ዕርቂ

2016-08-17 06:16:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 6288 times

1. ትርጉም ዕርቂ

2. ግደ ባህሊ ኣብ ዕርቂ

3. መስርሕ ዕርቂ

4 .ግደ ወጻእተኛታት ኣብ ዕርቂ

5. ውጽኢት ዕርቂ

6. ምኽባር ዕርቂ

 

ትርጉም ዕርቂ፡ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዘየሰማምዕ ነገራት ክርከብ ባህርያዊ እዩ።ብዙሕ ዓይነት ማሕበራውን ሞያውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ከም ዘሎ መጠን እተፈላለየ ብዙሕ መልክዓት ዝሓዘ ፍልልያት ክህሉ ግድን እዩ። ሰብ ነገር እንተስ ባዕላቶም እንተስ ብመንጎኝነት ካልኦት፣ ነቲ ዘየሰማሞዖም ጕዳያት ኵላቶም ዝረድዩሉ ስምምዕ ክብጻሕ እንከሎ ዕርቂ ተጌሩ ይብሃል። እቲ እዚ ጽሑፍ እዚ ዘተኵረሉ ዕርቂ ብዛዕባ እተን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብሰብኣዊ መሰል ዝኸብረሉ፡ ኣብዝሖ-ሰልፍታት ዘፍቅድ ቅዋማዊ፡ ዕልማናዊ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካእ ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ክበጽሕኦ ዘድሊ ፖለቲካዊ ዕርቂ እዩ።ዕርቂ ከም ቃል ወይ ሓሳብ ንኽራኸባን ክላዘባን ጸገም ዘይብለን ውድባት እንተዘይተጠቐምናሉ ይሓይሽ ከመይ ዕርቂ ኣብ ነንሓድሕዶም ዝዳመዩን ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓድሕዶም ዘይፋለጡን ወይ እውን ምቹእ ኵነታት ክርከብ እንከሎ ኣብ መንጎ ጨቋኒ ስርዓትን ጭቁናትን ከም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እተራእየ እንተ ተጠቐምናሉ ይሓይሽ ዝብል ርእይቶ ሓሓሊፉ ይቃላሕ ምንባሩ እዚ ፅሓፋይ ይዝክር። ስለዚ ድማ ኣቐዲሙ እቲ ዕርቂ ብልዝብ ኣብሊካ ክብጻሕ ዘለዎ ስኒት፡ ሓቢርካ ምስራሕ ክሳብ ምሉእሓድነት ዝዕላማኡ ነቲ ንሕናን እዚኣቶምን ዝብል ሓቢርካ ንከይትሰርሕ ይኹን ንከይትሓብር ዝጋርድ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓጹር ንምስባር ዝሓለነ ምዃኑ ጽሓፊ ከስምረሉ ይደሊ።

ምስተን ዘይዕልማናውያን ውድባትክ? እንታይ ዓይነት ዝምድና ከድሊ እዩ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝርዝር ከይኣቶ ዕቱብ ስሙር ግንባር ምፍጣር ከም ዘድልን ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሎሚ ሕቶ ምዃኑን ይኣምን።

Workshop 8

ግደ ባህሊ ኣብ ዕርቂ፣ እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ብሓው ብርሃነ ረዳ እተቐናበረ ጽሑፍ ዕርቂ ኣብ ሕግታት እንዳባ ርኣሱ ዝኽኣለ ቦታ ከም ዘለዎ የመልክተልና፡

ስርዓት እንዳባ ንዝኾነ ይኹን ገበን ኮነ ሕብረሰብኣዊ ምትእስሳራት ሕጊ ኣቚሞሙሉ ኣለዉ፣ እዚ ሕግታትዚ ሕብረተሰብኣዊ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው ዝተፈላለየ ሽግራት ብኹሉ ኲርናዓቱ ብምዕዛብ ኣቕሪቦሞዮም። ኮይኑ ግን ብዳኛ ጥራሕ ከይውሰን ብዕርቂ ክውዳእ ኣብ ጐኒ ሕጋዊ ኣገባብ ካልእ መንገዲ ማዕሪኡ « ሽምግልና ዝብሃል መስርሕ ፈጢሮምዮም።

