ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ሰሚናር ኣካይዱ

2023-09-30 20:00:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 765 times

ብ29 መስከረም 2023 ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር ኣካይዱ። ሰሚናር ኣገዳስነት ውጽኢት ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊን ዝሓለፎ መስርሕን ንተሳተፍቲ ንምብራህን ክውረስ ዘለዎ እወንታዊ  ልምድታት ንምሕባር ዝተጸውዐ እዩ ነይሩ።

ኩሉ’ቲ ኣብ ምስንዳኣ ጉባኤ ዝተኻየደ ዕማም ኣብ ሓደ ሰሚናር ገሊጽካ ክጠቓለል ዘይኽእል ብምዃኑ ግን፣ ብጻይ ገረዝጊሄር ነቲ ቀንድን መሰረታውን ዝኾነ ትሕዝቶታት ቅዋምን ሓደስቲ ውሳኔታትን ጉባኤ እዩ ብድምቀት ኣቕሪቡ።  ኣብ  መገለጺኡ ብቕዋም መሰረት ቅድሚ ዓmeት ብዝጸንሐ ማእከላይ ባይቶ ዝቆማ ኣሳናዳኢትን  ሓጻይትን ሽማግለታት ካብ ምድላው ሰነዳት ጀሚርካ ክሳብ ብኣባላት ሰልፊ ዝተረቑሑ ልዕሊ ቴስዓ ዝኾኑ ሕጹያት ንምጽራይን ዝሓለፈ ቅዋማዊ መስርሕ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ መስርሕ መሪሕነታዊ ሕጸ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንዘይቀረቡ ባእታታት፣ ጉባኤኛታት ክረቑሑዎም ከምዝኽእሉን ንቕቡልነቱ ክማላእ ዘለዎ ዓንቀጻት ካብ ሕግታት ሰልፊ ምህላዉ’ውን ኣብሪሁ።

በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ መረጻ መሪሕነት ድማ 35 ኣባላት ምስ 5 ተጠባበቕቲ ዝቑጽሩ ማእከላይ ባይቶ ከምተበርጸን፣ ነፍሲ ወከፍ መራጺ ግን፣ እቲ ንሱ ዝደልዮ እዩ ተመሪጹ ክብል ከምዘይክእልን፣ ዲሞክራሲ ድማ ንዝደለኻዮ ዘይኮነስ፣ ንዘይደለኻዮ እውን ኣኽቢርካን ተቐቢልካን ክትጓዓዝ ምስትኽእል’ያ ትረጋገጽ ምባሉ ይጥቀስ። በዚ ከኣ ኩልና ኣብ ነፍስናን ኣብ ውድባትናን ንዘቆምናዮ ሕግታትን ስምምዓትን ኣኽቢርና ክንከይድ ምስእንኽእል እዩ ድማ፡ ጽባሕ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያ ከነተግብር ዝካኣል ክብል ኣብሪሁ።

ንውሳኔታት ጉባኤ ብዝምልከት ብዝርዝር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ብምሉእ ስለዘሎን ከይነውሓናን ብዛዕባዚ ዘሎ ህልዊ ኲነታት ንምጥቃስ፣ ሰዲህኤ፣ኣብ ህዝባዊ ናዕቢ/ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ፡ „ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐድኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን ሰዲህኤ የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ፡ ንህግደፍ ካብ መንግስታትን ህዝበንን ብዝንጽል፡ ብዘይምዝመዝ ኣገባብ ክቕጽል የተባብዕን፡ ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ፡ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጉባኤ ጸዊዑ“ ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ፖሊሲ ዝምድናታትን ኣጠቓቅማ ወደባትን ዝብሉ ነጥብታት ካብ ውሳኔታት 4ይ ጉባኤ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጠረስታ፣ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ በርጌድ ንሓመዱን ኣጠቓቕማ ወደባትን ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣገደስቲ መልስታትን መብርህን ከቕርብ ከሎ፡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣኼባ ኣብዚ ናይ ኣቦ መንበርነትካ ግዜ፣ እንታይ ክትገብር ኢኻ ትብህግዝብል ሕቶ ቀሪቡ፣ኣነ እንተኰይንለይ፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ፣ ብሓደ ቃልን ድምጽን እንቐርበሉን እንቃኣለሰሉን መድረኽ ክፍጠር፡ ካላኣይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ንሕና ንዓቢ ኣለና። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ቦታታት ተኪኦም ዘካይዱን ዝመርሑን መንእሰያት ክንምልምልን ክሕዝዎን እሞ፡ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ክገላገል እየ ዝብህግብዝብል መልሲ ብጻይ ገረዝጊሄር  ሰሚናር ተደምዲሙ    

Last modified on Saturday, 30 September 2023 22:08