ኣል ቡርሃን ንግደ ሕ/ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ነቒፎም

2023-09-10 20:09:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 751 times

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ንኢድ ኣእታውነትን ብናይ ሰላም ርኢቶኡ ከገድድ ምፍታኑን  ንሕብረት ኣፍሪቃ ብ9 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ደማዚን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብትሪ ምንቃፎምን ኣባል ሃገራት ናይቲ ሕብረት መርገጾም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከእርሙ ምጽውዖም ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

እቶም ጀነራል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ብምኽንያት ናይ 25 ሕዳር 2021 ፈተነ ዕልዋ ኣባልነት ሱዳን ምድስካሉን ክሕዞ ንዝጸንሐ ማእከላይ መርገጽን ክቃወሙ እንከለዉ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ብወገኖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ንወከሊ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ተቐቢሉ ኣፍልጦ ምሃቡ ብትሪ ተቓዊሞም።

ኣል ቡርሃን መንግስቶም ሰላም ከምዘይጻረር እንተኾነ፡ ህላወ ዘይሕጋዊ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ንሱዳን ናብቲ ዘላቶ ህውከትን ውግእ ሕድሕድን ዝመልስ  ስምምዕ ቅቡል ከምዘይከውን ዝገልጽ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ኣባላቱ ኣካይደኦም ዘየዕርዩ እንተኮይኖም ሱዳን ጸገማ ባዕላ ክትፈትሕ ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እቲ ሕብረት  ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ምእታው መሰል የብሉን እውን ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ናብ ቦታኡ ክመልስን፡ ኢጋድ ብወገኑ ጉዳይ ሱዳን ንክፈትሕ ኣብ ዝመዘዞ ኣካል ኣቦመንበርነት ኬንያ ክቕይርን ጸዊዕም።

ኣዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ህጻናት ኣድሕን/ Save the Children፡ ዝተባህለ ትካል ሱዳን ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኮይና ኢሉ፡ ካብቶም 7.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ እቶም 3.3 ሚልዮን ህጽናት ምዃኖም ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Last modified on Sunday, 10 September 2023 22:12