ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ መበል 36 ዓመተ ትምህርቲ ብ 686 ተመሃሮ ትጅምር

2019-07-16 09:32:30 Written by  ብኢድሪስ እስማዒል Published in EPDP News Read 2692 times

ወድ–ሸሪፈይ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ትርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከባ ንእሽቶ ከተማ እያ። ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ንክንድዚ ዓመታት ዝኣክል᎓ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ከይሰልከየት ብትግርኛን ዓረብን ኣገልግሎት ክትህብ ዝገብራ ብልጫታት᎓ እኩብ ድምር ናይዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እዩ። ንሳቶም ድማ፤ ተወፋይነት መማህራና ᎓ ናይቶም ዘይሕለሉ ኣባላት ኣሰ Association Suisse Enfance-Erythrée (ASEE) ጻዕርን᎓ ምትሕብባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን᎓ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ሰሜን ኣመሪካን᎓ መሓዙት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ኣብ ሽወደንን ግዱሳት ውልቀሰባት ኣብ መላእ ዓለምን እዩ።

ወድ–ሸሪፈይ ብቤት ትምህርቲ ድኻታት ዝብል ቅጽል ስም እያ ትጽዋዕ᎓ እቲ ምኽንያት ካኣ᎓ ተመሃሮ ዝኸፍልዎ ዓመታዊ ክፍሊት ምስ ካልኦት ብምዝማድ ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑን ተመሃሮ ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኣይ ዓመት ብነጻ ዝዕደልዎ ዩኒፎርምን እዩ። ካብቲ ብተማሃሮኣ ዝረአ ጽቡቕ ውጽኢት ተመርኩሶምውን ሰበስልጣን ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ነታ ቤት ትምህርቲ ናይ ታሽዓይ ክፍሊ ትምህርቲ (ማእከላይ ደረጃ) ዘይትህበሉ ምኽንያት የልቦን እዮም ዝብሉዋ። ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ነዚ ክዉን ንምግባር᎓ ዘድሊ ፋይናንስያውን ንዋታውን ንምድላው ምስ መሓዙቶም ኣብ ምርድዳእ ይርከቡ።

Students of Wed Sheifey School 1

እታ ንመበል 35 ዓመታት ኤርትራዊ ካሪክለም እናተኸተለት ንስደተኛታት ቆልዑ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ከተወፊ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ወድ–ሸሪፈይ ሕጂውን ከምቲ ልሙድ ብዕለት 23 ሰነ ናይ 2019–2020 ዓመታዊ መደብ ትምህርቲ 686 ተመሃሮ ብምምዝጋብ እያ ስራሓ ጀሚራ ዘላ። ብመሰረት መምርሒ ክፍሊ ትምህርቲ መንግስቲ ሱዳን᎓ ኣከደሚካዊ ትምህርቲ ኩለን ቤት ትምህርትታት ሱዳን᎓ ካብ ወሒ ሓምለ ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዩ ዝወሃብ።  

ከም ዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ወቕተ–ትምህርቲ፤ ዝተፈላለዩ ባህርያዊ ዕንቅፋታት ከም ዕልቕልቕ ናይ ዝናብን ተላጋቢ ሕማምን ስለዘጋጠማ  ስሩዕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብግቡእ ከተካይድ ተጻጊማ ጸኒሓ እያ። ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪቲ ከጋጥም ዝጸነሐ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት᎓ ባንክታት ሱዳን ብግቡእ ክሰርሕ ብዘይምጽንሑ᎓ ደሞዝ መማህራን ኣብ ግቡኡን ዕለቱን ክወሃብ ስለ ዘይተኻእለ᎓ ኣብ መነባብሮ መማህራን ሃስያ ኣስዒቡ እዩ። እተን ስሩዕ ትምህርቲ ዝወሃበለን ግዜታትውን እንተኾና ካብ ክቱር ዋዒ ተማሃሮ ይኹን መማህራን ብኣድማዕነት ክዋስኡ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ነዚ ሽግርዚ ንምቅላል ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ፤ ናይ ኤለክትሪክ ገመድ ናይ ምስሓብ ፍቓድ ኣብ ምውጻእን ምስ ተኾናተርቲ ኣብ ዝርርብ ይርከብ።

ብኢድሪስ እስማዒል   

 

Last modified on Tuesday, 16 July 2019 11:38