ኣብ ተልኣቪቭ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ፡ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ተዓጽየን

2023-09-10 20:12:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 962 times

ካብ ዘጋርድያ ዝተወስደ እዩ

ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከባ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ክዕጸዋ ከም ዝወሰነ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቓወምትን ደገፍትን ስርዓት ኣስመራ ነበርቲ ተልኣቪቭ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ግብረ መልሲ ምዃኑ ቢቢሲ ብተወሳኺ ጠቒሳ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እቲ ጉዳይ ብመንጽር መሰል ሃይማኖት ዘዛርብኳ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ጐንጺ ንከይፍጠር ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።

 ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ክልተ ክፋላት ኣብ ተላቪቭ ካብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ምስሕሓብ ከም ዝተፈጥረን ዘለዎም ናይ ተቓወምቲ  ብሰማያዊ፡ ናይ ደገፍቲ ድማ ብቀይሕ ሕብርታት ዝልለ፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነቲ ምስሕሓብ ከም ዘጋድዶ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። ብሰንክዚ ፍልልይ ብዝተፈጥረ ጐንጺ ሰብ መዓርግ ፖሊስ እስራኤል ዝርከብዎም 170 ሰባት ከም ዝቖሰሉን 53 ጥርጡራት ድማ ከም ዝተኣስሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ላዕለዎት ሰብ መዚ እስራኤል ዳግማይ ጐንጺ ከይፍጠር ፈሪሖም ንሓደ ቀዳመ-ሰንበት ኣብያተ-ክርስትያን ንክዕጸዉ ክውስኑ እንከለዉ፡ ብጸጥታ እታ ሃገር  ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያን ዝግበር ምትእኽኻብ ተጠቒሞም ንምጉናጽ  ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እስራኤል ናብ ተልኣቪቭ ናይ ምምጻእ መደብ ነይርዎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝርከቦ እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ኣፍሊጡ።

በቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ገለ ኤርትራውያን ነበርቲ ተልኣቪቭ ነቲ ግዝያዊ ዕጽዋ ኣብያተ- ክርስትያን ብመንጽር ድሕንነቶምን ጸጥታን ክድግፍዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብመንጽር ሃይማኖታዊ ናጻነት ከም ዘተሓሳሰቦም ኣመልኪቱ።

Last modified on Sunday, 10 September 2023 22:19