ሽምግልና ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣካላት ማለት ስባት፡ ዓድታት፡ እንዳታት ወይ ቀቢላታት፡ ሓደ ሓደ እዋንውን ወረዳታት ብፍትወት ክልቲኦም ኣካላት ዝኣሊ ኣካልዩ። ኣብ ሽምግልና ካብ ክልቲኡ ነጻ ዝኾኑ (neutral)፡ ኣብቲ ጉዳይ መኽሰብ ዘይብሎም ሰባት፣ ብክልቲኦም ወገን ዝእመኑ ዋሕሳትን እቶም ክልተ ሰብ ጉዳይን ይቐውም። ንኣብነት ኣብ ቢለን ካብ እንዳታት ቤት ታውቀ ዘይምስምማዕ ምስ ዝርከብ ቤት ታርቀ ወይ ካብ ቤጁ ኮነ ካልኦትን ክሽምግሉ ይመጽኡ። ኣብ ኣከለ-ጒዛይውን እቲ ኣብ ሞንጎ ጦርዓን ንዓ-ደግለን ዝነበረ ባእሲ ካብ ዓድታት ናይ ኣከለ-ጒዛይ ዝተዋጽኡ ሽማግለታት ክዓርቁ ዪፍትኑ ከም ዝነበሩ ዓብይ ኣብነትዩ።

መብዛሕትኡ ሕግታት እንዳባ ኣብ ዕርቂ ዝተሞርኮሰ ሕንጻጻትዩ። እቲ ሽምግልና ወይ ዕርቂ ናይ መርዓ፣ ፍትሕ፣ መሬት፣ ምባጓሮ፣ ቅትለት ሰብ፣ ወዘተ... ዝምልከት ኮይኑ ምሉእ ሓላፍነት፡ ብዓይኒ ሕጊ ዝስከምዩ። ኣብ መብዛሕቲአን ኣውራጃታት ኮነ ቢሄራት ኤሪትራ ነዚ ነገራት ዝፈትሑ ሽማግለታት ዝተመዘዙ ኣለዉ፣ ገበን ዝገብረ ሰብ ክይተታሕዘ ኣብዞም ሽማግለታት እዚኦም ዑቕባ ምስ ዝሓትት ዝትንክፎ የብሉን። እዚ ማለት ግን ጉዳዩ ኣይረኣይንዩ ማለት ኣይኮነን።

ሽማግለታት ኣብ፣- ከበሳ             ዳኛታትን ዓበይቲ ዕድን

              ኣብ ኲናማ        ሰንገነነ ከምኡ ድማ ዳኒመታ

              ኣብ ናራ         ቶርጉዳ

              ኣብ ብዳውየት     ሓሰቢብ ዝበሃሉ ዓብይቲ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ዓ. ዓድን

