ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ 2ይ ዙር ዘተ ይካየድ ኣሎ

2023-11-08 17:55:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 538 times

ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኩምሳ ደሪባ/ጃል መሮ (ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

 “ጃል መሮ” እናተባህለ ዝጸዋዕ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኩምሳ ደሪባ፡ ዝሳተፈሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር 2ይ ዙር ዘተ ብ7 ሕዳር 2023 ኣብ ኣብ ከተማ ዳረሰላም-ታንዛንያ ከም ዝተጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ።

እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ኩምሳ ደሪባ፡ ብሓገዝ ነቲ ዘተ ዘሳልጡ ዘለዉ ወጻእተኛታት እዩ ካብ ወለጋ መዓርፎ ነፈርቲ ደንቢደሎ ናብቲ  ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ንመጀመርያ ግዜ ብኣካል ዝተራኸብሉ  ቦታ ተወሲዱ። ካልኦት ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ ከኣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተ ኣካል፡ ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ብዝበሃል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝምራሕ እዩ።

ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸቶ፡ ቅድሚዚ 2ይ  ዙር ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ላዕለዎት ኣዘዝቲ  ክልል ኦሮሞን ክልተ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብስቱር ክዛተዩ ከም ዝጸንሑን ዘተኦም ኣውንታዊ ውጽኢት ከም ዝነበሮን ተሓቢሩ። እቶም ኣብቲ ናይ ቅድመ-ወግዓዊ ርክብ ዝተሳተፉ ኣካላት እንተደኣ እዚ 2ይ ዘተ ተዓዊቱ ኣብ ምክታም ስምምዕ ተበጺሑ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ዞባዊ ትካል ኢጋድ ካብቶም ቀንዲ ኣቀራረብቲ ናይዚ 2ይ ዙር ዘተ ኮይኑ፡ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዳይረክተር ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ክልቲኦም ወገናት ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎ፡ ናይቲ ርክብ ናይ ምዕዋት ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ይግምቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ኣብ መንጎ እዞም ኣካላት ዝተኻየደ ቀዳማይ ርክብ፡ ኣብ ስምምዕኳ እንተዘይበጽሐ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጽታት፡ እቲ ርክብ ኣንታዊ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ ከም ዝቕጽልዎ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ከቲሙ፡ ሎሚ ድማ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዘተ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከኣ ኣብ ሓያል ውግእ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

Last modified on Wednesday, 08 November 2023 19:08