መሪሕነት ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ኣኼባ ኣካይዱ

2023-12-08 11:17:30 Written by  መሪሕነት ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 418 times

ሓሙስ 7 ታሕሳስ 2023 መሪሕነት ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ።

  • ንጥፈታት ምትእስሳር ምምዛን
  • ናይ ምትእስሳር ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ ምውሳን
  • ኣሰራርሓ ዘማዕብል ሓድሽ ኣብ ቅዋም ምትእስሳር ክተኣታቶ ዘለዎ ሓሳባት ምድህሳስ

ንጥፈታት ምትእስሳር ብግቡእ መዚኑ። ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ንምሕጋዝ ዝተገብረ ጻዕርታትን ክሳብ ሕጂ ዝተበርክርተ ሓገዛትን ኣመጒሱ። በቲ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይቅሱን ኩነታትን ቤት-ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ዝያዳ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣኼባ ተገንዚቡ። ኣብ ስደት ዘለዉ ደቅና ኣብ ርእሲ ምስዳዶም ክድንቁሩ የብሎምን ካብ ዝብል መትከላዊ እምነትና ተበጊሱ  ሕጂ’ውን ዝከኣል ሓገዝ ከበርክት ኣኼባ ወሲኑ።

ክሳብ ሕጂ ብደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ካብ ህዝቢ ዝተወፈየን ካብ ሽያጥ ኣቕሑት ዝተኣከበ ገንዘብን ኣተሓሕዝኡን ጸብጻብ ቀሪቡ። መሪሕነት ምትእስሳር ንዝቐረበ ጸብጻብ ገንዘብ ጽፉፍ ምንብባሩ ብምልኣት ተሰማሚዑሉ።

ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ኣብ 14 ሕዳር ናይ 2020 ጉባኤ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2024 ጉባኤ ክካየድ ወሲኑ።

ሕሉፍ ተመኩሮና ድሕሪ ምምዛን ስራሕና ብጽፉፍ ንምክያድ ዉሽጣዊት ተቆጻጻሪት ወይ ኦዲተር ከምተድልየና ኣኼባ መዚኑ።

ኣኼባ ብህዱእ መንንፈስን ምክብባርን ተደምዲሙ።

                               

Last modified on Friday, 08 December 2023 12:24