              ኣብ ዓፋር፡        መካቦ

በኒዓምር፡ ሳሆ፡ መንሳዕ ከምኡውን ካልኦት ቢሄራትን ዓበይቲ ናይ ቀቢላታት መራሕቲ ነቲ ሽምግልና የካዪድዎ።

ቅትለት ሰብ እቲ ዝዓብየ ገበንዩ። ሕግታት እንዳባ ነዚ ጒዳይዚ ሕግታት ኣስፊረናሉ ኣለዋ። ሞት ኩሉ ጊዜ ሞት ስለ ዘስዕብ ግን ደም ንምንቃጽ ኢሎም ገሊአን ኣብ ሕገን ሕነ ምፍዳይ ዝኽልክል ዓንቀጽ ከስፍራ ከለዋ ገሊአን ግን ብዕርቂ ክፍትሕኦ ይፍትና። ኣብ ሕጊ ናይ ብኒዓምር ዓንቀጽ 1 «ዝኾነ ይኹን ቅትለት ሰብ ብጋር ነብሲ ክፍታሕ ኣለዎ » ። ከምኡውን ኣብ ሕጊ ታርቀን ታውቀን 12 ነገድን ብተመሳሳሊ ኣብ ዕንቀጽ 5 ኣስፊሮሞ ኣለዉ። እተን ካልኦት ሕጊ እንዳባታት ግን ሽማግለ እንዳመዋቲ ብምልኣኽ ነቲ ገበን ከፈትሕኦ ይፍትና። እዚ ናይ ዕርቂ ስጉምቲ ክግበር ዝከኣል እቲ ገበነኛ ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ተሰምዮም ዘለዉ ሽማግለታ ምስ ዝዕቈብ ወይ ድማ ኣብ ኢድ መንግስቲ ማለት ፖሊስ ምስ ዝኣቱ ወይ ሃዲሙ ምስ ዝጠፍእ (ብርሃነ ረዳ ኢመይል 29 ሓምለ 2016)

Workshop 9

መስርሕ ዕርቂ፡ እዘን ኣዚዩ ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ዕላማታትን ባህግታትን ዘለወን ውድባት ኤርትራ ሓቢረን ንክሰርሓ ወይ እውን ክሳብ ፍጹም ሓድነት ክገብራ እንተዀይነን እንታይ ክማላእ የድሊ? ብቐዳምነት ንዕርቂ ዝሰማማዕ ባይታ ንምፍጣር ብደረጃ መሪሕነት ኮነ ካድራትን መሰረታትን ንምርድዳእ ዝዓለም ርክባት ክካየድ የድሊ። ብድሕርዚ ንተመኵሮአን ብቕንዕና ብግልጺ ሓቢረን ምግምጋም የድልየን። ጥቕሚ ናይ ብግልጽን ቅንዕናን ምግምጋም ብውሑዱ ዝፈላለየካ ወይ ሓቢርካ ንከይትሰርሕ ዝዓንቀፈካ፡ ከካብ ኣየናይ መበገሲ ተበጊስካ ከም ዝርኣኻዮን፡ እቲ ኣርኣእያታት እቲ ዘኸተሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምርሕሓቕን ምንጽጻግን ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል። ዕላምኡ ጕድለት ተለልዩ ንከይድገም መምሃሪ ክኸውን ድኣ እምበር ንምኽሳስን ቍስሊ ምጕዳእን ክኸውን ኣይግባእን።  

ካልኣይ እቶም ንዕርቂ ዝዝትዩ ኣብ ምግምጋም ኮነ ኣብ ካልእ ዝስዕብ ዛዕባታት ዝሳተፉ ባእታታት ብልቢ ንዕርቂ ዝደልዩን ዝሕለቁን ክኾኑ ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘርኣዊ-ኣድልዎ (Apartheid) ወዲቑ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትካእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ ካብ ጽዓዱ ኰነ ጸልምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን መስርሕ ዕርቂ ንምስንኻል ሓያሎይ ናዕብታት የክይዱ ከም ዝነበሩ እንተዀነ ግን ብሳላ ብቑዕ ኣተኣላልያ ናይ ማንደላን ደ ክለርክን ነቲ ብድሆታት ክሰግርዎ ከም ዝኻኣሉ ብሓያሎይ ደረስቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። <<ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ>> ከም ዝብሃል፡ ንኵሉ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ክኣልዩ ዝኽእሉ ተዛተይቲ ምውካል ዋሕስ ናይ ዕዉት ልዝብ እዩ ክብሃል ይክኣል።

