ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ውግእ፡ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ይወድቁ’ለዉ

2023-11-07 13:31:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 482 times

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ትካል ዩነሴፍ፡ ሕብረተሰብብ ዓለም ህጻናት ሱዳን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መከራ ንምድሓን ኣባርክተኦም ከሕይል ጸዋዒት ኣቕሪቡ። ናይቲ ትካል መግለጺ ኣተሓሒዙ “ህጻናት ሱዳን ብሰንክ’ቲ ዘይፈጠርዎ ውግእ ከቢድ ናይ ህይወት  ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ’ውን” ኢሉ።

መግለጺ ዩነሴፍ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቁጽሪ ህጻናት ዝተመዛበሉላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣስፊሩ፡ 3 ሚልዮን ህጽናት ካብቲ ዝወርዶም ዘሎ ግህሰት ንምድሓንን መግቢ፡ ውሑስ መዕቆብን ጥዕናን ንምርካብን ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጽእን ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይሃድሙ ከምዘለዉ  ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን 14 ሚልዮን ህጻናት ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ። መብዝሕትኦም ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት፡ መቑሰልትን ግዱድ ዕስክርናን ሓደጋ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። እቲ ጸገም ጾታዊ ዓመጽ እውን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ኣብ ካርቱም፡ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ምሕያሉ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናት ዝወርድ ዓመጽ መሊሱ ይገድድ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ኣቃሊዑ።

ኣብዚ እዋንዚ 19 ሚልዮን ህጽናት ሱዳን ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም ኣለዉ። እዚ ከኣ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ትምህርታዊ ቅልውላው ዝወደቐት ሃገር ኮይና  ተመዝጊባ ኣላ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዩነሴፍ ኣብ ሱዳን ኮነ ጐረባብቲ ሃገራት ህይወት ህጽናት ንምድሓን ናይ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና፡ መግቢ፡ ውሑስ መጽለልን ትምህርትን ሓገዝ ይገብር ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ናይ ቀረብ ሕጽረት ከም ዘጋጠሞ   ኣፍሊጡ።

ብዘይካዚ ከም ናይ ኮሌረላን ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብ ሱዳን የስፋሕፍሑ ስለ ዘለዉ፡ በዚ ሓደጋ ይጥቅዑ ካብ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕትኦም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ዩነሴፍ ኣስፊሩ።

Last modified on Tuesday, 07 November 2023 14:40