ፖለቲካዊ ስምምዕ ሱዳን ክፍረም’ዩ

2023-04-02 10:25:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 850 times

ፖለቲካዊ ኣካላት ሱዳን ነቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መጻኢ ጸጥታዊ ጽገና እታ ሃገር ዝረዳድእሉ ግዜ ሂብዎም ድሕሪ ምጽን፡ 6 ማዝያ 2023 ፖለቲካዊ ስምምዕ ክፍርሙ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይልን ብዛዕባ ተሓናፊጽካ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምምስራት ፈጢረምዎ ብዝጸንሑ ፍልልያት እቲ ብ1 ማዝያ 2023 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምፍርራም ፖለቲካዊ ስምምዕ ተደናጉዩ ከም ዝጸንሐ እውን ተሓቢሩ።

ኣዛዚ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን መራሒ ዕጡቕ ቅልጡፍ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ብዛዕባቲ ክፍረም ተዳልዩ ዘሎ ፖለቲካው ስምምዕ ምስ መሓዙቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጦም እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ሓይልታት ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥሪ ከም ዝተፈትሐ፡  እቲ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሱዳን ትሪቡን ዝተዘርግሐ ዜና ኣረዲኡ።

ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ መስርሕ ወሃቢ ቃል፡ ካልድ ዑመር የሱፍ ብወገኖም፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ እቲ ፖለቲካዊ ስምምዕ ዝፍረመሉ ግዜ ንምቅልጣፍ ካብኣቶም ዝድለ ከበርክቱ ዘለዎም ድልዉነት ከም ዝገለጹ መስኪሮም። እቶም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ብዛዕባ መስርሕ ምትሓንፋጽ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ብቐሊሉ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ምርድደኦም ድማ ተፈሊጡ።

እቶም ወሃቢ “ቃል፡ እቲ ተነዲፉ ዘሎ ካልእ ሰነድ መሰጋገሪ ሕገ መንግስቲኸ መዓስዩ ክፍረም?” ኣብ ዝብል ዝሃብዎ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ክልቲኡ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ስምምዕን መሰጋገሪ ሕገ መንግስትን ብሓባር ክፍረም ይኽእል እዩ  ኢሎም ዝግምቱ ወገናት ዘለዉ ።

ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ተጽዕኖታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይጉዳዩ ኢዱ ብምእታው፡ ሓደ ካብቶም ንከይዕወት ዝዕንቅፉ ዘለዉ እዩ።

Last modified on Sunday, 02 April 2023 12:37