ሳልሳይ ሓዳጋት ማለት ይቕረ ብሃልቲ ክንከውን የድሊ። ይቕረ በለለይ ክትብሃል ከይደለኻ ንዝበደለካ ይቕረ ምባል ንባዕሉ ንገዛእ ርእስኻ መድሃኒት እዩ። ኣብ ናይ ቃልስና ጕዕዞ ኣብ ርእሲ ሕድሕድና ብዙሕ ግፍዕታት ኢና ፈጺምና። እቶም ንእተበደልናዮ ኣብ ስንና ነኺስና፡ ብቕርሕንቲ እንጕዓዝ ንጥዕናና ኰነ ነቲ ክረጋገጽ ዝድለ ናይ ሓባር ቃልሲ ማዕረ ክንደይ ከም እንሃስዮ ብግቡእ ዝርድኣና ኣይመስለንን። ኣብ ባህልና ብዛዕባ ነብስኻ ምዝራብ ከም ትሕትና ዝጐደሎ ሰብ ስለዘቝጽረካ፣<<ተበዲለ ክነሰይ፡ ይቕረ ኢለ ክቃለስ መሪጸ ኣሎኹ>> ዝብል ዘረባ ዝውቱር ኣይኰነን። ዘይዛረቡሉ ድኣ ኮይኖም እምበር፣ ይቕረ እንዳበሉ ዝቃልሱ ከም ዘለዉና ዝክሓድ ኣይኮነን። ንዝብሎ ዘሎኹ ነጥቢ ብጭብጢ የረጋግጽ እዩ ኢለ ስልዝኣምን ካብ ባህልና ወጺኤ ካብ ተሞክሮይ ብዛዕባ ክልተ ፍጻሜታት ከዘንትወልኩም ትዓገሱኒ። ኣብ ሚያዝያ 1967 ብስርዓት ሃይለስላሴ ተኣሲረ። ናብ ቤተይ መሪሑ ዘእሰረንን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕለይ ዝመስከረን፡ ስሩዕ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነይሩ። ኣብቲ ንሱ ተኻርይዎ ዝነበረ ቦታ ተጋደልቲ ነዕቍበሉ ስለዝነበርና ንጡፋት ተንቀሳቐስቲ ምንባርና ይፈልጥ ነይሩ። ምሳይ ካልእ ስሪዕታዊ ምትእስሳር ስለዘይነበሮ፡ ንነብሱ ክውጽእ ንዓይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኢለ ብዙሕ ጕህየን ሓሪቐን። ጸኒሐ ግን ኣነስ በዲለ እንድየ ኣብ ገዛይ እንተዘይጸንሕ እኮ ኣይምትኣሰርኩን ነይረ። ትኣሲሩ ምንባሩ እፈልጥ ነይረ ግን ናብ ገዛና ክመርሖም ከምዝኽእል ዘይምግማተይ ተጋግየ እየ። ስለዚ ድሕሪ ደጊም ብዛዕባኡ ኣይሓስብን እየ ምስ በልኩ ከም ዓቢ ጾር ካብ መንኩበይ ዝወረደለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ካብ ሕርቃንን ቅርሕንትን ድማ ተገላገልኩ። እዚ ሰብዚ ቅድመይ ናብ ካናዳ ኣትዩ ይቕመጥ ስለዝነበረ፣ ካናዳ ምእታወይ ምስ ሰምዐ ስልኪ ደዊሉ ሰላም ይብለኒ ከም ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይብልና ከኣ ጽቡቕ ኣዕሊልና። ክሳብ ክልተ ሽሕን ሓደን ንህግደፍ ክድግፍ ድሕሪ ምጽንሑ ሓደ ካብቶም ካብ ሽዑ ንድሓር ደገፎም ዘቛረጹ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዝኾነ ብዛዕባ ሃገርና ምስኡ ክላዘብ ድሉው እየ።ኔርና ኔርና እውን ነዕልል ኢና።

