ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ረዲአት ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክትቅጽሎ’ያ’

2023-11-15 21:34:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 404 times

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ረዲአት፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ከም እትቅጽሎ ተሓቢሩ። በቲ ነዚ ብዝምልከት  ብትካል ረዲአት ኣመሪካ (USAID)  ብ14 ሕዳር 2023 ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ሰብኣዊ ረዲአት ተቛሪጹ ዝጸንሐ፡ ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላ ሰፊሕ ምትዕርራይ ክሳብ ዝግበር ምንባሩ ተፈሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ቀረብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሕጽረት ዝኣተወ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ደርቅን ምዃኑ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ።

ትካል ረዲአት ኣመሪካ/USAID ኣብ ኢትዮጵያ ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ እቲ ናብቶም ተጸበይቲ ዝቐርብ ሓገዝ ስለ ዝተሰርቀ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በቲ ኣካይድዎ ዘሎ ምትዕርራይ፡ ኣብቲ ኣተዓዳድላ ቀጻሊ ምቁጽጻር ከም ዘካይድን ደረጃ ኣበርክቶ ናይቶም ምስኡ ሓቢሮም  ዝሰርሕኑ ሰብኣዊ ትካላትን መንግስታዊ ጽፍሕታትን ከም ዝግምግምን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ከም ዝተጠቐሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ምቁራጽ ናይ መግቢ ረዲአት ዘተበጽሐ  ብዝምልከት ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ተገይሩ ዘሎ ምትዕርራይ ንኣቀራርባን ምቁጽጻር  ረዲአት መግቢ ኣብ ኢትዮጵያን፡  ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከሰጋግሮ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣቀራርባ ንምትግባር ምስ ትካላት ኣቕረብቲ ረዲአት ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ምርግጋጹ እቲ መግልጺ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል ኣብ ኣዘረጋግሓ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግባእ  ንተግባር ተዳልዩ ከምዘሎን ብኣኡ መሰረት ከም ዝንቀሳቐስን እቲ ናይ 14 ሕዳር 2023 መግለጺኡ ጠቒሱ።

Last modified on Thursday, 16 November 2023 11:01