ፖሓኤ: ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

2023-04-08 06:24:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 819 times

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ6 ማዝያ 2023 ብኣወሃህዲ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ኣቢሉ፡ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዝተወሰኑ ኣካላት ይወርዶም ብዘሎ ዝተፈላለዩ በደላት ኣዝዩ ከም ዝሻቐል ገሊጹ። እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ዝተጸብጸበ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብኡ ገንዘብ ንምእካብ ብዝተጸንዐ ሓደገኛ መስመር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ ከም ዘስፈሮ፡ እቶም ስደተኛታት፡ መንበሪ ፈቓድ ወይ ናይ ስደተኛ መንነት የብልኩም ብዝብል ምስምስ ይእሰሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክፍትሑ ብነፍሲ ወከፍ ክሳብ ሓደ ሺሕ ዶላር ዝግመት ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ። እቲ ኣሲርካ ገንዘብ ንምሕታት ዝካየድ ግፋ ቀጻሊ ኮይኑ፡ እዚ ተግባር  ዘይተለምደ ናይ ብልሽውና ስልቲ ምዃኑን ብምትሕብባር ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ናይታ ሃገር ዝፍጸም ምዃኑን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰፊሩ። ዝተሓተትዎ ዓቐን ዶላር ዘይምኽፋል ድማ ዝያዳ ስቓይን ተወሳኺ ማእሰርትን ከም ዘኸትል’ውን ተጠቒሱ። ምናልባት እውን ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ከም ዘኸትል ተሓቢሩ።

እቲ መግለጺ፡ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘቆበ ብምጥቃስ፡ እዚ ልግሱ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ምምሕዳር ኢሳያስ እውን ከም ዝቐጸሎ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 19, 000 ዝኾኑ ኣብ መደበራት ስደተኛ ከም ዝነብሩን ኣብቲ መጸዋዕታ ሰነድ ሰፊሩ። እዚ ኣሃዝ ነቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሑን ምስ ሕብረተሰብ  ሱዳን ዝተሓወሱን ዝውስኽ ኣይኮነን።  ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸሙ ዘለዉ በደላት ነቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ዝውክሉ ዘይኮኑ፡ ውሑዳት ስሱዓት ዝፈጠርዎ ምዃኑ ኣብቲ መጸዋዕታ ተነጺሩ።

ኤርትራውያን በቲ ክቡር ህዝቢ ሱዳን ክወሃቦም ዝጸንሐ ኣቀባብላን ልግስን ሕጉሳት ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕማቕ ግዜ’ውን እቲ ናይ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ደገፍ ቀጻሊ ክኾነሉ ዝጽበይዎ እዩ።  ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ነቲ ክቡርን ለጋስን ህዝቢ ሱዳን ዝውክል ዘይኮነ፡ ውሑዳት ስሱዓትን ዘይሰብኣውያንን ዝፈጠርዎ ምዃኑ እቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ።  ልኡኻት ዲክታተርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ኢዶም ኣእትዮም ስደተኛታት ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ንክመልሱ ዕድል ዝረኽብሉ ኣጋጣሚ ከይፈጥር ከም ዝሰግእ እቲ መጸዋዕታ ኣተንቢሁ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) በዚ መጸዋዕታኡ፡  ንጸገም ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዘየብሎም እሞ ብሰንክዚ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከይምለሱ ዝያዳ ከም ዝሰግእ ጠቒሱ። ላዕለውይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረተሰብ ዓለምን እዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ዝውገደሉን ገበነኛታት ዝሕተትሉን ኩነታት ንክፈጥሩ ድማ ጸዊዑ።

Last modified on Saturday, 08 April 2023 08:34