እቲ ካልኣይ ፍጻሜ ምስዚ ቀዳማይ ዝዳረግ ኣይኮነን። ግን ብግልጺ ዝስምዓካ ተዛሪብካ ንናይ ሓባር ዕላማ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ግን ኣብነታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ እብል፡ ኣብ ሽወደን ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወኪል ኰይነ እጋደል ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊቲ ሽዑ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ወጻኢ ቅዋም ዕቃቤታት ነይሩኒ። ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ሓበሬታ ይጎድሎም እዩ ዝብል ዕግበት ስለዝነበረኒ፣ ኣብቲ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ክካየድ ተመዲቡሉ ዝነበረ ግዜ ናብ ኣባላት ባይቶ ንክበጽሕ ዝዓለመ ዝሰደድኩዎ ምዝጉብ መልእኽቲ፡ ናብቲ ዝልኣኽኩሉ ብጻይ ከይበጽሐ ኣብ ኢድ ሓላፊ ወጻኢ ጕዳያት ማለት ናይቲ ተመዲበሉ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት ወደቐ። ንሱ ድማ ብኡ ንብኡ ናብ ሱዳን ምጻእ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈለይ። ትእዛዝ ኣኽቢረ ናብ ሱዳን ካብ ሱዳን እውን ናብ ሜዳ ኣቶኹ። እቲ ንፈጻሚ ሽማግለ ወኪሉ ብዛዕባዚ ጕዳይ ዘዛራረበኒ ባእታ<<ሽግር ክትፈጥር ኢልካ ከም ዝይልኣኽካዮ ይርድኣና ኢዩ። ኣብ ኢድ ሽግር ክፈጥሩልና ዝደልዩ ባእታታት እንተዝወድቕ ግን ምፈጠረልና ነይሩ። ንስኻ ምሳና ኴንካ ከም እትቃለስ እውን ጥርጥር የብልናን። ከም መቕጻዕቲ ካብ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናብ ምክትል ሓላፊ ኣውሪድናካ ኣሎና እንተ ኢልናካ ኣውን ከም እትቕብሎ ንኣምን ኢና። ስለዚ በዚ ዝልኣኽካዮ ጽሑፍ ምኽንያት ዘይኰነ ኣብ ህዝባዊ መዳይ ከተፍሪ ከም እትኽእል ብምዕጋብ፡ ፈ/ሽ ኣብ ካርቱም ከም ሓላፊ ህዝባዊ ጕዳያትን ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ካርቱም ኴንካ ከተገልግል ወሲና ከም ዘላ እሕብረካ>> በለኒ። ብውሽጠይ ንሜዳ ቐረበለይ ጽቡቕ መደብ እዩ ኢለ ብዘይ ነግ ፈረግ ነቲ ውሳኔ ተቐቢለ፣ <<ዝልኣኽክዎ መልእኽቲ ምዝጉብ እዩ ነይሩ መን ከም ዝሃበኩም ክፈልጥ እደሊ እየ። ኣይ ንነግረካን ኢና እንተ ኢልካ ብቤት ቡስጣ ኣቢለ ክረኽቦ እኽእልእ እየ፤ ነቲ ሰብ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን>> በልክዎ። ሓበረኒ ድማ። ናይ ካርቱም መደብ ኣብ ግብሪ ከይውዓለ፣ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ምስቲ ነታ ምዝግብቲ ደብዳበ ዝሃቦም ሰብ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ክሰርሕ ተመደብኩ። ክሳብ ሽዑ ብዛዕባዚ ጕዳይዚ ኣይተዛሪብኩዎን ነይረ። ሓቢርካ ምስራሕ ካብ መጸ <<ትዕዝብቲ እንተ ነይሩካ ኣብቲ ዝልኣኽዎ ምዝጉብ ደብዳበ፣ ስለምንታይ ደዊልካ ዘይሓተትካኒ? ብተወሳኺ ናባኻ ኣይኮነን ተላኢኹ ስለምንታይ ከፊትካዮ?>> ክብል ተወኪሰዮ። ንሱ ድማ <<ነቲ መልእኽቲ ካብ ቤት ቡስጣ እከለ ኣምጺኡዎ። ኣጋጣሚ ኣብታ ስዓት እቲኣ ሓላፊ ወ/ጕ/ቤ/ጽ ምሳይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ነይሩ፡ ካብ ወኪልኩም እተላእከ መልእኽቲ ድማ ኣሎ ምስ በልኩዎ እስከ ኢሉ ባዕሉ እዩ ከፊትዎ>> ክብል ገለጸለይ። እቲ ጕዳይ ኣብኡ ዓሪፉ ስራሕና ብስኒት ነሰላስል ነበርና።

