ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ

2016-10-10 08:30:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2757 times

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ፈደራላዊ ደሞክራሲያዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ካብ 8 ጥቅምቲ 2016 ጀሚሩ ዝትግበር ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣውጺኡ። ዝወጸ ኣዋጅ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እይ ብወግዒ ተገሊጹ። እዚ ኣዋጅ ድሕሪ ኣብ ሚድያ ምውጽኡ ድማ፡ ጣቕላሊ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣቶ ጌታቸው እምባየ  ናይቲ ኣዋጅ ዝርዝር ትሕዝቶ ኣብሪሆም። እዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ብመሰረት ኣብ ናይታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 93 “...ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓጋ ዘውድቕ እሞ፡ በቲ ልሙድ ኣገባብ ምቁጽጻር ተዘይተኻኢሉ ይእወጅ …” ብዝብሎ መሰረት ከም ዝተወሰነ ኣብቲ ኣዋጅ ተገሊጹ። እዚ ኣዋጅ እዚ ፓርላማ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይሃለወሉ ዝወጸ ብምዃኑ ብናይታ ሃገር ሕገመንስቲ መሰረት ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ብ2/3 ድምጺ ኣባላት ፓርላማ ክጸድቕ እዩ።

እቲ ዝርዝር ከም ዝሕብሮ እዚ ኣዋጅ ምውጻእ ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ገለ ሰላም ዝተሓስሙ ወገናት ብናይ ግዳም ጸላእቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ተሓጊዞም፡ ብዝፈጠርዎ ህውከት፡ ናይ ሰባት ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ: ዝተፈላለዩ መንግስታውን ብሕታውን ቁጠባዊ ትካላትን ማሕበራዊ መውሃቢ ኣገልግሎት ማእከላት ዘዕነወ ጸረ-ሕገመንግስቲ ምልዕዓላት፡ በቲ ንቡር ምምሕዳር ጠጠው ክብል ከም ዘይክእል እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ስለ ዝተረደአ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ህጹጽ ኣዋጅ ንቐጻሊ 6 ኣዋርሕ ዝጸንዕን ድሕሪኡ ድማ  ብፓርላማ ከከም ኣድላይነቱ በብ4 ኣዋርሕ ክሕደስ ዝኽእል እዩ። እዚ ህጹጽ ኣዋጅ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንትግባረኡ ዝቖመ ብቀዳማይ ሚንስተር ዝምራሕ ኮማንድ ፖስት ብዝምውስኖ መሰረት፡ ዝትግበረሉ ፍሉይ  ከባብታት ተነጺሩ ክውሰን እዩ። ብዘይካዚ ንኣተገባብራ እዚ ህጹጽ ኣዋጅ ዝቆጻጸርን  ናብ ፓርላ ወርሓዊ ጸብጻባት ዘቕርብን  ብፓርላማ ዝቐውም ተኸታታሊ ቦርድ ክህሉ’ዩ።

ነዚ ሕጹጽ ኣዋጅ በቲ ኮማንድ ፖስት ብዝወሃቦም መምርሒ መሰረት ዘተግብሩ ናይ ጸጥታ ትካላት እዮም። በቲ ኣዋጅ መሰረት ናይ ጸጥታ ትካላት ማለት ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብሄራዊ ድሕንነት፡ ፈደራል ፖሊስ፡ ናይ ክልል ፖሊስ ከምኡ እውን ከም ኣድላይነቱ ሚሊሻን ዕቑር ሰራዊትን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ኮማንድ ፖስት “እዚ ኣዋጅ ይተግበር” ኢሉ ኣብ ዘነጸሮ ከባቢ፡ ከም ኣድላይነቱ፡ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ፈቓድ ሰባት ምሓዝ፡ መራኸብታት ጠጠው ምባል፡ ኣባይቲ ኮነ መጎዓዝያታት ከምኡ’ውን ውልቀሰባት ምጉርጓር፡ ሰዓት እቶእቶ ምውሳንን ዝኣመሰሉ ስጉምትታት ክወስድን ይኽእል።

በዚ ህጹጽ ኣዋጅ ኣቢልካ ካብ ምቕያር ዝተኸልከሉ ናይቲ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት፡ ናይ መንግስቲ ስያመ፡ ናይ ሰባት ማዕርነትን መሰልን፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ብሄራት ክሳብ ምንጻል ዝኣመሰሉ  እዮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብናይ ቪየና ስምምዕ መሰረት ዲፕሎማሲያዊ መሰላት በዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣይትከፉን እዮም። እዚ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ምትግባር ዘይምትሕብባር ክሳብ 5 ዓመታት ከእስር ይኽእል።

Last modified on Monday, 10 October 2016 10:35