ሰሙናዊ ዜናታት ከባቢና

2023-10-05 22:05:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 571 times

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶባት ኤርትራ ዓጽዩ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ብፋኖ ዝፍለጥ ሓይሊ ኣምሓራ ኣትይዎ ዝጸንሔ ወታሃደራዊ ግጥምያ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውድኦ ክምዝኽእል ክገልጽ እዃ እንተጸንሔ፡ እዚ ወተሃደራዊ  ምትህልላኻት’ዚ  ግን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ኣእትይዎ ምህላዉ  ዘይሳሓት ኣዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂውን ንፋኖ ኣምሓራ ጠሪስካ ንምድምሳስ የኽእለኒ እዩ ዝበሎ ዶብ ኤርትራ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ምትሕልላፉ ትማሊ ረቡዕ 04 ጥቅምቲ 2023 ማይ ቪውስ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዜና መንግስቲ ኢትይጵያ ዝወሰዶ ዶብ ኤርትራ ናይ ምዕጻው  ውሳኔ ናይ ምወዳኣታ ጽፍዒት ኣንጻር ፋኖ ምዃኑ  እዩ’ውን  ይብል።

መንግስቲ ነዚ ውሳኔዚ ዝወስድ ዘሎ ከኣ፣ ብኣንጻር ናይቲ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰባት ንዘተ ዝጽውዕሉ ዘለዉ ግዚ ከምዝኾነ  ይፍለጥ። ካብቶም ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ሽግር ብዘተ ንኽንፍታሕ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣካላት ድማ ናይ ወጻኢ ግዳያት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን እቲ ናብ ኢትዮጵይ ክመላለስ ዝጸንሔ  ማይክሃመርን ክጥቀሱ ከምዝኽእሉውን እቲ ዜና ኣብሪሁ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሓድሽን ወሳንን ዝብሎ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኤርትራ ብሸነኽ ወልቃይት ሑመራ ምስ ኢትዮጵያ እትራኸበሉ ዶባዊ መስመር ከምዝኮነውን ዝፍለጥ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራን ወልቃይት ሑመራን ዘራኽብ ዶብ ብኣሃዱታት ኮማንዶን መካናይዝድን ካብ መከላከሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኽዕጾ መምርሒ ተዋሂቡስ ሰራዊት ኣብ ምግዕዓዝ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ዶብ ምዕጻው ውሳኔ ብዙሕ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፡ እቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ ምኽንያት ግን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንፋኖ ኣምሓራ ወታሃደራዊ ኣጽዋርን ገንዘብን ይሕግዝ እዩ ዝብል ጸብጻባት ስለዘሎ፣ ሓይሊ ፋኖ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንከይረክብ ንምዕጻዉ ዝዓለመን፡ ካብ ሓይልታት ኣምሓራ ፋኖ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸይዕቆብን ምስ ውግእ ዝተታሕሓዘ ረዲኤት ንኸይረክብ ምኽልካሉን ካብዝብል ዝተበጽሔ ውሳኔ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።

ኢማራትን ንሌቴናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ትሕግዝ ምህላዋ ተቓሉዑ

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኢማራት  ሓንቲ ካብተን ኣብ ፖለቲካ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቓ ኣዝዩ ግዙፍ ምትእትታው ኣብምፍጻም ተሓባባሪት ምህላዋ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ውግእ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ናይ ጥፍኣት ልፍንቲ ኢሳያስን ኣብይን ዝነበራ ግደ  ጋህዲ እዩ። ሕጅውን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ምብትታን ህዝብን፡ ብሰላም ንከይፍታሕ ብስዉር ነቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ትሕግዝ ምህላዋ ኒውዮርክ ታይምስ ዝተብህለ ናይ ኣመሪካ ጋዜጣ ምቅልዑ ሕዋር ኣልሱዳን ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። እቲ ኢማራት ንሓይልታ ሕመቲ ኣትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምስ ዕጥቅን ኣጽዋርን፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን (ድሮንስ) ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ውጉኣት ሕክምናዊ ረዲኤት ናብ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ዝተፈላላየ ቦታታትን ወተሃደራዊ ሆስፒታላትን ኣብ ምግዕዓዝውን ትተሓጋገዝ ምህላዋ ይፍለጥ።

ሓደ ጸጥታዊ ድሕነቱ ምንሕላው ስሙ ክገለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ድማ፡ “ኢማራት ካብ ናይ ቻድ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ኣጽዋርን ናውቲ ሕክምናን ናብቲ ኣንጻር ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ዘሎ ሓደ ወገን ተብጽሕ ምህላዋን፡ ኢማራት ካብ ሰነ ጀሚራ ዳርጋ መዓልታዊ ብዝባህል  ናብቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ቻድን ዘሎ ከተማታት ኣጽዋር ኣብ ምምልላስ ተጸሚዳ ምህላዋ እዩ” እቲ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ምግላጹ ሕዋር ኣልሱዳን ኣመልኪታ።

 ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ዓንዩ፡

 ብሰሪቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሱዳናውያን ጀነራላት ኣብ ውሽጢ ካርቱም ርእሰ ከተማ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሓት ሃገራት ምስ ምጅማር ናይቲ ኲናት ኤምባሲታተን ከምዝዓጸዋን ሰርሕተኛታተን ከምዘውጻኣን ዝፍለጥ እዩ። ገለውን ወከልተን ናብ ካልእ ከተማ ከምዝግዕዙ ገይረን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ፣ ብሰሉስ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2023 ንጉሆ  ኣብ ካርቱም ዋና ከተማ ሱዳን ዝነበረ ኣኤምባሲ ኣኢትዮጵያ ብደብዳብ ከበድቲ ብረታት ከምዝታሃርመ ቢቢሲ ክፍሊ ትግርኛ ካብ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ዝረኸበቶ ናይቲ ዕለት ዜና ጸብጺባ።

ቢቢሲ፣ እቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሔ ጉድኣት እዃ እንተዘይሃለወ፣ ኣብ ልዕሊ ንብረትን እቲ ህንጻን ግን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ካብ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ዲፕሎማት ዝረኸበቶ ዜና ምላዉ ኣስፊራ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን። ነቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ኣቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ዝሃቦ ዝኾነ ይኩን መግለጺ እዃ እንተዘይሃለወ፣ እቲ ብሌተናንት ጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ግን፣ ነቲ ዕንወት ዝፈጸመ ሓይሊ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ እዩ ክብል ይስማዕ። ብዘይካዚ እቲ መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃውን ካብ  ናይቲ ዕለት ደብዳብ ከምልጣ ከምዘይካኣላ እቲ ዲፕሎማት ምሕባሩ እውን ተጠቂሱ ኣሎ።

ዘይውዳእ ሕልሚ መንግስታት ኢትዮጵያ

ብሰንኪቲ ገዛእቲ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ክብርን ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይምቕባሎም ዝሳዓበ ናይ ጎበጣን ዓመጽን ተግባራት፤ ክልቲኡ ህዝብታት ንሳላሳ ዓመታት ተዳምዩ፣ ህልቂትን ዕንወትን ወሪድዎ እዩ። ዝሳዓበ ናይ መን ዓብለለን ጎብለል ናይቲ ዞና ኮይኑ ወጸን ዘንቀሎ ናይ ምትህልላኽ ኲናትውን ደግሲ ጽልእን ቅርሕንትን ነይሩ። እዚ ሰላም ዝሓርበቶ ህዝብታት ብልሳን መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ሰባት ኣብ ውግእ ክነብር ይፍረድ ምህላዉ ድማ ደጋጊሙ ዝሰምዖ ዘሎ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብኣምሓርኛ ካብ ዝበሎ፡ “ኣፈራሪሰ ኣምጺኤ ክሕውሳ እየ ኤርትራ፣ መኣስ ከምዝኸውን ግን ኣይነግረኩምን እየ፡ ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሕ ባሕሪ ወሲኽና ዋናታት ስለ እንኸውን ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣይክትህሉን እያ። ንሰርሕ ኢና ዘለና፡ ናይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡ ኣብኡ ዘሎ ኣገዛዝኣ ከነወግዶ ኢና” ምባሉ ኢትዮ 360 ዝተባህለ ናይ ኣምሓርኛ ዜና ማዕከን ብምግራም ምቅልዑ ይፍለጥ። ትርጉም ናትና እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልሚ ምሕላሙ፣ ንኤርትራውያን ዘገርም ኣይኮነን። ሕልሚ ድማ ከምፈታሒኡ ኣዩ ዝትርጎም፡ ኢሳያስ ግን ንስኻ ምርሓና ካብ በሎ ዕንቅፋት ክኮኖ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝገርም ግን፣ ኢሳያስውን ካብዚ ብዘይፍለ “ንኢትዮጵያ ፋሕ ፋሕ ከየበልና ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንኽንገዝኣ ፋሕ ፋሕ ከነብላ ኣለና” ኢሉ ምንባሩ ንዝዝክር፡ ብናይ ኣቦን ወድን ዝመስሉ ዝነበሩ መራሕቲ ትምኒታት ክልቲኡ ህዝብታት ከይተታለለ፡ ጸልእቱ ንሳቶም ምዃኖም ኣሚኑ፡ ንሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክሰርሕ እዩ ዝምረጽ።     

    

Last modified on Friday, 06 October 2023 00:09