ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ሕድሪ ጀጋኑና

2017-02-12 10:27:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2536 times

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ብኣቋጻራ በርሊን ካብ 11 ናብ 12 ለካቲት 2017 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መስመር ሕድሪ ጀጋኑና ንልዕሊ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ርክብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ “ ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ።

 

ኣቶ ወልደየሱስ ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቲ ኣብ 1991 ንሓይሊ መግዛእቲ ኣወጊዱ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሓላፍነት ወሲዱን ኣርሒቑ ሚቱን ንኹሉ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ግደን ህዝባዊ ጽልዋን ዝነበሮ ወገናት ዘሳትፍ መድረኽ ዘይምፍጣሩ ናይዚ ዘለናዮ ሃለዋት ጠንቂ ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንሱ ኣተሓሒዙ እቲ ግንባር ድሕሪ ናጻነት ዝተኸተሎ ግጉይ ኣገባብ ሽዑ ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድም እውን ዝነበረን ምእንቲ መስርሕ ናጽነት ከይዕንቀፍ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝጸንሐን ምዃኑ ኣብሪሁ።

 

ኣብቲ ብምዕራፋት ከፋፊሉ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቶ ወልደየሱስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ታሪኽ ዘይዝንገዖ ሓርበኝነት ከም ዝፈጸሙ  ጠቒሱ፡ ዓውት እንዳቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ብዝዕባ ድሕሪ ናጽነት ክሕሰበሉ ይግባእ ከም ዝነበረ፡ ናይ ወጻኢ ተዓዘብቲ ከይተረፉ የጠንቅቕዩ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቃልስና ኣብ ውልቀሰብ ጥራይ ምእማን ሓደ ካብቲ ጸገማት ምንባሩን ሕጂ’ውን ጌና ኣብ ዲያስፖራ ይንጸባረቕ ከም ዘሎ’ውን ኣግሂዱ። ንናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ብወተሃደራዊ መዳይ ጥራይ ምርኣዩ “ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ኢልካ ምንእኣስን እውን ኣሉታዊ ምንባሩን ምዃኑን ኣስፊሩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከይመጽእ፡ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት ዘይምሕጋዞም’ውን ኣይሓበአን።

 

ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ካብ 1991 ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መድረኻትን ናብቲ ኢሳያስ ዝመርሒ ሓይሊ ዓገብ ከም ዝበሉን ንሱ ግና ካብቲ ናይ “ውድባት ሓሸውየ” ዝብል ዘይሓላፍነታዊ መርገጹ ከምዘይተመልሰ ብምጥቃስ፡ ሰውራዊ ባይቶን ካኦት ውድባትን ዝወሰድዎ ሓላፍነታዊ ስጉምትታት ዘርዚሩ። ዕላማ ናይቲ መጽናዕቲ ካብ ዝሓለፈ ክንመሃርን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ እውን ንከይድገምን ምዃኑ ዝገለጸ ነባር ተቓላሳይ ኣቶ ወልደየሱስ ካብቲ ቀንዲ ኣርእቲ ወጻኢ ንሰህኤ ኣብ ዝምልከት ይቐርቡ ንዝነብሩ ሕቶታት እውን መሊሱ።

 

ኣብ መወዳእታ እዚ ክሳብ 400 ዝኮና ኮምፒተራት ተሰሊፍሉ ዝነበረ፡ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ተኸፊቱ ኣቶ ወልደየሱስ ግቡእ መልሲ ሂቢ እቲ ርክብ ክድምደም እንከሎ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ እቲ መግለጺ ንጹር እቲ ናይ ሕቶታት መልሲ ድማ ብሩህ ምንባሩ ብምሕባር ከምዚ ዓይነት ናይ ግሉጽነት ርክብ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ወለዶ ክመሃረሉ ከም ዝኽእል ምስ ሰናይ ምስጋና ኣንጸባሪቖም።

Last modified on Sunday, 12 February 2017 11:38