ኵሉ በብሸነኹ ይቕረ እንተ ኢሉ ወይ ይቕረ ክብል ንነብሱ እንተኣዳልዩ ንከይትሓብር ወይ ብውሕዱ ሓቢርካ ንከይትሰርሕ ዝእግድ ሽግር ከም ዘየሎ እዚ ጽሓፋይ ይኣምን።ዝበደለ ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ ሓጋዚ ከምዝኸውን እውን ፍሉጥ ኢዩ።

Desmond Mpilo Tutu ኣብ No Future without Forgiveness መጽሓፉ pp 152-153

ብዛዕባ Amy Biehl, a Fulbright scholar from Californiaካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዛ ጸረ ዘርኣዊ ኣድልዎ ኣብ Stanford University, California ኣብቲ ብተማሃሮ ዝካየድ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተሳታፊት ዝነበረት ንትምህርቲ ኣብ University of the Western Cape, South Africa ክትምሃር ዝመጸት ናብ Gugulethu እተባህለ ጸለምቲ ዝነብሩሉ ንእሽቶ ከተማ ንተማሃሮ የዕሩኻ ብማኪና ከተብጽሕ ምስ ከደት፣ ብኢድ እቶም ናጻ ክኾኑ ኣለዎም እትብሎም ጸለምቲ መንእሰያት ብግፍዒ ኣብ ወርሒ ንሓሰ 25, 1993 ድሕሪ ምቕታላ፣ ቀተልታ ምሕረት ምስ ሓተቱ ወለዳ ሕነ ክፈድዩ ኣይደለዩን። ምሕረት ክግበረሎም ንዝሓተትዎ ደጊፎሞ ጥራሕ ዘይኮነስ መንእሰያት ናይታ ንእሽቶ ከተማ ካብ ኣብ ናይ ገበን ዓመጽ ከይጥሓሉ ሓላፍነታውያን ሰባት ንክዀኑ ኣብ ምምራሕ ዘገልግል Amy Biehl Foundation እተባህለ ትካል ኣቚሞም ንቈልዑ እታ ጓሎም እተቐትለትላ ከተማ ከገልግሉ ሓያሎይ ካብ ግዜኦምን ገንዘቦምን እንዳ ኣውጽኡ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብታ ከተማ ከም ዝማላለሱ ሰኒዱዎ ኣሎ።

ናይ ኤሚ ስድራ ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ርህራሄን ተወፋይነትን ከርእዩ እንከለዉ፣ ንሕና ስለ እቶም ተስፋ ስኢኖም ወግሐ-ጸብሐ ዝስደዱ፡ኣብ ምድረ በዳታትን ማእከላይ ባሕርን ዝጥሕሉ ዘለዉ መንእሰያትናን ዘልዕሎም ስኢኖም ወሊዶም ከም ዘይወለዱ ኣብ ስቓይ ዝነብሩ ዘለዉ ሽማግለታት ወለድናን ኵሉ ጓል-ነገር ንጐድኒ ገዲፍና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንቃለስ ቈሪጽና ክንልዓል ዶ ኣይግባኣናን?

