ኤርትራውያ ምእንቲ ድሕነት ስደተኛታት ሰልፊ ኣካይዶም

2023-03-31 10:03:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 781 times

ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብ30 መጋቢት 2023  ንድሕነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዝጽውዕ ብ“ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንፍትሒ” ዝተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።  ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ  ዘለዉ ኤርትራውያን ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዖም።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ለንደን ፊትንፊት ኤምባሲ ሱዳን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ናብ መንግስቲ ሱዳን መዘክር ከቕርቡ እንከለዉ፡ ኣብቲ መዘክሮም “ውሕስነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይተሓሎ፡” ዝብል ጭረሖ ኣንጸባሪቖም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዘይምኽኑይ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ክቋረጽ ብትሪ ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምፍጣር ብኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ከም ዝእሰሩን ካብ ማእሰርቲ ንምውጻእ ድማ ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ዝበጽሕ ብነፍሲ ወከፍ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱን ዝፍለጥ እዩ። ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ከም ዝብልዎ፡ ኩነታት ብከምዚ ደረጃ ንክጋደድ ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እቲ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ እዋንዚ ምዕጻዉ እዩ።

ኣብዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ድምጾም ክስማዕ ዝጽውዕሉ ዘለዉ ግዜ፡ እዚ ናይ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካልእ ከባብታት ዓለም እውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ኩነታት ሱዳን ብ1951 ዝኣተወቶ መሰል ስደተኛታት ናይ ምኽባር ዝጥሕስ ምዃኑ ብምጥቃስ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ኣብቲ ናብ ኤምባሲ ሱዳን ዘቕረብዎ መዘክር ኣስፊሮም።

Last modified on Friday, 31 March 2023 12:17