ኤርትራውያ ግብሪ ንክኸፍሉ ምግዳድ ገበን ምዃኑ ተገሊጹ

2023-09-14 14:48:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 808 times

ስርዓት ኢሳያስ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ገንዘብ ንክኸፍሉ ዝወስዶ ኣገዳዲ ስጉምቲ ኣንጻር ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ፡ ኣሜሪካዊ ምሁር ሚካኤል ሩቢን ገሊጾም። ሩቢን 1945 ኣብ ዝተባህለት መጺሐት ብ12 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጽእዎ ናብ ኤርትራ ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዘስፈርዎ፡ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ንመንግስቲ  ግብሪ ክትከፍል ምግዳድ ዝተቓወሙ ኤርትራዊ ወገናት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ስድራቤቶም ብሓልታት ጸጥታ ናይታ ሃገር ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣቃሊዖም።

ሩቢን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ንዜጋታት፡ መወዳእታ ብዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባርነት ዘንብርን ካብቶም ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ብምድረበዳን ባሕርን ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝስደዱ ኤርትራውያን ብዝርከብ ገንዘብ  ናይ ጭቆና መሓውሩ ከም ዘደልድል እውን ኣይሓብኡን።

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ኣድማዒ ስጉምቲ ወሲዳ ለውጢ ከተምጽእ እንተኮይና፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ብሊከን ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰብ መዚ ተማሂሮም፡ ርኡይ ግደ ክጻወቱ ይግበኦም ኢሎም። ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ብመንግስቲ ኤርትራ ተገዲዶም ገንዘብ ምኽፋሎም ገበን ምዃኑ ድማ ጠቒሶም። ነቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ገንዘብ ንከየኽፍሎም ዝግበር ጻዕሪ፡ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ክኽተለኦ ይግበአን ምስ በሉ፡  ኢሳያስን ደገፍቱን ብዝወስድዎ ኤርትራውያን ምስቓዮም ብክልተ ምኽንያታት ጉጉይ እዩ ኢሎም። እቲ ቀዳማይ ጸገም ንቀጻልነት እቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝሕግዝ ምዃኑ እዩ። ኣብታ ሃገር ሕጽረት መሰረታዊ ቀረብን ዘጋድድ ምዃኑ ከኣ እቲ ካልእ ኣሉታዊ ገጹ እዩ።

ሩቢን ከም ዘስፈርዎ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብኢሳያስ ዝተጻዕኖም ገንዘብ ናይ ምኽፋል ግደታ ንክውገድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ መወዳእታ ዘይተረኽቦ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ነቲ ግደታ ንምዕጋት ዝተገብሩ ርክባት እውን ዘምጽእዎ ለውጢ የለን።

ብእምነት ሩቢን፡ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ዓመጽ ምውጋድ፡ ዞባዊ ምርግጋእ ዘምጽእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኢሳያስ ምልኪ ናይ ምህናጽ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘንጽፍ እውን እዩ። ሚካኤል ሮቢን ኣብዚ ኣብ መጺሐት ዘውጽእዎ ነዊሕ ጽሑፎም፡ ተመኩሮ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘርዚሮም፡ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕልቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝወስዶ ናይ ግህሰት ስጉምቲ፡ ሰላም ጐረባብቲ’ውን  ክዘርግ  ዝጸንሐ ምዃኑ ኣስፊሮም።

Last modified on Thursday, 14 September 2023 16:56