ግደ ወጻእተኛታት ኣብ ዕርቂ፡ ናይ ወጻኢ መንግስታት ሰልፍታት ኣህጉራዊ ትካላት ኣብ ዕርቂ እወታዊ ወይ ኣሉታዊ ግደ ክህልዎም ይኽእል። ካብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ክሳብ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሓያሎይ ሃገራት እወታዊ ግደ ኣብ ኒካራግዋ፡ ጓታማላ ሩዋንዳ እወታዊ ግደ ከም ዘበርከቱ ዝሕብሩሎም ኣለዉ። ኣብ ከባቢና ገሌና ብእወታ ገሌና ባኣሉታ እንገልጾ ናይ ሰንዓ ፎርም ነይሩ። ኵላትና ከም እንፈልጦ ሕጂ የመን ንባዕላ ኣብ ቅልውላው ከም ዘላ ካብ ኵላትና ስዉር ኣይኮነን። ንግደ ኢትዮጵያ እውን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰንዓ ፎርም ኣርኣእያ ዝፍለ ኣይኮነን፤ ከመይ ገሌና ብእወታ ገሌና ብኣሉታ ኢና እንገልጾ። ሱዳን ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ወጊና ምህላዋ ዘካትዕ ኣይኮነን። እንተዀነ ግን ነባ ረብሓታት እምበር ነባሪ ፈታውን ጸላእን የልቦን ከም ዝብሃል ኵነታት ክቕየር ከምዝኽእል ዘምስሓት። ስለዚ ምስ ኢትዮጵያ ሱዳንኰነጅቡቲ ክህልወና ዝኽእል ዝምድና ከም ረባብቲ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነ ባህላውን ሃይማኖታውን ዘርኣውን ዝምድናታት ስለዘሎ ኤርትራውያን ውድባት ንሓባራዊ ረብሓታት ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ንምዕቋብ ዝዓለመ ክምዝመዝ ዝኽእል ነቓዓት ዘይብሉ ስጡምን ብሱልን ሓባራዊ ናይ ወጻኢ ፖለቲካዊ-መርሓ/ሜላ (ፖሊሲ) ክነድፋ ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ።

Workshop 4

 

ውጽኢት ዕርቂ

ነንሓድሕድካ ብኣሉታ እትህቦ ዝነበርካ መግለጽታት ብእወታዊ መግለጺ ሓቢርና እዝን እዝን ክንሰርሕ ኢና፤ ሓባራዊ ኣርኣእያና ድማ ከምዝን ከምዝን እዩ ዝብል ተስፋ ዝመልኦ ሓዲሽ ኣርኣያን እምነትን ንምትካእ ብዕቱብ ምስራሕ የድሊ። ኣብ ጕዕዞ ድማ ምትእምማን ይፍጠር። ተሳዓሪ ዘይብሉ ኵሉ ዕዉት ኰይኑ ዝስምዓሉ ዓይነት ስኒት ምርግጋጽ ናይ ኵሉ ተዋሳኢ ዕላማ ክኸውን ከሎ፣ እንተድኣ ነፍሲ-ወከፍ ተሳታፊ ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ነብሱ ሓኺኩ ከማልእ ድሉው ኰይኑ ዘይረጋገጸሉ ምኽንያት የልቦን።

ሓድነት ሓይሊ እዩ ተፈላሊኻ ንኽትነብር ዘገድድ ብቑዕ ምኽንያት እንተዘይብልካ ኴንካ ብልዝብ ሓደ ውድብ ብምቛም ወይ ድማ መሰረታዊ ፍልልይ ሃልዩካ ስሙር ግንባር ጌርካ ብሓባር ብምስራሕ እዩ ዝረጋገጽ። ሕቶ ስልጣን ብብቕዓት ብሰሪ ዘይምምላስና ቃልስና ንድሕሪት ክጕተት ምጽንሑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዕትበት ክርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ደጋጊምካ ሓደ ነገር እንዳገበርካ እተፈልየ ውጽኢት ክትረክብ ምጽባይ ጽላለ እዩ ከም ዝብሃል ከይኮነናስ፣ ሓዲሽ ነገር ንፈትን፤ ኣብ ዕጹው ነገር እንተበጺሕና ድማ ኪኢላታት ንጸውዕ።

