ድሕሪ ሓደ ዓመት’ውን ኣብ መስርሕ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ

2023-11-02 10:38:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 530 times

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ዝተፈረመን ጌና ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን  ዝተፈላለዩ ወገናት ሚዛኖም ይህቡ ኣለዉ።

እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ውግእ በዚ ስምምዕዚ ስለ ዝተቛረጸ፡ ካብቲ እንተዝቕጽል ክስዕብ ዝነበሮ ተወሳኺ ህልቂትን ዕንወትን ዘድሓነ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝዓበየ ኣውንታዊ ገጹ ምዃኑ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ምቁራጹን ተኣሲሮም ዝነበሩ  ምፍተሖምን፡ ከም ኣገልግሎት ተለፎን፡ ባንክ፡ ሕክምና፡ ትራንስፖርትን ዝኣመሰሉን ናብ ንቡር ምምላሶምን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመስሪቱ፡  ሓያሎ መንግስታዊ ትካላት ናብ ንቡር ምምላሶም’ውን  ከም ኣውንታዊ ውጽኢት ናይቲ ስምምዕ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም።

ብኣንጻሩ በቲ ስምምዕ መሰረት ክትግበሩ ካብ ዝነበሮም፡ ከባብታት ወልቃይትን ራያን ናብ ምምሕዳር ትግራይ ዘይምምላሶምን እቶም ካብኡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዘይምጥያሶምን ከኣ ካብቶም ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብኣሉታ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ውዕል መሰረት ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን መሊኦም ካብ ትግራይ  ዘይምውጸኦም ከም ዘይተተግበረ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ መስርሕ ትግባረ  ናይቲ ስምምዕ ክከታተል ብሕብረት ኣፍሪቃ ቆይሙ ዝነበረ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ቀልጢፉ ስራሑ ምቁራጹን ንጉዳይ ንምጽራይ ናይቲ ዝወረደ ጥፍኣትን ተሓታትነትን ዝምልከት ኣቓልቦ ዘይምሃብን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ በቲ  ስምምዕ መሰረት ሰራዊት ትግራይ በቲ ዝድለ ደረጃ ዕጥቁ ኣይፈትሐን ዝብል ስምዕታ ጌና ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ድሕሪዚ ብኣወሃሃድነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ግዱሳት ሃገራትን ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብቶም ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ዘኸተለ ኮይኑ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ እውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእተወ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ እዩ።

Last modified on Thursday, 02 November 2023 11:59