መግለጺ መሪር ሓዘን

2019-09-27 07:49:22 Written by  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) Published in EPDP News Read 2582 times

ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ብምኽንያት ሕክምና ኣብ ካይሮ እንከሎ፡ ብ26 መስከረም 2019 ብሞት ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንስዉእ ታጋዳላይ ኣሕመድ ኣሸኽ መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤቱ፡ ኣዝማዱን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ክህቦምን ጠሉ ከውርዶሎምን እናተመነኹ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክገልጽ እፈቱ።

ስውእ ተጋዳላይ ተጋዳላይ ኣሕመድ ኣልሸክ ፈኪ እስማዒል፡ ኣባል ጠቕላሊት ሰክረታርያን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ስውእ ኣሕመድ ኣልሸኽ ኣብ ኣህጕራዊ ዲፕሎማሲያዊ መደረኻትን ዋዕላታትን ብምስታፍ ንሰውራና ልዑል ተፈላጥነትን ደገፍን ዘመዝገበ ገዲምን ሓያልን ካድር ኢዩ ነይሩ። ጠቕላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ምስ ኣህጕራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ንቓባዊ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ድልዱል ርክብ ክህልዎ ዝገበረ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ።

ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

27 መስከረም 2019