ኣብ ድሮ መኽፈቲ ጉባአና በጺሕና

2019-07-26 09:18:30 Written by  ክፍሊ ዜና ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባአ Published in EPDP News Read 2647 times

ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባአ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብ29 ሓምለ 2019 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ከም ዝኽፈት ነበስር። ነዚ ጉባአ ክተዳሉ ዝጸንሐ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ መጋብኢ ኣዳራሽን ኣቀባብላ ኣጋይሽን፡ ንኣጋይሽ ዘድሊ ቀረባትን፡ ኣብ ጉባአ ቀሪቦም ናይ ዝጸድቑ ሰነዳት ንድፊ ምድላው፡ ተሳተፍቲ ጉባአን ዕዱማት ኣጋይሽን ምንጻርን ዝኣመሰሉን ጉዳያታ ምሉእ ብምሉእ ዛዚማ ኣላ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኣባላት ጉባአ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ቦታ ጉባአ ምእታው ጀሚሮም ኣለዉ።

ጉባአና ኣብዚ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ “ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን” ከቢድ ብደሆ ኮይንዎ ዘሎ ግዜ ዝጋባእ ዘሎ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነቱን ኣብነታውነቱን ዕዙዝ እዩ። እዚ ማለት ሓድነታዊ ጸዓትና ኣብዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ነዚ ከም መንጠሪ ተጠቒምና፡ ክሳብቲ ኣንጻር ህግዲፍ ወቒዑ ዘድምዕ ስጡም ኤርትራዊ ናይ ለውጦ ዓቕሚ ዝፍጠር ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ኮይና ንክንቅጽሎ ዝሕግዝ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ።

እዚ ጉባአ፡ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሉ ሰነዳት ምጽዳቕ፡ ኣብ ኤርትራውን ንኤርትራዊ ኩነታትና ዝጸልዉ ከባብያዊ ጉዳያትን ምምዛንን ውሳነታት ምሃብን መሪሕነት ምምራጽን ካብ ቀንዲ ስረሓቱ ክኾኑ እዮም። ጉባአና ዝያዳ ኩሉ ኣብ  ምውጋድ ስርዓት ህግዲፍ፡ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝሕግዝ ኩነታት ምጥጣሕ ዝያዳ ቆላሕታ ዝህቦ ከም ዝኸውን ከኣ ትጽቢት ይንበረሉ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ነቶም ጉባአና ናብዚ ደረጃ ንክበጽሕ ዝጸዓቱ ኣባላት ውድባትና ኮነ፡ በሃግቲ ሓድነት ኤርትራውያን ንዝገበሩላ ሓገዛትን ምትሕብባር እንዳመስገነት ጉባአና ዝውስኖም ውሳነታት ኣብ ምዕዋት እውን ኣብ ጐኒ ሰልፍና ክስለፉ እምነታ ምዃኑ ትገልጽ።

ውጽኢት ጉባአና፡ ኣብቲ ካብ 2-4 ነሓሰ 2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝጽንበል ተወከልቲ ኤርትራዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ ወጻእተኛታት መሓዙትን ብዙሓት ኤርትራውያንን ተዓዲመምሉ ዘለዉ፡ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ክብሰር ትጽቢት ኣሎ።

Last modified on Friday, 26 July 2019 11:32