ርክብ ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ሽወደናዊ ኣቶ ቶማስ ማግኑሶን

2016-10-11 21:09:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3888 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ኣባል ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳን መራሕ መደብ ራዲዮ ድምጺ ሓርነት ኣብ ሽወደንንሓው ጽሃየ ቀለታን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብ8 ጥቅምቲ 2016 ምስ ኣቶ ቶማስ ማግኑሶን፡ ኣብ ከተማ ጉተንበርግ፡ ሽወደን፡ ርክብ ኣካይዶም።

 

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ንኣቶ ቶማስ ማግኑሶን፡  በቲ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ብኣካል ተራኺቡ ዝገበሮ ኣበርክቶ ብምምስጋን ኢዩ ነቲ ርክብ ከፊትዎ።

 

 

ልኡኽ ሰልፍና፡ ምስ ኣቶ ቶማስ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ብዙሓት ኣጀንዳታት ኣልዒሉ ልብዝ ኣካይዱ። ገለ ካብ’ቶም፡ ኣብ’ቲ ልዝብ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ እቶም ቀንዲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

1. ጕዳይ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፤

2.  ሃለዋት ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ክግበር ዝግብኦ ደገፋትን፤

3. ሃለዋት ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይን ኣካላ ጽጉማንን ኣብ ሱዳን ዝድለ ደገፋትን፤

4.  ናይ ምልመላ መደባት ንኤርትራውያን ሲቪላውያን ተዋሳእቲ፤

5. ጕዳይ ዝምድና ሰዲህኤ ምስ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፤

6. ሽወደናውያን፡ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራን ተግባራት ስርዓት ህግደፍን ዝፈልጥሉ ሰሚናራትን ናይ ኤርትራውያን ዋዕላታትን ምእንጋድ።

 

ልኡኽ ሰልፍና፡ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ነቲ ኣብ መበል 37 ጕባኤኡ ኣመሓላሊፍዎ ዝነበረ ን2% መሕወይ ግብርን ንዘይፖለቲካውያን ተዋሳእቲ ዝውሃብ ምልመላን ዝምልከት ውሳኔታት ክትግብሮ ተላብዩ።

 

ኣቶ ቶማስ፡ ኣብ ማእከል ምውህሃድ (Center of Integration) ከተማ ጉተንበርግ ኢዩ ዝሰርሕ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣቦ መንበር  ኣህጕራዊት ኮሚቴ ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ኢዩ። ከምኡ’ውን፡ ንሰላም ምንጋስ ዝነጥፍ ህርኩት ተዋስኣይ ኢዩ። ኣባል ናይ ምንቅስቓስ ንሰላም ኣብ ሽወደን ኰይኑ ንምሉእ ህይወቱ ተቓሊሱን ከም ፕረሲደንት ናይ ኣህጕራዊ ምንቅስቓስ ንሰላም ኰይኑ ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ፡ ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሑን ኢዩ።

 

 

ንኤርትራውያን ንምሕጋዝ፡ ምስ ኤርትራውያን ኰይኑ፡ ብዛዕባ ኣወንታታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ባህሉን ሙዚቃኡን ምግላጽ ዝዓለመ “ኤርትራ ኣብ ልብና” ዝብል ማሕበር ካብ ዝመስረት ሰባት ሓደ ኢዩ።

Last modified on Tuesday, 11 October 2016 23:14