ጋዜጣዊ መግለጺ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ

2023-11-18 10:09:36 Written by  ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ Published in EPDP News Read 1577 times

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብወርሒ ለካቲት 2020 ብዕድመ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል ኣካያዲ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራ ክብገስ እንከሎ፡ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ድምጽን ተግባርን ደምበ ተቓውሞ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽ እዩ። 

እዚ ዕማም’ዚ ምስ ኣተሃላልዋ ብዝሒ ውድባትን ፍልልያት ኣተሓሳስባን፡ ኣብ ተመክሮ ከም እተራእየ፡ ብቐሊሉ ክሳለጥ ዝኽእል ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ብዝተገብረ ስምምዕ፡ መስርሕ ሓባራዊ ዕዮ፡ ብመድረኻት ከም ዝከፋፈል ብምግባር፡ ምውህሃዳዊ መድረኽ ጀሚሩ፣ ብሚያዝያ 2022 ከኣ ናብ ሰፊሕ ጽላል ንምስግጋር ብመትከል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ተመክሮ መድረኽ ምውህሃድ፡ ንኣካላት ፖሓኤ ምልላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተወሃሃደ ዕማማት ንምክያድ፣ ኣተሓሳስባ ሓድሕድ ንምርዳእን፡ ንምጽውዋርን ሓጊዙ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ እዋናዊ ጠለብ ህዝብና ንዝኾነ ኣድላይነት ምልጋስ ምልካዊ ስርዓትን፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሐ ወስታታቱን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ስቅያት፡ ሓባራዊ ግንዛቤ ክህሉ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ንጉዕዞ ሓባራዊ ዕማም ዝዓናቐፈ፡ ንመስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ከኣ ዘደናጐየ ፍልልያት ከም ዝጸንሐ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ዝተገብረሉ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ክትግበር ኣይተኻእለን። ግንከ ውድቀት ናይቲ ዝጀመረ ሓባራዊ መስርሕ ከም ዓብላሊ ምርጫ ፖሓኤ ኣይተወስደን።  ስለ’ዚ ከኣ ፈትሊ ርክባትን ዝምድናታትን ከይተበትከ ዘተ ቀጺሉ። ስምምዕ ኣብ ዘተረኽበሎም ጉዳያት ጥራይ እናተሰርሐ፣ ንልዝብን ዓሚቕ ምይይጣትን ሰፊሕ ዕድል እናተዋህበ ምቕጻል ተኻኢሉ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ምቛም ሓደ ሰፊሕ ጽላል ዘሰጋግር ግዝያዊ ሓባራዊ መሪሕነት ንኽቀውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑስ ኣብ  02 መስከረም 2023 ዝተገብረ ጽንብል ተነቢቡ። እንተዀነ ዕለት 10 ሕዳር (November) 2023 ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ወከልቲ ኤሃባደለ ኣብ ውሽጢ ኤሃባደለ ገለ ዘይምርድዳኣት ተፈጢሩ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ተጀሚሩ ዘሎ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት መስርሕ ንግዚኡ ሓቢሮም ክቕጽሉ ዘይምዃኖም ኣፍለጡ። ስለዚ ከኣ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ዝቕጽል ዕማማቶም ዓወትን ኣሳልጦን ክረኽቡ ተመንዮም ተሰናቢቶምና ኣለዉ። ንሕና'ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ሽግሮም ፈቲሖም ምሳና ክቕጽሉ ዘሎና ሰናይ ትምኒት ገሊጽናሎም።

እቶም ዝተረፉ ኣካላት ናይዚ ጥርናፈ ማለት ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)። ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) ላዕለዋይ መሪሕነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ጽሕፈታት መዚዞም ብኣቦ መንበርነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ምክትሉ ሓው ያሲን ዓብደላን እናተመርሑ ካለኦት ኣርባዕተ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቶም “ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝብል ስም ተጠርኒፎም ክሰርሑ ጀሚሮም ከምዘለዉ ንኹሉ ደለይ ፍትሕን ለውጥን ከነበስር ንፈቱ። 

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝምርኰሰሎም ሃገራዊ መበገስታት ከኣ እቲ ብወርሒ 1, 2023 ተሓዲሱ ዝጸደቐ መሰረታዊ ስምምዕ ኮይኑ፡

  • ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣
  • ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ
  • ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ
  • መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ዘጠቓልል እዩ።

ንዝሓለፈ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘውረዶ ዘይተኣደነ ብርሰት ከይኣክል፡ ሕጂ ኣብ ንልዑላውነትና ዝፈታተን ኣንጸላልዩና ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ካልኣዊ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ኣብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፈርክቡ ዕላማታት ክጠራነፉ ኣለዎም ዝብል ኣምነት ኣለና። ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝብል ናይ ኩላትና ተቓለስቲ ሓይልታት ዕላማ ተግባራዊ ንክኸውን ብዘይካዚ ካልእ ቅኑዕ መተካእታ ኣሎ ኣይንብልን።

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ መጀመርታ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። የግድስ ምስቶም ካለኦት ተቓለስቲ ሓይልታት ተሻሪኹ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕን ዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር ጭቡጥን ሉሉይን ስራሕ ክስርሕ ምዃኑ ከም ቀንዲ ዕማሙ ጌሩ ተበጊሱ ኣሎ። ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ በቶም ሕጂ ተጠርኒፎም ዘለዉ ኣካላት ጥራሕ ኩሉ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክፈትሕ እዩ ዝብል ሕልሚ የብሉን። እንተወሓደ ግን ኣብ መስርሕ ምቅልጣፍ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ልሉይ ኣስተዋጽኦ ክገብር ከምዝኽእል ብርእሰ ተኣማንነት ተበጊሱ ኣሎ። ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ደለይቲ ለውጥን ናይ ምምልላእ ተራ እምበር ናይ ምውድዳር ሸውሃት የብሉን። ስለዝኾነ እምበኣር ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኩሎም ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ዉዑይ ናይ ቃልሲ ህሞት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓድነቶም ከጠናኽሩ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።

ዓወት ንደሞክራሲያውን ህዝባውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

17/11/2023

Last modified on Saturday, 18 November 2023 11:16