ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ፈስቲቫልን መዚኑ

2023-04-03 20:45:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 933 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ማዝያ 2023 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ 2023ን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ መዚኑ። እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ክልቲኦም  ብዛዕባታት በቶም ነቲ ምድላዋት ዝመርሑ ዘለዉ ብጾት ዝቐረበሉ ጸብጻባት ሰሚዑ።

ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ፡ ነተን ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብይ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዝነጥፋ ዘለዋ ንኡሳን ሽማግለታት፡ ምድላው ናብ ጉባአ ቀሪቡ ዝጸድቕ ሰነዳት፡ ቀረብ ሎጂስቲክን ገንዘብን፡ ምምራጽ ተሳተፍቲ ጉባአን ዜናን ጠቒሳ እቲ መስርሕ ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዘረድእ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪባ።

ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ጸብጻብ ኣብ ዝመዘነሉ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተዓመ ስረሓት ዕዉት ምዃኑ ብምምዛ መምርሒ ኣብ ዘድልዮም ነጥብታት ከኣ መምርሒ ሂቡ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ቅድሚ ጉባአ ክሳለጥ ተወጢኑ ዘሎ ኮንፈረንስ መላእ ኣባላት ሰልፊ ብዓወት ዝሳለጠሉ መደባት ወጢኑ።  ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ከም ወትሩ ጉባአ ንምዕዋት ዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ንኢዱ። ኣብቲ  ተመዲቡ ዘሎ ኮንፈረንስ ብምልኣት ክሳተፉ ዘለዎ ትጽቢት ከኣ ኣስፊሩ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ላዕለወቲ ተኸታታሊት ምድላው ፈስቲቫል ኤርትራ ብወገኑ፡ እታ ኣብቲ መስርሕ ብቐጥታ ትሳተፍ ዘላ ብብጻይ ጸሃየ ቀለታ እትምራሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዛዕባቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ዝካየድ ፈስቲቫል ክሳብ ሎሚ ዘሰላሰለቶም ስረሕት ዝሓቖፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ንፈስቲቫል ዝምልከት ዛዕባ’ውን ክሳብ ሕጂ ንዝተሰርሐ ንኢዱ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይግበኦም ብዛዕባ ዝበሎም ጉዳያት ድማ መዘኻኸሪ ኣሚቱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ ፍሉይ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንዝቐረበ፡ መስርሕ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ መሪሕነት ሰዲህኤ ቅድሚ 4ይ ጉባአ ከሰላስሎም ብዛዕባ ዝግበኦ ናይ ምድላው ስረሓትን ዝመልክት ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ። እቲ ህጹጽ ኣኼባ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተመያይጡ ውሳነ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ወሲኑን መደባት ሰሪዑን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽሽማግለ፡ ብፍላይ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ  ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዞባና ዝገሃድ ብዛዕባ ዘሎ ሓድሽ ሓሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓበሬታ ተለዋዊጡ

ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ፡ ብ1 ማዝያ 2023 ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባ መስርሕ ጉባአ፡ ኣብ ቀረብ ንጉባአ ዘድሊ ገንዘብን ናውትን፡ መስርሕ ምይይጥ ኣብ ንድፊ ሰነዳትን ምቅርራብ ተሳተፍቲ ጉባአን በቲ ዝተታሕዘሉ መደብ ይካየድ ከም ዘሎ ተረዲኣ።

Last modified on Tuesday, 04 April 2023 11:15