ህግዲፍ ዝተበላሸወ እኽሊ በስገዳድ ናብ ህዝቢ ይሸይጥ ኣሎ

2023-04-03 08:24:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 695 times

ምምሕዳራት ህግደፍ ንነዊሕ ግዜ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ዓቚርዎ ዝጸንሐ ተበላሽዩ  ክጐሓፍ ዝግበኦ እኽሊ፡ ብኣስገዳድ ናብ ህዝቢ ይሸይጥ ከም ዘሎ  ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ነዚ ዝተበላሸወ እኽሊ ዘይገዝኣ ሰብ፡ ካብቲ ብሕሱር ዝባሃል ብኩበን ዝግዛእ ከም ዘይትን ሽኮርን ዝኣመሰሉ ቀረባት ክረክብ ኣይክእልን።

ስለዚ ስድራቤታት ይኹና ውልቀሰባት ናይ ኩቦን ተጠቀምቲ፡ ይብልዕዎ ኣይብልዕዎ ናይ ኩቦን መቑነን ንኽረኽቡ ክብሉ ሓደ ኩንታል ዝተበላሸወ መሸላ ወዲዓከር ብሓሳብ 400 ናቅፋ ክገዝኡ ይግደዱ። ምናልባት ናይ ሓንቲ ወርሒ መቑነን ከይዓደገ እንተ ኣሕሊፉ ኣብ እትቅጽል  ወርሒ ክገዝእ እንከሎ  ናይታ ዘሓለፈት ወርሕን ናይታ ዝመጸላ ወርሕን ብድምር 2 ኩንታል ክገዝእ ከም ዝሕተት እቲ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ዓመጸኛ ኣገባብ ብፍላይ ነቶም መርዓን ካልእ ውራያትን ዘሕልፉ ወገናት ዝያዳ ወጻኢ ክገብሩ ስለ ዝግደዱ ሃሳያ ዘስዕበሎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህግዲፍ ነቶም ጠወርቲ ዘይብሎምን ብዝተፈላለዩ ሕማማት ንዝሳቐዩን ኣረጋውያን ወለዶም ገዲፎም ንኸይከቱ፡ ጻዊዕት ምመንግስቲ ነጺጎም ክሕቡእ ንዝጸንሑ ውልቀሰባት ክሳብ ናብ በረኻታት ብምኻድ ይሃድኖም ከምዘሎ ምንጭታት ሰዲህኤ ኣቃሊዖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ኣብ ግፋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣካላት ናይቲ መንግስቲ ብዘይዝርዝር ሓበሬታ ናብ ልምዓት ኢኹም ትድለዩ ዘለኹም እናበሉ ከም ዝጉስጉሱ ተፈሊጡሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብቲ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፋ፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ደረቱ ዝሓለፈ ገንዘባዊ መቅጻዕትን፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኣካላት ህግዲፍ  ኢድ ከምዘሎዎምን፣ መኻፍልቲ ናይቲ ብመልክዕ መቅጻዕቲ ዝእከብ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ከምዝኾኑ ተለቪዝን አሪሳት ምንጭታታ ብጥቃስ ኣብ ናይ  30 መጋቢት 2023 ፈነወኣ ጸብጺባ። እዚ ድማ ምስቲ ኣቀዲሙ ብመደብ ባህግና ተሓቢሩ ዝነበረ፡  ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት አምባሲ ኤርትራ ኣብ ሊዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሓተቲ  ፓስፖር  ዝገብርዎ ናይ ጉቦን ሰነዳት ምትምናይን ኣተሓሒዝካ ክረአ እንከሎ፡  ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኡን ጠንቂ ኩሉ ሽግራቱን ምዃኑ የርኢ።

Last modified on Monday, 03 April 2023 11:07