ወግዓዊ ምርኽኻብ ስልጣን ኣብ ትግራይ

2023-04-06 08:40:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 812 times

ብመሰረት ስምምዕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ፕረቶርያ፡ ንትግራይ ክሳብ መጻኢ ምርጫ ክመርሕ ዝተመዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ኣካል  ብ5 ማዝያ 2023 ስልጣን ከም ዝተረከበ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብቲ ብዶ/ር ደብረጼን ዝምራሕ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሐ ካቢነት ብወግዒ ስልጣን ዝተረከበሉ መድረኽ፡ ናይ ክልቲኡ ካቢነ ኣባላት ተሳቲፎም።

ፕረሲደንት ተረካቢ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣረካቢ ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ  ሓጺር ቃል፡ ናብቲ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ንምብጻሕ ዝኸድዎ መንገዲ ልሙጽ ከምዘይነበረ ጠቒሶም፡ ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ኩነታት ስልጣን ተረኻኺብካ እትረሓሓቐሉ ዘይኮነ፡ ሓቢሮም ዝሰርሑሉ መጻኢ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ናይቲ  ምርኽኻብ ምምሕዳራዊ ሓበሬታ ብደረጃ ካቢነታትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን  ከምዝቕጽል  ጠቒሶም።

 ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ንሶምን ካለኦት ኣባላት ናይዚ ሓድሽ ካቢነ ዘይኮኑ ኣባላት ናይቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ካቢነ ብዘለዎም ዓቕሚ ምስዚ ሓድሽ ምምሕዳር  ክተሓባበሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፡ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝጓነ ናይ ትግራይ ዓቕሚ ከምዘየለን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖምን ገሊጾም።

እዚ ምርኽኻብ ስነ ስርዓታዊ ኮይኑ፡ ብግብሪ ግና ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ስራሕ ጀሚሩስ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳያት ከም ዝተመያየጠ ኣብቲ መድረኽ ተጠቒሱ።

Last modified on Thursday, 06 April 2023 10:47