ምኽባር ዕርቂ እተበጽሐ ስምምዕ ክኸብር ይግባእ። ስምምዕና ናይ ምኽባር ባህሊ ከነተኣታቱ ድማ ንሎሚ ኣብ ስደት ኮነ ንጽባሕ ኣብ ሃገርና ኣዚዩ ክጠቕመና እዩ።ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣባላትን ከቃልሕዎ ዘለዎም ናይ ዜና ማዕከናትን ካ ሓባራዊ ምንጪ ሓበሬታ ክዝርግሓሎም ይግባእ። ብውሑዱ እቲ ናይ መጠረሽታ ስምምዕ እንተስ ብጽሑፍ እንተስ ብቴፕ እንተስ ብስእልን ድምጽን ተቐሪጹ ክስነድ ከም ዘለዎ ተዛተይቲ ከም ዕማሞም ጌሮም ክቆጽርዎን ክትግብርዎን ትጽቢት ይግበረሎም።

ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ከም ማእከላይን ቀንድን ዕላማና እንተወሲድናዮ፣ ቅዋም ኣብ ወረቐት ስለዝሰፈረ ኣይኮነን ዝኸብር እንታይ ድአ ንዕኡ ዘኽብር ባህሊ ምስ ዝህሉ እዩ ዝኸብር። ንናይ ገዛእ-ርእሱ ቅዋም ዘየኽብር ውድብ ወይ ሰልፊ ጽባሕ ንናይ ሃገር ቅዋም ከኽብር እየ ኢሉ እንተ ተዛረበ መን ክኣምኖ ይኽእል? ርግጽ ሓደ ካብ ጸገማትና ኣብ ስደት ስለ ዘሎና ንሕጋዊ ኣወዳድባ ዝገዝእ ሕግታት ስለዘይብልና ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ካብ ሓደ ውድብ ተፈንጪሎም ብስም እቲ ውድብ ክጽውዑ ኣይስከፉን።

ነዚ ዘተባብዕ ካልኣይን ቀንድን ነቲ ከነተግብሮ እንደልዮ ዕማማት ኣብ ግብሪ ከነውዕለሉ እንኽእል ፖለቲካዊ ሃዋህው ስለዘየሎ እዩ። ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ስልጣን ንምጭባጥ ኣብ ኤርትራ ውድድር እንተዝግበር ተጃጂልካ ስልጣን ክትሕዝ ከምዘይክኣል ብግብሪ ግልጺ ምኾነ። ካብኡ ነቒለን እውን እተን ክቀራረባ ዝኽእላ ምቅርራብ አረ ሓድነት እምበር ካልእ መተካኣታ ከም ዘየሎስ ሽዑ ንሽዑ ምተገንዘባኦ። እሞ ስጋብ ኣብ ከምኡ ኵንታት እንርከብ ዲና ከም ዘሎናዮ ክንጸንሕ ወይስ ካብ ሕጂ ነቲ ናይ ለውጢ ኵነታት ከነቃላጥፍ ብቕንዕና ብግልጺ ቈሪጽና ንልዓል? ኵላትና ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ እዩ።

ኣብ መደምደምታ ምልካዊ ስርዓት በሪሱ ኣብ ቦታኡ ቅዋማዊ ስርዓት ተተኺሉ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ክሰፍን ስደት ከብቅዕ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሰብኣዊ መሰሉ ትሓልይሉ ምእንቲ ክሰርሕ ክምሃር ክነግድ መስርሕ ዕርቂ ንምቅልጣፍን ክዉን ንምግባርን ነፍሲወከፍና አእጃምና ከነበርክት እጽውዕ።

ዓወት ንዓውደ-መጽናዕቲ!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉእት!

ውድቀት ንዲክታቶያዊ ስርዓት!

ፍትሕን ሰላምን ዲሞክራስን ንሃገርና!

Last modified on Wednesday, 17 August 2016 08:31