ቃል ሓዘን መስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን

2023-11-04 09:51:29 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1016 times

 ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን፡ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023  ብሕማም ምኽንያት ከም ዝዓረፈ ተረዲእና ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን ስለ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ኤርትራ ዘበርከቶ ሰፍ ዘይብል ተወፋይነትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣገልግሎትን እናዘከረ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።

ተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን፡ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1971 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ናብ ሜዳ ክስለፍ እንክሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብመሃንድስነት ትምህርቱ ኣጠናቂቑ፡ ኣብ ፊያት ካምፓኒ ተቖጺሩ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ጠንጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምስላፉ ኣብ ሃገራዊ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓኤ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምምሕዳር ጸጥታ፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን፣ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዓቢ ብቕዓትን ብተወፋይነትን ኣገልጊሉ። ሓው ኸሊፋ ዑስማን ብዕምቈት ፍልጠትን፡ ብስፍሓት ፍልስፍናዊ ርእይቶን ዝፍለጥ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ዓረበኛ ዝመልኽ ዓቢ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክኢላ ተቐላሳይ ምንባሩ ዝምስከረሉ እዩ።

እንሆ እዋን ኣኺሉ፡ ኣብታ ምሉእ ዕድሜኡ ዝኸፈለላ ሃገር፣ ምስቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዘገልገሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህይወት ከስትማቕርን መሬት ሃገሩን ከረግጽ ዝተነፍገ ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ግዳም ዓሪፉ ኣሎ።

ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ፡ ዑስማን ኣብ መላእ ስድራቤት፣ ቤተ ሰብን፡  መቓልስቲ ብጾቱን፡ ወሪዱ ዘሎ ሓዘን፡ ከቢድ ምዃኑ እናተረዳኣና፡ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ይሃበና፡ ጠሉ ይግደፈልኩም ንብል።

ንተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ከኣ መንግሰተ ሰማይ የዋርሶ!  

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር

Last modified on Saturday, 04 November 2023 10:56