋገርን ኣዚዙ።

እቲ ተልእኮ 29 ለካቲት 2024 ዘቋረጽ ኮይኑ፡ ክሳብ ባሕቲ መጋቢት 2024 ድማ ምጽፋፋትን ናይቲ ተልእኮ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ምውጋንን ከም ዝቕጽል ኣብቲ ውሳነ ሰፊሩ። መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ ብ16 ሕዳር 2023 ናይቲ ተልእኮ ሓላፊ “ኣብ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ውድባት ኢዱ የእቱ ኣሎ” ብዝብል ኣፍልጦ ነፊግዎ ነይሩ እዩ።

Last modified on Sunday, 03 December 2023 10:00