ጋዜጣዊ መግለጺ ዋዕላ ህንጸት ሓድ-ሕዳዊ ምትእምማን

2016-08-28 14:40:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 5508 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳናዲኡ ዝዓደሞ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ምሁራትን ለባማትን፡ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ነሓሰ 10 -13 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።

እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ኣትኲሩ ዘልዓሎም/ዝዘተየሎም ነጥብታት/ዛዕባታት፡-

Workshop 9

  1. ዕርቂ
  2. ሓድ-ሕድ ምትእምማን
  3. ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምህናጽ ሓድ-ሕዳዊ ምትእምማን
  4. ስለምንታይ ዘይምትእምማን ኣብ መንጎ ተቛወምቲ ውድባት ይረአ
  5. ኣፈታትሓ ግርጭት/ግጭት
  6. ሃለዋት ማሕበራውን ባህላውን ክብርታትናን ምሕላው
  7. ጠንቂ ስደት፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን

ኰይኖም፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ብምሁራትን ኪኢላታትን መደረታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ዓሚቝ ክትዓትን ልዝብን ተኻይዱ። ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ኣብ ተመኩሮ ሃገራዊ ቃልስና ኣብ ምድኻም ይኹን ኣብ ምሕያል ዘለዎም ተራ፡ ከመይነቶምን/እንታይነቶምን ድሕሪ ምዝታይ መፍትሒ ዝበሎም መሳርሒታትን ኣገባባትን እውን ዘትዩ።

Workshop 1  

እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ብመሰረቱ ሓድሽ ዘይኮነስ፡ መቐጸልታ ናይ`ቶም ብዝተፋላለየ ኩርናዓት ክካየዱ ዝጸንሑ እወታዊ ፈተነታት እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዘይምትእምማን ጠንቅታት ኮይኖም ሓባራዊ ስራሕ ከይትግበር ቀይዶም ሒዝምዎ ንዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ኣለልዩ ብዕምቆት መርሚርዎ። እዞም ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ጂኦግራፊያዊ፡ ናይ ወለዶ ጋግ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ተመኩሮ ሰውራና ዘይተኣልየ ሰረተት ዘለዎም ምዃኑ ተረዲኡ።Workshop 2

 

ግርጭታት ክህልዉ ባህርያዊ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናጽነታዊ ቃልስና ዝተጋህዱ ከበድቲ ፍልልያት ብኣግኡ ከይተኣልዩ ብምጽነሖም ናይ ቂምን ቅርሕንትን ምንጭታት ኮይኖም ቀጺሎም። ይተካእ ይለቀም- ኣብ ጉባኤታት ይኹን ኣኼባታት ዝተበጽሑ ስምምዓት/ውዑላት ዘይምጽዓድን ጠሪስካ ምግሃሶምን፡ ግሉጽነት ንከይህሉን ቀዳምነታት ንከይስራዕን ቀንዲ ዕንቅፋታት ኮይኖም ምህላዎም ዋዕላ ርእዩ።

Workshop 3

እዚ ንሰለሰተ መዓልታት፡ ብዕምቆት ዝዝተየ ዋዕላ፡ ኣብ ህዝባውን፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ጠሚቱ፡ ስትራተጂያዊ ኣተሓሕዛ፡ ንተግባራውነቱ ዝምልከት ቁርብነትን ክረጋገጹ ንዘለዎም ውጽኢታትን ጠሚቱ ብዕዘት ካብ ዝዘተየሎም፡-

-    መራኸቢ ብዙሓን መሐየሊ ህዝባዊ ቃልሲታትና እምበር፡ መራሓሓቒን ንስልኳታት ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ህግደፍ ዕድል ዘይከፍቱ ክኾኑ ምኽኣሎም፡

-    ናይ ዘላቒ ሰላም ዋጋ ሕድገታት ምግባርን ይቕረ ምብህሃልን ምዃኑ፡

-    ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡

-    ኣብ መንጎ ህዝቢ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ክህሉ ንዝኽእል ናይ ባህልን ኣተሃላልዋን ግቡእ ኣፍልጦን ተረድኦን ምህላው፡

-    ኣብ ስርዓት ህግደፍ ንጹር ሓባራዊ ተረድኦ ንኽህሉ ምጽዓር፡

-    ተወጺዕና ንዝብሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ብተገዳስነት ምፍላጥን ምርዳእን፡

-    ብትግርኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ንዝጻሓፉ ትሕዝቶታት ኣብ ኣተረጓጉመኦም ከይዛብዑ ምጥንቃቕ፡

-    ኣብ መንጎ ወለዶታት ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ምጽባብ፡ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡

-    ንስርዓት ህግደፍ ብውሑስ መንገዲ ክንቅይሮ ብሓባርን ብስምምዕን ጥራሕ ምዃኑ ምእማንን ምትግባርን፡

-    ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ ውግእን፡ ውግእ ዝፈጠሮ ጭንቀትን ናይ ኣእምሮ ጸገምን ይወርዶ ምህላዉ ብምርዳእ፡ ፍታሕ ክረክብ ኩሉ ጻዕሪታት ምትግባር፡

-    ግፍዒታት ህግደፍ ዝፈጠሮ - መንእሰያትና ብጸብጺብካ ዘይውዳእ መከራን ናይ ኣእምሮ ነውጽን ይሳቐ ምህላዉ ብምርዳእ ኣድላዪ ሓገዝን ምትብባዕን ምክያድ፡

-    ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት-ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒታት ኣብ ምውሳንን ምፍጻምን ተረአን ዝዋሳኣሉ ምቹእ ባይታ ክፍጠር ወሳኒ ምዃኑ፡

-    ኣንጻር ህግደፍ ንዝለዓዓል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተወሃሂዱ ከድምዕ፡ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ዘሰጋግር ኣንፈት ሒዙ ክብርትዕን ክሕይልን ምትብብዑ፡

-    ተቛውሞ ውድባት ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝነጥፋሉ ንጹር ኣስራርሓ ክህልወንን ነዚ ዘገልግል ሰባኣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ክብ ከብላን

Workshop 6

ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን፡ ዋላ`ኳ ኣብ ሓባር ስምምዓት ንምብጻሕ ዝተገበረ ብዙሕ ፈተነታት እንተነበረ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሽቶ ዘይሃረመ ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኰነ ውልቀ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን መቐይሮ-መኣዝን (paradigm shift) ከረጋግጹን ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ክሰርሑን ኣዝዩ ህጹጽ ምዃኑ ዋዕላ ኣስሚርሉ። ከምኡ`ውን፡ ከም`ዚ ዓይነት ዓውደ-መጽናዕቲ`ዚ ልሙድ ክኸውንን ኣብ ዝተኻእለሉ ቦታን ጊዜን ቀጻሊ ጻዕሪታት ክትግበር ርእዩ።

Workshop 11

Last modified on Sunday, 28 August 2016 16:52