ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሕጊ ስደተኛ ዝጥሕሱ ደገፍቲ መንግስቲ ኣስመራ ስጉምቲ ክትወስድ ተማሕጺኑ

2019-09-19 19:02:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3781 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)  ናብ ፕረሲደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣቶ ጂን-ክላውድ ጁንከር መዘከር ልኢኹ፡ ቅዳሕ ናይቲ መዘክር ከኣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ሰዲዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብዚ መልእኽቱ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ንስደተኛነት ከም መኸወሊ ተጠቒሞም ብቐጻሊ፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕጊ ዝጠሕሱ ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ጀሚራቶ ዘላ ጥንቁቕ ስጉምቲ ኣብ ግምት ከእትውዎ ተማሕጺኑ።

እቲ መዘክር ንሕብረት ኤውሮጳን ነተን ኣብ ሃገራተን ንዘለዉ ኣስታት 400 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ልግስን ፖለቲካዊ ዕቑባን ዝህባ ዘለዋ ሃገራትን ብዝለዓለ ደረጃ ኣመስጊኑ። ብምትሕሓዝ ከኣ ነቶም ውሑዳት ሕጊ ስደተኛ ጥሒሶም፡ ተመሊሶም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ኮይኖም ናይተን ዝነብርወን ሃገራት ሕጊ ብዘይምኽባር ናይቲ ስርዓት ግዱድን ዘየናሕስን መደብ ክፍሊት 2% ዘተግብሩን ዝተሓባበሩን ኮኒኑ።

ብምቕጻል እቲ መዘክር፡  ዝበዘሐ ኤርትራዊ፡ ብመንግስቲ ኖርወይን ካለኦት መንግስታት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ እቶም ምስ መንግስቲ ኣስመራ ብምትሕብባር ነቲ ዝረኽብዎ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘባኽኑ ውሑዳት ዝውሰድ ቅኑዕን ጥንቅቑን ስጉምቲ ከምዘይቃወም ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ እዞም ሕጂ ተመሊሶም ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ዘለዉ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዘቕረብዎ ምኽንያት “መወዳእታ ዘየብሉ” ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባሩ ጠቒሱ።

ኣብቲ መዘክር ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓርፋፍ ግምት ሰዲህኤ፡ ኣብ ኢጣልያ፡ 120,000፡ ኣብ ጀርመን 80,000፡ ኣብ ስወደን 50, 000፡ ኣብ ዓባይ ብሪታንያን ስዊዘርላንድን ነፍሲ ወከፈን 40,000፡ ኣብ ሆላንድ 25,000፡ ኣብ ፊንላንድን ደንማርክን ነፍሲ ወከፈን 4,000፡ ኣብ በልጅምን ፈረንሳን ነፍሲ ወከፈን 3,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ። ሰዲህኤን ካለኦት ኣሓት ውድባትን በዚ እዘን ሃገራት ንኤርትራውያን ዝሃብኦ ልግስን ፖለቲካዊ ዕቑባን ሕጉሳት ምዃኖም ዝጠቐሰ  መዘክር ሰዲህኤ፡ ብኣንጻሩ ከምቲ መንግስቲ ኖርወይ ዝጠቐሶ፡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕግታት ብምጥሓስ ኣብ ናይቲ ጨቋንን ካብኡ ሃዲሞም ዑቕባ ዝሓተቱን መንግስቲ ኣኼባታትን ፈስቲቫላትን እናተሳተፉን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምስ ዝኽሰሱ ከም በዓል የማነ ገብረኣብ ዝኣመሰሉ  ብምትሕብባርን ናይ ስደተኛ መሰሎም የባኽኑ ከም ዘለዉ ከም ዘስተውዕል እቲ መዘክር ብዝርዝር ኣስፊሩ።

እዚ ስእላዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ድሕርቲ ንመበል 25 ዓመት ምጅማር መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን  ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋን ብዝምልከት ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ ዝተኻየደ ጽንብል ላዕለዎት ሰብ መዚ ኖርወይ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ስደተኛታት ክውሰድ ዝግበኦ ስጉምቲ ብጽሞና ክዘራረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኖርወይን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ነቲ “መንግስቲ ኤርትራ ብግዱድ ዕስክርና መሰልና ግሂሱ” ዝብል ምኽንያት ተቐቢለን እየን ንኤርትራውያን መሰል ዑቕባ ክህባ ጸኒሐን። ስለዚ እቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ዝኽሪ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካለኦት ኣጋጣምታትን ብምስታፍ መሰሎም ኣብ ሓደጋ ዝውድቑ ስደተኛታት ተሓተቲ ባዕላቶም እዮም።

EPDP Chair Urges Europe to Take Action Against Agents of the Asmara regime 3

Last modified on Thursday, 19 September 2019 21:22