ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራ

2022-01-25 22:16:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 751 times

ብናይ ሕቡራት ሃገራት ዘባዊ ምትሕብባር ዳይረክተር ልምዓት ኣፍሪቃ ዝምራሕን ሓሙሽተ ዞባዊ ዲረክተራት ዝርከብዎን 24 ዝኣባላቱ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ይበጽሕ ከም ዘሎ ነዚ ብዝምልከት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ሓሙሽተ ዳይረክተራት፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ዕጸ-ፋርስን ገበን፡ ጉዳይ ስነ- ህዝብን ፕሮግራም መግቢ ዓለን ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ምክትል ዞባዊ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት እውን ኣካልዚ ልኡኽ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካለኦት ወኪላተን ዝለኣኻ ዞባዊ ዳይረክተራት ከም ዘለዋ’እውን ተፈሊጡ።

 እዚ ልኡኻ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሓሉ ተልእኮ፡ ብ25 ጥሪ 2022 ብምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ዝጅመር ናይ ቀጻሊ ዕቤት መርበብ ተሳታፋይ እዩ። እዚ መርበብ ልምዓት፡ ቀዳምነታት ኤርትራ ኣለሊኻ ብውሁድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወፍሪ ትልሚ ልምዓት 2022-2026 ኣብ ምንዳፍ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፡ ናይ ልምዓት መሻርኽትን ኣካላት ዲፕሎማስን ክራኸብ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ልኡኽ መንደፈራ፡ ድዋሩባን ዓረዛን በጺሑ፡ ብዛዕባ  መንግስቲ ኣካይድዎ ዝበሃል ልምዓታዊ ንጥፈታት ኣፈናዊ ሓበሬታ ክእክብ እዩ ተባሂሉ።

ነቲ ልኡኽ ዝመርሕዎ ዞባዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ልምዓት ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት ያኮብ ኢል ሂሎ፡ ብዛዕባቲ ኣገዳሲ ዝበልዎ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝምልከት መግለጺ ሂቦም። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢርካ ብምስራሕ ንሸቶ 2030 ቀጻሊ ልምዓት ንምዕዋት  እቲ ምውህሃድ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ኣድላይ ምዃኑ ጠቒሶም።

ብናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ሚዛን፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ብሓፈሻ ኣንጻር ኩሎም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣንጻር ኣካላት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ንሰብኣዊ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ከይወጽእ ማዕጾኡ ዓጽዩ ዝጸንሐ ህግደፍ ሎሚ ነዚ ልኡኽ ኣፍደገ ምኽፋቱ ናይ ምንብርካኹን ምግዳዱን መርኣያ እዩ ዝብል እምንቶ ኣለዎም።

በቲ ካልእ ወገን እቲ ኣብ ዕጽዊ ማዕጾ ካብ ክታብ ኮቪድ-19 ጀሚርካ፡ ኩሉ ደገፋት ተነፊጕኦ፡ ኣደዳ ኩሉ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ዘይሕበኣሉ ኩነታት ክፈጥር ስለ ዝኽእል፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃለዓሉ ዕድል ክረብ እዩ። እንተኾነ እቲ ማዕጾ ዓጺኻን ሓበሬታ ሓቢእካን ከምድላይካ ምኻድ ዝለመደ ጉጅለ ንቐጻልነት ናይዞም ኣካላት ኣብ ኤርትራ መሊሱ ከይዓጽዎ ዝሰግኡ  ብዙሓት እዮም።

 

 

 

Last modified on Tuesday, 25 January 2022 23:29