ኤርትራ: ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ተጸዊዓ

2022-01-26 09:40:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 865 times

ብስም ብሄር ኦሮሞ ዝነጥፋ 63 ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ማሕበር ክኢላታት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረ ኮማትን ብ21 ጥሪ 2022 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣገዳስነት ሃገራዊ ዘተን መግለጺ ከም ዘውጸኣ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ማሕበራት ኣብቲ መግለጺአን  ካብ ዝተገደሳሎም 6 ነጥብታት ሓንቲ “ኤርትራ ብዘይቅድመ-ኩነት ሓይልታታ ካብ ኢትዮጵያ ትውጻእ” ትብል ከም ዝኾነት ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺአን ኣስፊረን።  

እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ተሳታፊኡ መን ምዃኑ ብንጹር ዘየስፈረ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ፡ ነቲ ዘተ ዝመርሑ ኮሚሽነራት ኣብ ምምምራጽ ከም ዝርከብ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሸሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ስለ ዘለዉ ንሳቶም እውን ተፈቲሖም ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ዝሳተፍሉ ኩነታት ክፈጥር ጸዊዑ።

ናይተን ማሕበራት መግለጺ ኣተሓሒዙ ቅድሚዚ ናይ 21 ጥሪ  2022 መግለጺ፡ ብ18 ነሓሰ 2021 እውን እቲ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ናይ ኢትዮጵያ ጸገማት ንኹሉ ብዘሳትፍ ዘተ ክፍታሕ ዝጽውዕ መግለጺ ኣውጺአን ከም ዝነበራ ኣዘኻኺሩ። እቲ መግለጺ ነዞም ዝስዕቡ ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሎም እዩ ጸዊዑ።

1) ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ምባልን ድሕሪኡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉምዝ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ተኹሲ ተጠው ብምባል፡ ስምምዕ ምቁራጽ ውግእ ምኽታም። ድሕሪኡ ብቐጥታ ንኹሉ ናብ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ  ዘተ ምእታው።

2) ብዘይ ቅድመ-ኩነት ናብ ኩሎም ኣብ ጸገም ዘለዉ ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ። ከምኡ ከኣ ከም ባንክ፡ ተለፎን፡ መጐዓዝያ፡ ሓይሊ መብራህትን ዝኣመሰሉን ተቛሪጽዎም ኣብ ክልላት ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋርን ኣምሓራን  ይሳቐዩ ንዘለዉ ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ምግባር።

3) ኩሎም ብምኽንያት ናይ ህጽጹ ግዜ ኣዋጅ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላትን መራሕትን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ካለኦት ዓሌት መሰረት ብምግባር ተኣሲሮም ዘለዉን ብዘይቅድመ-ኩነት ብህጹጽ ክፍትሑ።

4) ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ጸጥታ፡ ወታደራትን ናይ ስለያ ኣሃዱታትን ክወጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ  ናይ ሕድሕድ ውግእ ጠጠው ኣብ ምባል ዝሕግዝ እዩ።

5) ናጻን ዘይሻራውን፡ በቶም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑ ኣካላት ተቐባልነት ዝረኸበ ኣሳታፍን ግሉጽን ሃገራዊ ዘተ ምጅማር። ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ፡ እቲ ዘተ ንክዕወት ክሕግዝ። ምኽንያቱ  መንግስቲ ነዚ ዓብይ ዕማም ከድምዕ ብዝኽእል በይኑ ክዓሞ ስለ ዘይክእል።

6) ናይቲ ዘተ ዝተፈላለዩ ውጽኢታት ምትእምማንን ምቹእ ከባብን ምፍጣር ብዘኽእል ምስራዕ። ነዚ ንምግባር መንግስቲ ንኣጠቓቕማ ሚዲያ፡ ናይ ታሕተዎት ኣካላት ዘተን ርክብን ንምፍጣር ክፉት ፖለቲካዊ መድረኽ ከስፍሕን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምምኽኻር ክቕጽልን።

ኣብ መወዳእታ እቲ 63 ማሕበራት ዝኸተማሉ ናይ ሓባር መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራቱን፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ቱርክን ኢራንን ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢኣን ዘሎ ህውከት ክዓርፍን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓሲቡ ዘሎ ዘተ ንክዕወትን ሃናጺ ስጉምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።

Last modified on Wednesday, 26 January 2022 10:45