ናይ 10 ሃገራት ኤምባሲታት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን

2023-11-02 20:52:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 637 times

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ምቁራጽ ህውከትን ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን ፕሪቶሪያ ብዝምልከት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኤምባሲታት፡ ኣወስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ጃፓን፡ ነዘርላንድስ፡ ኒውዘላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊደንን ዓባይ ብሪታንያን ነቲ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ኣፍልጦ ንምሃብ  ብ2 ሕዳር 2023 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ነቲ ስምምዕ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ፡ ኩሎም ወገናት ድሕሪቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ንዘርኣይዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ከም ዝህብ ጠቒሱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ድምጺ ብረት ዘቋረጸን ንቐጻሊ ሰላም እቲ ዞባ ባይታ ዘንጸፈን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቱ። መግለጺ ኣተሓሒዙ እዚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት፡ ነቲ ዝተረጋገጸ ዓወት ንምዕቃብ፡ ዝተረፈ ብደሆታት ንምንጻርን መጻኢ ኣበርክቶ ንምዝያድን ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ከኣ ኣንጸባሪቑ።

ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ መጻኢ ኣብ መዳያት፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን፡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምይይጥ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ፡ ምምላስ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ፡ ምሕጋዝ ናይ ውግእ ግዳያትን ዝኣመሰሉን ዝያዳ ክስራሕ ከም ዝድግፍ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።

እቶም ኤምባሲታት፡ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ሃገራቶም፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መሓዙት ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ይሰርሓ ከም ዘለዋ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።  ዝምልከቶም ፈረምቲ ወገናት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ክሰርሑ ድማ እቲ መግለጺ ጸዊዑ።

ምዝካር ቀዳማይ ዓመት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መንገዲ ሰላም ዝኸፈተ ምዃኑ ንምምልካት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ኩነታት እውን ብሰላም ንክፍታሕ ዘተባብዕ  ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ

Last modified on Thursday, 02 November 2023 22:02